ዊል ስሚዝ፡ ካብ ስነስርዓት ኦስካር ክወጽእ ተነጊርዎ ነይሩ

ክሪስ ሮክን ዊል ስሚዝን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዊል ስሚዝ፡ ንክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ምስ ሃረሞ ካብቲ ኦስካር ክወጽእ ተጊግርዎ ግን ከም ዝኣበየ እቲ ኣካዳሚ ገሊጹ።

እቲ ብድሕሪ ኦስካር ዘሎ ኣካል፡ ኣብ ልዕሊ ዊል ስሚዝ ስነ-ምግባር ጉድለት መርመራ ጀሚሩ ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ።

ኦስካር ኣካደሚ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ዊል ስሚዝ ካብቲ ስነስርዓት ኦስካር ክወጽእ ተነጊርዎ ነሩ። እንተኾነ፡ ኣብዩ። ርግጽ ንሕና'ውን እንተኾነ፡ እቲ ጉዳይ ብኻልእ መልክዑ ክንኣልዮ ነይሩና"ይብል።

ስሚዝ ይቕሬታ ቅድሚ ምሕታቱ እቲ ትካል ኦስካር "ተግባር ስሚዝ ይኹንኖ" ክብል መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

"ኣብ ዙርያ እቲ ዘጋጠመ ክስተት መርመራ ጀሚርና ኣለና። እዚ መካየዲ ደንብና፣ መትከላት ስነ ምግባርናን ሕጊ ካሊፎርኒያን መሰረት ገይርና ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ክንምርምሮ ኢና" ኢሉ።

እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ፡ ኣብ ዝመጽእ 18 ሚያዝያ ኣኼባ እቲ ቦርድ ከፍልጥ እዩ።

እቲ ውሳነ፡ "ምእጋድ፣ ምብራር ወይ ድማ ካልእ ዓይነት ማዕቀብ ምንባር ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ንሮክ፣ ንሕጹያት ሽልማት፣ ኣጋይሽን ዕዱማትን ድማ ይቕሬታ ሓቲቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሮክ ድሕሪ እቲ ተጓንፎ ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ኣእምርኡ ይመላለሶ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ኣብ ቦስተን ኣብ ዝነበሮ ምድላው፡ ብዛዕባ እቲ ተጓንፎ ብዙሕ ክዛረብ ከምዘይደሊ ብምግላጽ፡ "ቀዳመ ሰንበትኩም ከመይ ነበረ" ብዝብል ሓውሲ ዋዛ ጀሚርዎ።

"ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ዛጋጠመ ይሓስብ ኣለኹ። ስለዚ ብዛዕባኡ ሓደ ግዜ ብሰፊሑ ምዝራበይ ኣይተርፍን" ኢሉ።

"ትርር ዝበለ ክኸውን እዩ። መዛነዪ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሕዚ ግን ናብ ካልኦት ዋዛታት ክኣቱ" ኢሉ።

ክሪስ ሮክ ኣብ ቦስተን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮሜዲያን ክሪስ ሮክ ብዛዕባ በዓልቲ ቤት ስሚዝ ጃዳ ፒንኬት ምስ ተዋዘየ ናብ መድረኽ ወጺኡ ንክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ከም ዝሃረሞ ይዝከር።

ሮክ፡ ብዝተላጸየ ርእሲ ጃዳ እዩ ክዋዘ ፈቲኑ ነይሩ፤ ንሳ ኣልፒሲያ ዝተባህለ ጸጉሪ ርእሲ ዘርግፍ ሕማም ከም ዘለዋ ቅድሚ ዓመታት ተዛሪባ እያ።

ሮክ፡ እቲ ብ1997 ዝተሰርሐ ፊልም 'GI Jane' ብምልዓል ክዋዛ ከም ዝፈተነ ይፍለጥ።

ኣብቲ ፊልም ዝሰርሐት ዴሚ ሙር ጸጉራ ላጽያ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ሰሪሓ።

ጃዳ ፒንኬት ግን፡ ሮክ ክዋዘ እንከሎ ብሕርቃን ኣዒንታ ንየማነ ጸጋም ከተዝሮም እንከላ፡ መጀመርታ ይስሕቕን የጣቕዕን ዝነበረ ስሚዝ ሃንደበት ናብቲ መድረኽ ደይቡ።

እቲ ኮሜዲያን በቲ ዝተፈጥረ ነገራት ዝተሰናበደ እንተመሰለ'ውን "እዚ ኣብ ታሪኽ ቴሌቪዥን ዓብዪ ምሸት'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ዊል ስሚዝ፡ ኣቦ ጀጋኑ ቴኒስ ዝኾና ቬኑስን ሴሬና ዊልያምስን ኮይኑ ብዛተዋስኣሉ ፊልም ኪንግ ሪቻርድ ናይ መጀመርታ ሽልማት ኦስካር ወሲዱ'ሎ።

ስሚዝ፡ ብኢንስተግራም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ "ብዝኾነ መልክዕ ዝፍጸም ጎንጺ ኣዕናውን መርዛምን'ዩ" ኢሉ።

ስሚዝ ብቐጥታ ንሮክ ብምጥቃስ "ካብ መስመር" ወጺአ ነይረ እየ ብምባል ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።

ነቲ ኣካዳምን ንመላእ ስድራ ዊልያምስን'ውን ይቕሬታ ሓቲቱ።

"ብሰንኪ ባህርያተይ ንኹላትና ዘሐጉሰና ዝነበረ ምሸት ስለ ዘበላሸኹዎ ኣዝየ ይሓዝን" ኢሉ።