መንእሰያት ብመንሽሮ ዝጥቅዕሉ ዕድል ይውስኽ ኣሎ፤ ስለ ምንታይ?

መንሽሮ ጡብ ሓደ ካብቶም ኣብ መንእሰያት ዝረኣዩ ዘለዉ ዓይነታት መንሽሮ እዩ

ምንጪ ስእሊ, SPL

መግለጺ ስእሊ, መንሽሮ ጡብ ሓደ ካብቶም ኣብ መንእሰያት ዝረኣዩ ዘለዉ ዓይነታት መንሽሮ እዩ

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 20፡ 30ን 40 ዝርከቡ መንእሰያት፡ ብመንሽሮ ጡብ፡ መዓንጣን ካልኦት ዓይነታት መንሽሮን ይጥቅዑ'ዮም ዘለዉ፤ ስለ ምንታይ?

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ኖርወይን ኣርጀንቲናን ሓዊሱ ኣብ 24 ሃገራት ቍጽሪ ብመንሽሮ መዓንጣ ዝተሓዙ ሰባት ሓፍ ኢሉ።

ዩኣይሲሲ ዝተባህለ፡ ዓለምለኸ ተቘጻጻሪ መንሽሮ ጕጅለ ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ዝገበሮ ጸብጻብ፡ ዘሰንብድ ዝበሃል ውጽኢት እዩ ዘርኢ።

ሰብ ሞያ ማሕበረሰብ መንሽሮ ኣመሪካ [ኤሲኤስ] ከምኡ'ውን ተመራመርቲ ትካል ጥዕና ዓለም ካብ 50 ሃገራት መረዳእታ ኣኪቦም።

ብፍላይ ኣብ 14 ሃገራት ድማ መንእሰያት ብመንሽሮ ጡብ ይጥቅዑ ከም ዘለዉ የመልክት።

ብተወሳኺ ካልኦት ጸብጻባት፡ መንእሰያት ብፍላይ ብመንሽሮ ጡብ ዝጥቅዕሉ ዕድላት ሓፍ ከም ዘበለ ኣርእዮም።

ማሕበረሰብ መንሽሮ ኣመሪካ ወግዓዊ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ብዝሒ ብምኽንያት መንሽሮ ጡብ ዝሞታ ደቀንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዓሰርተ ሚእታዊት ነክዩ ይብል።

እንተዀነ፡ በቲ ሕማም ናይ ምትሓዝ ዕድለን ዓመታዊ ብሓደ ሚእታዊት ይውስኽ ኣሎ።

እዚ ዓይነት መንሽሮ፡ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ክሰፍሕ ከም ዝጀመረ መጽናዕቲታት የመልክቱ።

ካብ 1990 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ መንእሰያት ብመንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ብ79 ሚእታዊት ወሲዅ።

ቍጽሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ድማ ብ29 ሚእታዊት ወሲኹ።

ላንሰት ፐብሊክ ሄልዝ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ድማ ኣብ ኣመሪካ ቍጽሪ ብመንሽሮ ዝጥቅዑ መንእሰያት ኣዝዩ ይውስኽ ኣሎ ይብል።

ነዚ ስዒቡ ድማ ከም ዩኣይሲሲ ዝበሉ ትካላት ኣብ ዓለም መንእሰያት ብዛዕባ መንሽሮ ዘለዎም ግንዛበ ሓፍ ንኽብል ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ።

"ዕድመኦም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዀኑ ሰባት፡ ካብ መንእሰያት ንላዕሊ ማዕዳ ሓኪም ይሰምዑ፡" ትብል ሰራሕተኛ ዩኣይሲሲ ሶናሊ ጆንሰን።

"ምናልባት፡ ዘየሸግር ወይ ጭንቀት ዘንቀሎ'ዩ ኢሎም ክሓስቡ ይኽእሉ። ስለ ዝዀነ ድማ ምልክት ክርእዩ እንከለዉ፡ ኣብ ክንዲ ዝሕከሙ ዕሽሽ ይብሉዎ።"

ሰብ ሞያ መንሽሮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕድመኦም ልዕሊ 70 ዓመት ንዝዀኑ ሰባት ዘጥቅዕ መንሽሮ ላልሽ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ይርአ ኣሎ ኢሎም።

"ዕድመኦም ትሕቲ 40 ዓመት ዝዀኑ ሰባት ብመንሽሮ ላልሽ ተጠቒዖም ምርኣይ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን፡" ትብል ኣብ ዮርክ ኣብ ዝርከብ ማእከል መንሽሮ ሚሞሪያል ስሎን ኬተሪን እተገልግል ክኢላ አይሊን ኦራይሊ።

"ሰሙናዊ'ዮም ዝመጽኡ፤ መብዛሕትኦም መንእሰያት'ዮም። ገና ቤሰተብ ዘይመስረቱን መቐረት ህይወት ዘየስተማቐሩን'ዮም። እዚ ክኣ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡" ኢላ።

ዓይነታት መንሽሮ ብዓሌት ዝመሓላለፉ'ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ሓረግ ስድራኦም ብመንሽሮ ዝተጠቕዐ ሰብ ዘይብሎም መንእሰያት ግን ይጥቅዑ ኣለዉ።

ኣይሊን፡ ኣብዞም መንእሰያት ዝርኣይ ሕበጥ መንሽሮ ኣብ 70ታት ዕድመ ካብ ዘለዉ ሰባት ብዝተፈለየ ከቢድን ሓደገኛን'ዩ ትብል።

"እዚ ንዓናን ንዕኦምን ዘገርም'ዩ። ሓደ ወዲ 40 መንእሰይ ከመይ ኢሉ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ከጥቅዖ ይኽእል?"።

ተመራመርቲ መንሽሮ፡ ምኽንያት እዚ ጸገም ንምፍላጥ ላዕልን ታሕትን'ዮም ዝብሉ ዘለዉ።

ተመራመርቲ ላንሴት፡ እዚ ኵነታት በቲ ዘለዎ እንተቐጺሉ ኣብ ዙርያ መንሽሮ ዝተሰርሑ ስርሓት ንድሕሪት ዝመልስን ኣብ መጻኢ ልዑል ነዉጺ ክፈጥር ዝኽእልን'ዩ ይብሉ።

ተመራመርቲ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ተፈጥሮኣዊ ንዘይኰነ ብርሃን ምቅላዕ ምስ ተቓላዕነት መንሽሮ ምትእስሳር ዘለዎ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተመራመርቲ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ተፈጥሮኣዊ ንዘይኰነ ብርሃን ምቅላዕ ምስ ተቓላዕነት መንሽሮ ምትእስሳር ዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ

መንቀሊ እዞም ጸገማት እንታይ'ዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ልዕሊ ዓቐን ርጕዲ ሰብነትን ስርዓት ኣመጋግባን ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዘሰክፍ ወሰኽ ጸገማት ጥዕና ተገይሮም ይለዓሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 18 ክሳብ 40 ዓመት ዕድመ ኣብ ዝርከቡ ሰባት፡ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ሰብነት እንተሃልዩ ን18 ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንሽሮ ከቃልዕ ይኽእል።

ኣብ መጽሔት ላንሰት ዝተሓትመ መጽናዕቲ'ውን፡ እቶም 10 ዓይነታት መንሽሮ -ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ - ምስ ልዕሊ ዓቐን ርጕዲ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ይሕብር።

መንሽሮ ጸላም ከብዲ፡ ኵሊትን ላልሽን ይጥቀሱ።

ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ሹጂ ኦጊኖ፡ እዚ ኩነታት "ኣገባብ ህይወትና ክቕየር ከም ዘለዎ ዝሕብር'ዩ፡" ትብል።

"ገለ ሰባት ብጀነቲካዊ ኣመጻጽእኦም፡ ብመንሽሮ ዝትሓዝሉ ዕድል ኣዝዩ ትሑት'ኳ እንተዀነ፡ ምስ ካልኦት ምኽንያታት ተደሚሩ ግን ንሓደጋ መንሽሮ ክንቃላዕ ንኽእል ኢና። ብዙሕ ሽኮርን ዕሹጋት መግብታትን ምውሳድ መጠን ግሉኮስ ከም ዝውስኽ ንፈልጥ ኢና። እዚ ብግዲኡ ሓደጋ ሕማም ሽኮርን መንሽሮን ይውስኽ።"

ክብደት ሰብነት ምውሳኽ ጥራይ ግን ጠንቂ ዝርግሐ መንሽሮ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ኣይሊን ከም ዝበለቶ፡ መብዛሕትኦም ሕሙማት መንሽሮ ላልሽ ጥዑያትን ብቑዓትን እዮም።

ሽጋራ ምትካኽ መንሽሮ ከም ዘስዕብ ኣብ ዝሓለፈ ብሰፊሑ ይግለጽ እኳ እንተነበረ፡ ቍጽሪ ኣትከኽቲ ትምባኾ ግን ኣዝዩ ነክዩ'ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2000 ካብ ሰለስተ ሰባት እቲ ሓደ ተጠቃሚ ትምባኾ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ካብ ሓሙሽተ እቲ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ዝጥቀም።

ፕሮፌሰር ኦጂኖ፡ ምዝባዕ ድቃስ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ትኣምን።

ካብ 1905 ክሳብ 2008፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዓበይትን ህጻናትን መጠን ድቃስ ብ60 ደቓይቕ ነክዩ።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን ናይ ፈረቓ ስራሕ ዝያዳ ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ 2021 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኢንግሊሽ ሎንግቲውዲናል ኣብ መንጐ ሕጽረት ድቃስን መንሽሮን ምትእስሳር ከም ዘሎ ይሕብር።

ገለ ተመራመርቲ፡ ካብ ከም ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዝመጽእ ተፈጥሮኣዊ ዘይኰነ ብርሃን ተቓላዕነት መንሽሮ ጡብ፡ መዓንጣን ማህጸንን ከም ዝተኣሳሰር ሓቢራ።

እዚ ተፈጥሮኣዊ ዘይኰነ ብርሃን ንደረጃ ሆርሞን ሜላቶኒን ስለዘጕድሎ እዩ።

"ካብ ቍልዕነት ጀሚርና ተፈጥሮኣዊ ንዘይኰነ ብርሃን ንቃላዕ ኢና፡" ትብል ኦጂና።

ብፍላይ ኣብ ጃፓን 24 ሰዓታት ምስራሕ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።

ብመሰረት እታ ፕሮፌሰር፡ ኣርቲፊሻል ብርሃን ጥራይ ምኽንያት መንሽሮ እኳ እንተዘይኰነ፡ ምስ ካልኦት ረቛሒታት ምስ ዝወሃሃድ ግን ንሓደጋ መንሽሮ ክውስኽ ይኽእል እዩ።

ተመራመርቲ ብተወሳኺ፡ ንማይክሮፕላስቲክ ምቅላዕ፡ ኣጠቓቕማ ጸረ-ነፍሳት፡ ርጕዲ፡ ከምኡ'ውን ድቃስ ምስኣን ኣብ መንእሰያት ንዘጋጥም ሕማም መንሽሮ ንኽውስኽ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ምኽንያታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ።