ኣብ 1996 ዝተፈጸመ ምስጢር ቅትለት ቱፓክ ንምፍታሕ ፖሊስ ተፍትሽ የካይድ

ቱፓክ ሻኩር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ነቫዳ ምስ ዘይተፈትሐ ምስጢራዊ ቅትለት ራፐር ቱፓክ ሻኩር ብዝተሓሓዝ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሓደ ገዛ ፍተሻ ከምዘካየዱ ገሊጾም፡፡

መርመርቲ ኣብ ጫፍ ላስ ቬጋስ፡ ቱፓክ ኣብ መስከረም 1996 ብጥይት ዝተቐተለሉ ሀንደርሰን ኣብ ዝበሃል መንደር ዝርከብ ገዛ እዮም ፈቲሾም፡፡

ኣብ ቅትለት እቲ ራፐር ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ፖሊስ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን፡፡

ቱፓክ ኣብ ዝተቐተለሉ ወዲ 25 ዓመት እዩ ነይሩ፡፡

ምስቲ ቅትለት ተኣሳሲሩ ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወን ብተጠርጣርነት ዝተትሓዘን ሰብ የለን፡፡

ፖሊስ ፍተሻ ዘካየዱሉ ገዛ፡ ካብቲ እቲ ራፐር ካብ መኪና ብዝተተኮሰ ጥይት ዝተቐተለሉ ከባቢ ላስ ቬጋስ ከባቢ 30 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ እዩ፡፡

ፖሊስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ብ 17 ሓምለ 2023፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ቱፓክ ሻኩር ዝተፈጸመ ቅትለት ምጽራይ፡ ኣብ ሀንደርሰን ነቫዳ ፍተሻ ከምዝተኻየደ የረጋግጽ’’ ኢሉ፡፡

‘‘ኣብዚ እዋን እንህቦ ተወሳኺ መብርሂ የለን፡፡’’

ፖሊስ ላስ ቬጋስ ጄሰን ጆሃንሰን፡ ፖሊስ ጉዳይ ጨካነ ዝተመልኦ ቅትለት ቱፓክ ደጊሞም ይምርምርዎ ከምዘለዉ ን ጋዜጣ ላስ ቬጋስ ረቪው ተዛሪቡ፡፡

‘‘ከይተፈተሐ ምስጢራዊ ኮይኑ ዝተረፈ ጉዳይ እዩ፤ ሓደ መዓልቲ ክንቅይሮ ተስፋ እገብር፡፡’’

2ፓክ ብዝብል ናይ መድረኽ ሽም ዝፍለጥ ሻኩር፡ ቀዳመይቲ ናይ ሙዚቃ ኣልበሙ ኣብ 1991 ዘሐተመ ኰይኑ፡ ከም ካፎርንያ ላቭ፡ ኦል ኣይዝ ኦን ሚ፡ ቸንጅስን ካልኦትን ስርሓቱ ብዙሓት ደረጃታት ሙዚቃ ተቖጻጺሮም ነይሮም፡፡

መኪናኡ ኣብ ቀይሕ መብራህቲ ትራፊክ ደው ኣብ ዘበለትሉ ብዝተተኮሶ ኣርባዕተ ጠያይት ተወቒዑ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ 13 መስከረም 1996 ሞይቱ፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 75 ሚልዮን ኣልበማት ዝሸጠ ሻኩር፡ ኣብ ዕብየት ሙዚቃ ዓብይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰብሞያ ዝምዝገቡሉ ሙዝየም ‘ዘ ሮክ ኤንድ ሮል ሆል ኦቭ ፌም’ ተመዝጊቡ፡፡