ብዛዕባ ሓወልቲ ኦስካር ዘይንፈልጦም ሽዱሽተ ነገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ሕጹያት ሕጂ፡ ነታ ቀንዲ መዓልቲ ኣብ መዝገብ መዘክሮም ኣስፊሮምዋ ኣለዉ።
12 መጋቢት፡ ከዋኽብቲ ተዋሳእቲ ንመበል 95 ሽልማት ኣካዳሚ ኣብ ሆሊዉድ ክእከቡ እዮም፤ ብዛዕባ እቶም ፍሉጣት ወርቃውያን ሓወልትታት ግን ክንደይ ዝኣክል ትፈልጡ?
እቲ ሽልማት ብኸመይ ብኸመይ ከምዘተሰየመ ዝፈልጥ የለን።
ብወግዒ ሽልማት ‘ኣካዳሚ ኣዋርድ ኦፍ ሜሪት’ ይበሃል’ምበር፡ ሓበሬታታት ከም ዘመልክትዎ፡ ሓላፊት ቤተ-መጻሕፍቲ ናይቲ ኣካዳሚ ዝነበረት ማርጋሬት ሄሪክ፡ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ 'ኣኮይ ኦስካር' ይመስል ዝበለቶ ሓወልቲ- እቲ ስም ብኡንብኡ ለጊብዎ።
እቲ ኣካዳሚ ድማ ኣብ 1939 ተቐቢልዎ።
እቶም ሓወልትታት ብሓቂ ካብ ደረቕ ወርቂ ዝተሰርሑ ኣይኰኑን።
ገለ ሰብ ከምኡ ይሓስብ ይኸውን፤ እቲ ሓቂ ግን፡ ካብ ነሓስ ዝተሰርሑ ኰይኖም ኣብ ርእሲኡ፡ ብ24 ካራት ወርቂ ዝተለበጡ እዮም። 50 ንምስራሕ ጥራይ ሰለስተ ወርሒ ይወስድ።

ኦስካር ብቴክኒካዊ መዳይ 10 ዶላር (£8.08) ጥራይ እዩ ዋጋኡ።
ኣብ 2015፡ እቲ ኣካዳሚ፡ ብ79,200 ዶላር (64,011 ፓውንድ) ዋጋ ክትሽየጥ ዝተፈተነት ሓወልቲ ኦስካር፡ እቲ መሸጣ ደው ክብል ገይርዎ።
እዚ፡ ኣብ 1951 ዝወጽአ ሕጊ፡ ተዓወትቲ ኦስካርን ወረስቲን ንኽሸጡ መጀመርታ ብ10 ዶላር ሒሳብ ናብቲ ትካል ክመልስዎ ስለዘገድድ።
ሓደ ዳኛ ሎስ ኣንጀለስ ነቲ ውሳነ ደጊፉዎ።
ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሕጽረት ሓጺን ስለዝነበረ፡ እተን ሓወልትታት ንሰለስተ ዓመት ካብ ዝተቐብአ ፕላስተር ዝተሰርሓ ነይረን።
ቅድሚ ሽልማት ኣካዳሚ ኣብ 2000፡ 55 ሓወልትታት ናብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ እዋን ተሰሪቘም።
ሓድሽ መተካእታ ቀልጢፉ ስለዝወጸ ግን ተዓወትቲ ኣይተጸልዉን።
52 ድሕሪ ትሽዓተ መዓልታት ተረኺቦም።
ነፍሲ ወከፍ ሓወልቲ ኦስካር ትሕቲ 35 ሴንት ሜትር ቁመት ዘለዎን ዳርጋ 4 ኪሎ ዝምዘንን ኰይኑ፡ ኣብ ፊልም ሪል ደው ናይ ዝበለ ፈረሰኛ መልክዕ እዩ ዘለዎ።
ከምኡ ድማ፡ ነቶም መበቈላውያን ጨናፍር ናይቲ ሽልማት ዝህብ ኣካዳሚ ዝውክሉ ሓሙሽተ ኣካላት ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ፡ ተዋሳእቲ፡ ዳይረክተራት፡ ኣፍረይቲ፡ ቴክኒሻናትን ጸሓፍትን ምዃኖም ይፍለጥ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







