‘ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ’ [AI] ውሑስ ንምግባር ሓሙሽተ ቀንዲ ብድሆታት

ሞባይል ዝሓዘ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክኢላታት ‘ኣርቲፊሻል-ኢንተለጀንስ’ (ሰብሰርሖ ብልሒ) ኣብዚ ጉዳይ ብሓፈሻ ሓደ ወይ ክልተ ኣተሓሳስባ ይኽተሉ። ‘ኤ ኣይ’ “ንህይወትና ኣዝዩ ከመሓይሽ እዩ” ወይ ድማ “ንዅላትና ከጥፍኣና እዩ” ይብሉ።

ነዚ ድማ እዩ ኣብዚ ሰሙን እቲ ቴክኖሎጂ ብኸመይ ይምራሕ ዝብል ክትዕ ኣብ ባይቶ ኣውሮጳ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ። ንምዃኑ ከመይ ኢሉ እዩ ‘ኣርቲፊሻል-ኢንተለጀንስ’ ውሑስ ክኸውን ዝኽእል? ሓሙሽተ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ብድሆታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ሰብሰርሖ ብልሒ - ኤኣይ እንታይ ምዃኑ ምርድዳእ

ባይቶ ኣውሮጳ፡ ነቲ "ብሰብ ተነጺሩ ንዝተቐመጠ ዕላማታት፡ ከም ትሕዝቶ፡ ትንበያታት፡ ለበዋታት ወይ ነቲ ዝዋስኣሉ ከባቢታት ዝጸሉ ውሳነታት ዝኣመሰሉ ውጽኢታት ክህብ ዝኽእል" ሶፍትዌር ስርዓተ፡ ‘ኣርቲፊሻል-ኢንተለጀንስ’ (ሰብሰርሖ ብልሒ) ትርጕም ንምሃብ ክልተ ዓመት ከምዝወሰደሉ ይግለጽ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ኣዋጅ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ማለት፡ እቲ ካብ ወለንታዊ ስርዓት ሓሊፉ ኩባንያታት ክኽተላኦ ኣብ ዝግደዳሉ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ሕጋዊ መምርሒታት ‘ኤ ኣይ’ ድምጺ ይህብ ኣሎ።

2. ዓለምለኻዊ ስምምዕ ምግባር

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብሪጣንያ ነበር ሳና ካራጋኒ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ንዶባት ዝዀነ ኣኽብሮት ከምዘይብሉ ትሕብር።

"ኣብዚ ጉዳይ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ክህልወና ይግባእ፤ ከቢድ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየ። እዚ ጉዳይ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ኣይኰነን። እዞም ቴክኖሎጂታት ኣብ ውሽጢ ዶብ ሓንቲ ሃገር ጥራሕ ኮፍ ኣይብሉን እዮም” ክትብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪባ።

ዋላ'ኳ ገለ ኣካላት ሓሳብ እንተቕረቡ፡ ንሕቡራት ሃገራት ዝመስል ዓለማዊ ትካል ‘AI’ ዝምልከት መደብ የለን። ዝተፈላለያ መንግስታት ድማ ዝተፈላለየ ሓሳባት እዩ ዘለዎም።

  • ውጥን እማመታት ሕብረት ኣውሮጳ እቶም ኣዝዮም ትርር ዝበሉ ኰይኖም፡ ንፍርያት ‘ኣርቲፊሻል-ኢንተለጀንስ’ (ሰብሰርሖ ብልሒ) ከከም ጽልዋኦም ደረጃ ምሃብ ዘጠቓልሉ እዮም።
  • ዓባይ ብሪጣንያ ንመቈጻጸሪ ‘ኣርቲፊሻል-ኢንተለጀንስ’ ናብቶም ቅድሚ ሎሚ ኣብ ግብሪ ዝወዓሉ መምርሒታት ወይ ሕጊታት ክጠቓለል ትገበር ኣላ። ንኣብነት ‘እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ልዕሌና ኣድልዎ ገይሩ” ዝብሉ ናብ ኮሚሽን ማዕርነት ክኸዱ ይኽእሉ።
  • ኣመሪካ ወለንታዊ ስርዓታት ጥራይ ኣለዋ
  • ቻይና ድማ ኩባንያታት ቀመር (ኣልጎሪዝም) ኣርቲፊሻል-ኢንተለጀንስ ኣብ ዝጥቀማሉ እዋን ግድን ንተጠቀምቲ ከምዘፍልጣ ክትገብር ወጢና ኣላ

3. ምትእምማን ህዝቢ ምርግጋጽ

"ሰባት እንተኣሚኖምዎ ክጥቀሙሉ እዮም" ይብል ሓላፊ ኢንተርናሽናል ቢዝነስ ማሺንስ (IBM) ኮርፖሬሽን መንግስቲ ሕብረት ኣውሮጳን ጉዳያት ቍጽጽርን ዣን-ማርክ ለክለርክ።

ሰብሰርሖ ብልሒ ኣዝዩ ብዝገርም መንገዲ ህይወት ሰባት ኣብ ምምሕያሽ ሰፊሕ ዕድላት ኣለዎ። ድሮ’ኳ፡

  • ጸረ-ነፍሳት (‘ኣንቲባዮቲክስ’) ንምርካብ ኣብ ምሕጋዝ
  • ኣካሎም ዝለመሱ ሰባት መሊሶም ከም ዝኸዱ ኣብ ምግባር
  • ከም ለውጢ ኵነታት ኣየርን ለበዳታትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ይሕግዝ ኣሎ።

ንኣመልከትቲ ስራሕ መዚንካ ኣብ ምሕላፍ ወይ ሓደ ሰብ ገበን ናይ ምፍጻም ተኽእሎኡ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ኣብ ምግጋም ከ?

ባይቶ ኣውሮጳ፡ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍ ፍርያት ‘ኤኣይ’ ዘስዕቦ ሓደጋታት እኹል ሓበሬታ ክህልዎ ክግበር ይጠልብ።

ሕጊታታ ዝጥሕሳ ኩባንያታት ድማ ልዕሊ 30 ሚልዮን ዩሮ ወይ ድማ 6 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ዓመታዊ መናገዲ ክቕጽዓ ይኽእላ።

ግን ከሞ ኣማዕበልቲ (‘ደቨሎፐርስ’) ፍርያቶም ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከምዘሎ ክግምቱ ወይ ክቈጻጸሩ ይኽእሉ ድዮም?

ኣብ ጉዳይ ኤኣይ ዝርርብ እናተኻየደ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

4. ሕጊታት መን ይጽሓፎ?

ዛጊድ ብዘሎ ኵነታት ሰብሰርሖ ብልሒ ብቐንዱ ባዕሉ ንባዕሉ እዩ ዝመርሕ ዘሎ።

ዓበይቲ ኩባንያታት ብመንግስታዊ ምቍጽጻር ተገዛእቲ ከምዝዀና እየን ዝዛረባ። እዚ ድማ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ንምቍጽጻር "ወሳኒ" ምዃኑ ሓላፊ ናይቲ ፈጣሪ ‘ቻትጂፒቲ’ ዝዀነ ‘ኦፐንኤይ’ ሳም ኣልትማን የረድእ።

ኣብ ምጽሓፍ ሕጊታት ብዝለዓለ ደረጃ እንተተሳቲፈን ግን ቅድሚ ሰባት ንመኽሰበን የቐምጣ’ዶ ይዀና? ዝብል ሕቶ’ውን ይለዓል።

ብዝተኸኣለ መጠን ምስቶም ነቲ ደንቢ ንምውጻእ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ኣባላት ባይቶ ክቀራረባ ከም ዝደልያ ምግማት ይከኣል እዩ።

መስራቲት 'Lastminute.com' [ላስትሚኒት ዳት ኮም] ባሮነስ ሌን-ፎክስ፡ ንኮርፖሬሽናት ጥራይ ምስማዕ ኣገዳሲ ከምዘይኰነ ትዛረብ።

"ንሲቪላዊ ማሕበራት፡ ምሁራት፡ በዞም ዝተፈላለዩ ሞዴላትን ለውጢታትን ዝተጸልዉ ሰባት ከነሳትፍ ኣለና" ትብል።

5. ቅልጡፍ ስጕምቲ

ኣብ ‘ቻትጂፒቲ’ ቢልዮናት ዶላር ወፍሪ ዝገበረ ማይክሮሶፍት፡ "ኣህላኺ ዝዀነ ስራሕ ከትርፍ" ይደሊ።

ናይ ሰብ ዝመስል ዝርዝር ንባብን ናይ ጽሑፍ መልሲን ከፍሪ እኳ እንተኸኣለ፡ ሓላፊ ናይቲ ፈጣሪ ‘ቻትጂፒቲ’ ዝዀነ ‘ኦፐንኤይ’ ሳም ኣልትማን ግን "መሳርሒ እምበር ፍጡር ኣይኮነን" ይብል።

‘ቻትቦት’ ንሰራሕተኛታት ዝያዳ ኣፍረይቲ ክገብሮም እዩ ዝግባእ።

ኣብ ገለ ኢንዱስትሪታት ድማ ‘ኣርቲፊሻል-ኢንተለጀንስ’ ስራሕ ናይ ምፍጣርን ብርቱዕ ተሓጋጋዚ ናይ ምዃንን ዓቕሚ ኣለዎ።

ኣብ ካልኦት ኢንዳስትሪታት ግን ሰራሕተኛታት ድሮ ቦታኦም ስኢኖም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቢቲ ( BT) ዝተበሃለ ዓቢይ ኩባንያ ቴሌኮም ‘ኣርቲፊሻል-ኢንተለጀንስ’ ን10 ሽሕ ስራሕ ከም ዝትክእ ኣፍሊጡ ነይሩ።

‘ቻትጂፒቲ’ ናብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ካብ ዝኣትው ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ ኣቝጺሩ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን ከኣ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ክጽሕፍ፡ ሰባት ንዘኽብርዎም በዓላት መደባት ክውጥንን ሞያዊ ፈተናታት ክሓልፍን ይኽእል።

ካብቶም ሰለስተ "ፈጠርቲ" ኣርቲፊሻል-ኢንተለጀንስ ዝዀኑ እቶም ክልተ ማለት ጀፍሪ ሂንተንን ፕሮፌሰር ዮሹዋ ቤንጅዮን፡ ካብቶም እቲ ቴክኖሎጂ ዓቢ ጉድኣት ከስዕብ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዘጠንቅቝ እዮም።

ሕጊ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እንተወሓደ ክሳብ 2025 ኣብ ግብሪ ኣይውዕልን እዩ፤ እዚ ድማ "ኣዝዩ ደንጉዩ" ትብል ሓላፊት ቴክኖሎጂ ሕብረት ኣውሮጳ ማርጋሬት ቬስታገር።

ንሳ ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ነቲ ዓውዲ ዝኸውን ግዝያዊ ወለንታዊ ስርዓት ትሕንጽጽ ዘላ ኰይና ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ድሉው ክኸውን ይኽእል እዩ።