መንሽሮ፡ ብዛዕባ ንሰብኡት ዘጥቅዕ ፕሮስቴት እንታይ ንፈልጥ?

ብዛዕባ ንሰብኡት ዘጥቅዕ መንሽሮ ፕሮስቴት እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንሽሮ ፕሮስቴት ዝተፈላለየ ባሕሪ ዘለዎ ዓይነት መንሽሮ ኮይኑ ኣብ ገለ ሰባት ሓንሳብ ምስ ሓዞም ቀልጢፉ ናብ ካልእ ክፋል ኣካላቶም ክላባዕ እንከሎ ኣብ ገለ ከኣ ኣዝዩ ቀስ ኢሉ’ዩ ዝምዕብልን ብዘይ መድሃኒት ይሓውዩን።

መንሽሮ ፕሮስቴት እንታይ’ዩ?

ፕሮስቴት ጽኪ መሳሊ ክንዲ ፍራ ጋባ ዝኸውን ሕበጥ ኰይኑ ኣብ ጎሎ ትሕቲ ፍሕሻ ዝክሰት ዓይነት መንሽሮ’ዩ።

እዚ ሕበጥ እዚ ምስ ዝኽሰት ከኣ ነቲ መትረብ ሽንቲ ብምክባብ ነቲ ካብ ፍሕኛ ብመትሎ ዝወጽእ ሽንቲ ማይ ዓትዒቱ ይሕዞ። ከም ዓጽረት ሽንቲ ከኣ የምጽኣልና።

መንሽሮ ፕሮስቴት ዘይንቡር ወይ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ምዕባይ ወሃዮ ኰይኑ ቀስ እናበለ ዝኽሰት’ዩ።

ኣብ መጀመርታ ዝዀነ ምልክትን ቃንዛን ከይተሰማዕና ንነዊሕ ዓመታት ክንጸንሕ ንኽእል ኢና። ኣብ ገለ-ገለ ሰባት’ውን ፈጺሙ ከይተፈለጦም እርጋን ከርክቦም ይኽእል።

ኣብ ገለ ሰባት ከኣ እቲ ሕማም ከቢድን ክሳብ ናብ ሞት ዘብጽሕን ክኸውን ይኽእል።

ሓደ ሰብ መንሽሮ ፕሮስቴት ምስ ኣማዕበለ ቀልጢፉ ክፍልጥ እንተኽኢሉ ዕውት ዝዀነ ኣገባብ ሕክምና ኣለዎ።

መንሽሮ ፕሮስቴት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንሽሮ ፕሮስቴት ክሳብ ክንደይ ግኑን ሕማም’ዩ?

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘተኻየደ መጽናዕቲ ሓደ ካብ ሽሞንተ ደቂ ተባዕትዮ መንሽሮ ፕሮስቴት ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ከምዘለዎም የመልክት።

ዕድመኦም ካብ 75 ንላዕሊ ኣብ ዝዀነ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ እቲ ሕማም ኣዝዩ ግኑን ኰይኑ ዕድመኦም ኣብ 50ታት ኣብ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ሳሕቲ ይርአ።

መንሽሮ ፕሮስቴት ዘለዎ ኣቦ እቶም ኣወዳት ዝዀኑ ደቍ ብመንሽሮ ፕሮስቴት ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ዝሰፍሐ’ዩ።

እዚ ሕማም እዚ ኣብ ጸለምቲ ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ዝገነነ ምዃኑ ከኣ እቲ ካልእ ባህሪ እዚ ሕማም’ዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ ዓመታዊ ኣስታት 52 ሽሕን 300 ደቂ ተባዕትዮ ብመንሽሮ ፕሮስቴት ከምዝጥቕዑ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።

ቀንዲ ምልክታት መንሽሮ ፕሮስቴት እንታይ’ዩ?

ገለ ካብቶም ቀንዲ ምልክታት መንሽሮ ፕሮስቴት እዞም ዝስዕቡ’ዮም

  • ቀቀልጢፍካ ምሻን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ለይቲ
  • ሽንቲ ክትሸይን እንከለኻ ቃንዛ ይስምዓካ
  • ዋሕዚ ሽንቲ ቀስ ዝበለ ኰይኑ ሸይንካ ንኽትውድእ ነዊሕ ይወስድ
  • ደም ዝተሓወሶ ሽንቲ ምሻን

እዚ ከምዚ ዓይነት ምልክታት - ምልክት ካልእ ሕማም’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ - እንተዀነ እዚ ምስ ዝርኣየና ቀልጢፍና ናብ ሕክምና ኬድና ክንምርመር ተመራጺ’ዩ።

ቀጥታዊ ኣገባብ መርመራ መንሽሮ ፕሮስቴት ኣሎ ድዩ?

እቲ መልሲ ብሕጽር ዝበለ 'የለን' ዝብል’ዩ።

እንተዀነ ክኢላታት ሕክምና ኣብ ብዙሕ ረቋሒታት ተመርኵሶም ነቲ ሕማም ከለልይዎ ይኽእሉ’ዮም።

ሓደ ሰብ መንሽሮ ፕሮስቴት ኣለዎ ድዩ ይብሉን ንምፍላጥ ፒኤስኤ [prostate-specific antigen]፡መርመራ ደም፡ ስካን፡ ወሃዮ ወሲድካ ዝግበር ባዮፕሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ መርመራ ይጥቀሙ።

መርመራ ፒኤስኤ መብዛሕትኡ ግዜ በይኑ ዝግበር መርመራ ኣይኰነን፤ ምክንያቱ እቲ ንሱ ዝህቦ ወጽኢት ንበይኑ ሓደ ሰብ መንሽሮ ፕሮስቴት ኣለዎ ድዩ የብሉን ዘተኣማምን ውጽኢት ክህብ ኣይክእልን’ዩ።

ተመራመርቲ ኣብ ክንዲ ሰብ ምስ ሓመመ፡ ብኣልማማ ቅድመ መርመራ መንሽሮ ፕሮስቴት ክግበር ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ’ዮም ዘቕርቡ።

ኣገባብ ኣፈዋውሳ መንሽሮ ፕሮስቴት እንታይ’ዩ?

ሓደ ሰብ መንሽሮ ፕሮስቴት ከምዘለዎ ምስ ፈለጠ ምስ ዶክተሩ ተማኺሩ ዝሓሸ ኣገባብ ፍወሳ ክሓሪ ይኽእል’ዩ።

እቲ መንሽሮ ኣብ መጀመርታ ደረጅኡ እንተሃልዩን ዝኾነ ምልክታት ዘየርኣየ እንተዀይኑን፡ ቀጻሊ ሕክምናዊ ምክትታል እናገበረ ክከታተሎ ይኽእል’ዩ።

ገለ መንሽሮ ፕሮስቴት ብመጥባሕትን ብጨረርን ክፍወስ ወይ ክእለ ይኽእል’ዩ።

እቲ ካልእ እቲ መንሽሮ ቀልጢፉ ንኸይዓቢ ዝግበር ፍወሳ እውን ኣሎ።

እቲ መንሽሮ ገና እንተሃልዩ ኸኣ ብዘይመጥባሕቲ ብክቱር ዛሕሊ [ክርዮትራፒ] ወይ ብኣልትራሳውንድ ከምዝዓኑ ክግበር ይክኣል’ዩ።