‘ጡበይ ዝቝረጸሉ መዓልቲ ንገረኒ’

ምንጪ ስእሊ, Yeworkwuha T. Medhane
ወይዘሮ የወርቅውሃ ተኸስተ ጋራጅ ስድራቤተን እየን ዘመሓድራ ነይረን።
ወላዲአን ሓሚሞም ስለ ዝነበሩ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሆስፒታል የሕልፋኦ ከም ዝነበራ ይዝክራ።
ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኣብ ጐድኒ ኣቦአን ኰፍ ኢለን እንከለዋ ብሸነኽ ጸጋማይ ጡበን ንደቓይቕ ዝጸንሐ ዘይልሙድ ቃንዛ ተሰሚዑወን።
ሰንቢደን፡ ንጡበን ይትንክፋኦ፤ ሕጂ’ውን ዘይልሙድ ዝመስል ነገር ከም ዘሎ ኣስተብሂለን - ሕበጥ።
ኣብታ ዕለት፡ በዚ እንታይነቱ ዘይፈለጣኦ ክስተት ተሻቒለንን ብብዙሕ ደንገርገራት ተዋሒጠንን፡ ኣብቲ ሆስፒታል ንሓፍተን ተኪአን ናብ ገዛአን ከይደን።
ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኰይነን ጋዜጣ ኣብ ዘንብባሉ እዋን ዝርኣያኦ “መመርመሪ ጡብ” ዝብል መውዓውዒ ሓደ ሆስፒታል፡ ነቲ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዝተሰምዐን ቃንዛ የዘኻኽረን።
ወይዘሮ የወርቅውሃ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባርን ምዕሩይ ስርዓተ-ኣመጋግባ ብምኽታልን ጥዕና ዘለዎ ህይወት ክመርሓ እየን ዝጽዕራ።
ብዛዕባ ጥዕናአን ዕሽሽ ዝብላ ኣይኰናን።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ግዜ እንከየጥፍኣ ኣብቲ ዘንብብኦ ዝነበራ ጋዜጣ ናብ ዝርኣያኦ ሆስፒታል ከይደን፤ ተመርሚረን።
ሓኪም፡ ኣብ ጡበን ገለ ዝተፈለየ ነገር ኣሎ ብዝብል ተወሳኺ መርመራ ክገብራ ይምዕደን።
ኣብኡ "ካብ ጡበይ ገለ ነገር ወሲዶም" ይብላ።
ውጽኢት ናይቲ ባዮፕሲ - ናይቲ ካብ ጡበን ቅምሶ ቲሹ ተወሲዱ ኣብ ላቦራቶሪ ዝተገብረ መርመራ - "ሓደገኛ ሕበጥ" ኣርእዩ።
"እንታይ ማለት’ዩ? እንታይ’ዩ እሱ?" ኢለን ሓቲተን።
ሓደገኛ ሕበጥ መንሽሮ’ዩ።
እዚ፡ ካብ ቍጽጽርካ ወጻእ ብዝኸውን ቅልጣፈ ናብ ካልኦት ክፍሊ ኣካላት ክላባዕ ስለ ዝኽእል ቅድሚ ምዝርግሑ ሕክምና የድልዮ።
እቲ ሓኪም ድማ፡ መንሽሮ ጡብ "እንተተዘርጊሑ፡ ነዊሕ እንተጸኒሑ፡ ቀታሊ'ዩ" ኢሉወን።
እዚ ዛንታ ቅድሚ 25 ዓመት’ዩ ኣጋጢሙ - ብ1991 ዓ.ም [ኣቈጻጽራ ግእዝ]።
ወይዘሮ የወርቅውሃ፡ ሽዑ ጓል 42 ዓመት እየን ነይረን፤ ብዛዕባ መንሽሮ ጡብ ግን ዝፈልጣኦ ነገር ኣይነበረን።
‘ጡበይ ዝቝረጸሉ መዓልቲ ንገረኒ’
ድሕሪኡ፡ "እንታይከ ይግበር?" ኢለን ሓቲተን።
ሽዑ፡ እቲ ሓደገኛ ሕበጥ ዘለዎ ጡብ ንኸይዝርጋሕ እንተተቘሪጹን መድሃኒት እንተወሲደንን እቲ መንሽሮ ክሓዊ ከም ዝኽእል ተነጊርወን።
ሰጋእ መጋእ ኣይበላን፡ “ዋይ! ከምኡ’ዩ? እዚ’ማ እንታይ ዘጨንቕ ኰይኑ" ዝብል መልሲ ምሃበን ይዝክራ።
ከምቲ ዝተባህለ ግዜ ከባኽና ስለ ዘይደለያ ከኣ ናብ ሓኪመን ከይደን "ጡበይ ዝቑረጸሉ መዓልቲ ንገረኒ" ኢለናኦ።
ሓኪም ግን መጀመርያ ምስ ስድራአን ክማኸራ ተላብዩ።
“ጡበይ ዝሃቡኒ ስድራይ ኣይኰኑን፤ እግዚኣብሄር’ዩ ሂቡኒ” ብምባል ግዜ ከይወስድ ስክፍታአን ገሊጸን። ድሓር ግን ተሰማሚዐን ንበዓልቤተን ይነግራኦም።
ንሰን ከም ዝብልኦ እንተዀይኑ፡ ኣቕልል ኣቢለን ክነግርኦም ዝፈተና በዓል ቤተን ግን፡ ኣዝዮም ስለ ዝሰንበዱ ክሳብ ጸቕጢ ደሞም ዝውስኽ ተሰሚዑዎም።
ድሒሩ በዓል ቤተ ንሕክምና "ብህጹጽ" ናብ ኣሜሪካ ክኸዳ ከም ዘለወንን ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ደቆም ድማ ነዚ ከም ዘመቻችኡን ይዛረቡ።
ወይዘሮ የወርቅውሃ ግን፡ ካብ ዓደይ ኣይወጽእን ኢለን ስለ ዝሞገታ ምስ በዓል ቤተን ተዃርየን።
“በዓል ቤተይ ካባይ ንላዕሊ’ዩ ሰንቢዱ። ኣነ ኣዝየ ህድእ ኢለ ነይረ - ምኽንያቱ ብኡ ንብኡ ስለ ዝተቐበልኩዎ” ይብላ።
ሰባት መንሽሮ ከም ዘለዎም እንተተቐቢሎም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ተስፋ ስምዒት ከም ዝሓድሮም ሓካይም ስነ-ኣእምሮ ይዛረቡ።
ጓህን ሕርቃንን ግን ሸውሃቶም ብምንካይ ስለ ዘዳኽሞም ሕክምናኦም ብግቡእ ከይከታተሉ ጽልዋ ክገብረሎም ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Yeworkwuha T. Medhane
ወይዘሮ የወርቅውሃ’ውን እቲ ዝመጽአ ውጽኢት መርመራ ተቐቢለን፡ ከም ንቡር ዕለታዊ ህይወተን ክመርሓ ቀጺለን።
ንሕክምና ኣብ ዝዳለዋሉ እዋን እንከይተረፈ ካብ ንቡር ስርሐን ኣየብኰራን።
ኣብ መወዳእታ ኣብታ ሆስፒታል ዝኣተዋላ መዓልቲ፡ በዓል ቤተንን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበሩ ደቀንን ምስአን ናብ ሆስፒታል ምኻዶም ኣድላዪ ኣይኰነን ብዝብል ሃሊኸን፡ ኣቐዲመን ንስድራአን እንግዶት ድራር ገይረን።
መንፈስ ኣባላት እታ ስድራ ግን ሕጂ’ውን ተረቢሹ ስለ ዘሎ ትገህ ኢሎም ኣይበልዑን።
"ጽባሕ ንራኸብ" ኢለን መኪና ኣልዒለን ናብ ሆስፒታል ከይደን።
ጸጋማይ ጡበን ተቘሪጹ፤ ንኽልተ መዓልታት ኣብቲ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ ናብ መንበሪ ገዛአን ተመሊሰን።
ሕክምና መንሽሮን ዕለታዊ ህይወትን
እቲ ቀጻሊ ሕክምና መንሽሮ ኬሞቴራፒ’ዩ።
ኬሞቴራፒ፡ ኣብ ኣካላትና ብቕልጡፍ ዝዓብዩ ዋህዮታት ንምቕታል ብርቱዕ ኬሚካላት ዝጥቀም መስርሕ ሕክምና ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መንሽሮ ንምፍዋስ ይውዕል።
ወይዘሮ የወርቅውሃ እዚ ሕክምና ንምጅማር ናብ ሆስፒታል ምስ ከዳ፡ ‘ሰብ ኣለክን’ዶ?’ ተባሂለን ተሓቲተን። ንሰን ግን ንብሕተን ስለ ዝኸዳ፡ "ጸገም የብሉን" ኢለን እቲ ሕክምና ጀሚረናኦ።
ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣዝየን ደኺመን ስለ ዝነበራ፡ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ’ዩ ነይሩ፤ ጨጐራይ ደምየ" ይብላ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ሰሙን፡ ዓርቢ ዓርቢ ኬሞቴራፒ ይወስዳ ነይረን።
“ሓቂ ንምዝራብ . . . ዓርቢ ይደኽመኒ። ቀዳም እውን ከምኡ። ክንቀሳቐስ ኣይክእልን፤ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ እየ ዝትንስእ። ነብሰይ ተሓጺበ፡ ናብ እንዳ ጸጕሪ ክኸይድ እንተደኣ ኰይነ ይኸይድ፡ ሰኑይ ናብ ስራሐይ’የ።”
ኬሞቴራፒ ኣካላውን ስምዒታውን ጉድኣት ከስዕብ ስለ ዝኽእል፡ እዚ ሕክምና ዝገብሩ ሰባት ዕረፍቲ ከም ዘድልዮም ክኢላታት ይምዕዱ።
ይዅን’ምበር ገለ ተሓከምቲ ንቡር ናብራ ክመርሑ ከም ዝኽእሉን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ድሕሪ ምርካቦም ናብ ስራሖም ዝምለሱ ከም ዘለዉን ወሲኾም ይገልጹ።
እዚ ድማ ትኹረቶም ኣብ ስራሕ ንክኸውንን ንከይጭነቝን ክሕግዝ ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Ye Ethiopia Cancer Association/ Facebook
ወይዘሮ የወርቅውሃ፡ "ስራሕ መሕብኢይ'ዩ - ካብ ዝዀነ ነገር፡ ካብ ሕማምን ካብ ኵሉን። ክሰርሕ እንከለኹ ዋላ ሓንቲ ኣይዝክርን። እሰርሕ፡ ይደክም፡ ይድቅስ በቃ” ይብላ።
ሕክምና ኬሞቴራፒ ጎናዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣካላዊ ለውጢ ከም ዝህሉ "ሓኪም ነጊሩኒ ነይሩ" ይብላ። ንኣብነት፡ ጸጕረን ክረግፍ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑወን።
“እንታይ ጸገም ኣለዎ? ጡበይስ ተቘሪጹ እንድዩ? ኢለዮ" ይብላ።
ከም ዕድል ኰይኑ ድማ ዋላ ሓንቲ ጸጕሪ’ውን ከም ዘይረገፈተን ይዛረባ። እቲ ሕክምና ኣብ ሸውሃት መግቢ ጽልዋ ስለ ዝገበረን ከም ዝደለይኦ ክምገባ ብዘይምኽኣለንን ግን ዓቢረን ከም ዝነበራ ይዝክራ።
"ካብዚ ወጻኢ ግን ዋላ ሓንቲ ኣይኰንኩን” ብምባል ኣብ እዋን ሕክምናን ድሕሪ ሕክምናን ኣብ ኣነባብራ ዝዀነ ለውጢ ከም ዘየምጸኣለን ይጠቕሳ።
ሕክምና ኬሞቴራፒ ምስ ወድኣ ብኡንብኡ ናብ ጂምናዝየም ተመሊሰን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባርን ንሓፈሻዊ ጥዕና’ውን ኣገዳሲ ዝዀነ ምዕሩይ ስርዓት ኣመጋግባ ይኽተላ።
“ሓፊረ ኣይፈልጥን። ዝዀነ ሰብ ክሰርሖ ዝኽእል ይሰርሕ’የ።”
ሰብ ሞያ ጥዕና’ውን ጥዑይ ኣነባብራ ክህልወና እዮም ዝምዕዱ። ምዕሩይ ኣመጋግባ ምኽታል፡ ስሩዕ መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን እኹል ዕረፍቲ ምውሳድን፡ መንሽሮን ሕክምናኡን ከስዕቦ ዝኽእል ጸቕጥን ድኻምን ንምምካት ከም ዝሕግዝ የረድኡ።
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ሰባት፡ ጐድናዊ ሳዕቤናት ብዝበለጸ ይጻወሩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነዊሕ ዕድመ እውን ይነብሩ’ዮም።
ንመን’ከ ይንገር?
ወይዘሮ የወርቅውሃ መንሽሮ ከም ዘለወን ዝፈልጡ ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም። ኣብ መጀመርታ በዓል ቤተን ድሕሪኡ ድማ ደቀን።
"ኣደይ፡ ኣቦይ፡ ሓፍተይን ሓወይን ኣይፈለጡን" ብምባል ንብዙሕ ሰብ ዘይምንጋረን ከም ዝጠቐመን ይገልጻ።
ዅሉ ሰብ “ኣብ መገድኻ’ዩ ደው ዝብል፤ እዚ ፈትኒ፡ ከምዚ ግበሪ፡ እዚ ይሓይሽ" ዝብል ምኽሪ ዝህብ ሰብ ይበዝሕ’ሞ ኣሰሩ ይጠፍኣካ ይብላ።
ከምኡ’ውን ሰባት ከይተዘናገዑ ብግዚኡ ሕክምናኦም ብግቡእ ክከታተሉን ከም ናብ ባህላዊ ሕክምና ዝኣመሰሉ ነገራት ብምኻድ ግዜኦም ከየጥፍኡን ይምዕዳ።
“ብባህላዊ ሕክምና ካብ መንሽሮ ዝሓወየ ሰብ ሰሚዐ ኣይፈልጥን -እኳ ደኣ ከም ዝተጐድአ፡ ከም ዝቖሰለ ኢና ንሰምዕ። ምኽንያቱ ቁስሊ ስለ ዝዀነ፡ ግዜ ብዝሃብካዮ መጠን ይዝርጋሕ። እቲ ናይ ሓበሻ (መድሃኒት)- የውጽኦ’ዩ ተባሂሉ ዝግበር ነገር - ዝያዳ ዝጐድኦ ይመስለኒ።"

ምንጪ ስእሊ, Yeworkwuha T. Medhane
ድሕሪ ሕክምና ምስ ካልኦት ግዳያት መንሽሮ ብምርኻብ ተመኵሮታተን ከካፍላን ግንዛበ ዘዕብዩ ስራሕቲ ክሰርሓን ምጅማረን ዝገልጻ እዘን በዓልቲ ታሪኽ፡ ብወለንታአን ናብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ብምኻድ ካብዚ ሕማም ዝድሓኑ ሰባት ከተኣኻኽባ ጻዕሪ ይገብራ ምንባረን ሓቢረን።
ይዅን’ምበር፡ እቲ ዘለዎም ጸገም ክፍለጥ ዘይደልዩ ብዙሓት ሰባት ብምህላዎም ነቲ ዘበገሳኦ ዓላማ በዳሂ ይኸውን ስለ ዝነበረ፡ ሓሓሊፉ ሰባት ንክኣምኑወን ዓለብአን ኣልጊሰን ነቲ ዝተቘርጸ ጡበን የርእያ ከም ዝነበራ ይዝክራ። በዚ መገዲ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሕጽረት ግንዛበ ንምቕራፍ ተቓሊሰን።
ከም ውጽኢቱ ማሕበር መንሽሮ ኢትዮጵያ ክቐውም እምነ-መሰረት ኰይኑ።
ምስ መንሽሮ ዘለዎም ወይ ካብ መንሽሮ ምስ ዝተፈወሱ ሰባት ምዝርራብ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማምን ኣተኣላልያኡን ዝሓሸ ርድኢትን ተጻዋርነት ንኽህልወና ክሕግዝ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።
እወታዊ ትርጕም ምድላይ
ወይዘሮ የወርቅውሃ ምስ ካልኦት መሓዙተን ብምዃን ዝጀመራኦ ወለንታዊ ኣገልግሎት፡ ንሕሙማት መንሽሮ ካብ ምትእኽኻብን ተመኵሮ ምክፋልን ብዝሰገረ ናብዮት፡ ምገባ፡ ክዳውንቶምን ኣካላቶምን ምሕጻብን ካልኦትን ሰብኣዊ ሓገዛት ምብርካትን ዘጠቓለለ ተበግሶ እዩ ነይሩ።
ኣብ መንጐ፡ በዅሪ ወደን ብሞት ምስ ተፈለየ ደቂ ወደን ንምዕባይ ኣብ 2008 ናብ ኣሜሪካ ዝኸዳ ወይዘሮ የወርቅውሃ፡ ንህዝቢ ንምሕጋዝን ንምግልጋልን ዝነበረን ድሌት ሓይሉ ነርሲን ተማሂረን ስራሕ ጀሚረን።
ምርመራን ሕክምናን መንሽሮ ብብዙሕ መዳይ ስንባደ ዝመልኦ ተመኵሮ ክኸውን ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ገለ ጽሑፋት ግን ንእወታዊ ለውጢ ዕድላት ክህብ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።
ሕሙማት ንድሕሪት ተመሊሶም መን ምዃኖምን ብኸመይ ከም ዝነብሩን ይምርምሩ። ክብርታቶምን ቀዳምነት ዝወሃቦምን ነገራት’ውን የንጸባርቑ።
ዘንጊዖም’ውን እንተዀነ ኣብ ኣነባብራኦምን ውልቃዊ ዝምድናታቶምን ዘድልዮም ለውጢ የለልዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መንሽሮ ዝመጽእ "ምብራህ" ወይ "ጻውዒት ንቕሓት" ይበሃል።
ወይዘሮ የወርቅውሃ ካብ መንሽሮ ካብ ዝሓውያ ኣስታት 25 ዓመታት ተቘጺሮም።
"ሓደ ነገር እንተመጺኡ፡ ፍታሕ ምርካብ እምበር ነቲ ሕማም ግዜ ምሃብ ኣየድልን። ብእዋኑ ዝተሓከመ ሰብ ብእዋኑ ይፍወስ። ኣነ ናይዚ ምስክር’የ" ይብላ።
“ድሕሪኡ ድማ ንነገራት ከም ኣመጻጽኣኦም ምቕባል። መንሽሮ ክፍወስ ይኽእል’ዩ። ኣነ ድሒነ፡ ኣዕሩኽተይ ድሒነን። ምዝርራብ፡ ነንሕድሕድካ ምምኽኻር፡ መንሽሮ ዝብል ቃል ካብ ኣፍ እንተወጺኡ፡ እቲ ሕማም ይፎክስ'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







