ብቕትለት ቱፓክ ሻኩር ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ድሕሪ 27 ዓመት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሊስ ኣሜሪካ ንሓደ መራሒ ዕስለ ነበር ኣብ 1996 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብዝተፈጸመ ቕትለት ራፐር ቱፓክ ሻኩር ከሲሱ።
እዚ ድማ ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጉዳይ ዓብዪ ክስተት ኰይኑ ቀልቢ ህዝቢ ስሒቡ ኣሎ።
ኣብ ኒውዮርክ ዝተወልደ ህቡብ ስነ ጥበባዊ ሂፕ-ሆፕ ኣብ ላስ ቬጋስ ኣብ መኪና እንከሎ ኣርባዕተ ግዜ ብዝተተኰሰሉ ጥይት ኣብ መበል 25 ዓመቱ ከም ዝሞተ ይዝከር።
ትማሊ ዓርቢ ዳኛ ኔቫዳ ንወዲ 60 ዓመት ዱዋን "ኬፈ ዲ" ዳቪስ ብገበን ቅትለት ከሲስዎ።
እቲ ውልቀሰብ ወዲ ሓዉ ኣብ ካዚኖ ምስ ሻኩር ኣብ ባእሲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ነቲ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ፖሊስ ይሕብር።
ዳቪስ ትማሊ ዓርቢ ኣጋ ምሸት ኣብ ጥቓ ገዝኡ ኣብ ላስ ቬጋስ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣብ ውሽጢ መዓልታት ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።
ፖሊስ ላስ ቬጋስ (LVMPD) ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝወሰዶ ስእሊ እቲ ተኸሳሲ ኣካፊሉ ኣሎ።
ቕትለት ሻኩር ኣብ ምጽራይ ዓመታት ዘሕለፈ ጡረተኛ መርማሪ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ግረግ ካዲንግ፡ ማእሰርቲ ዳቪስ ከም ዘይገረሞ ንኣሶስየትድ ፕረስ ገሊጹ።
“ኩሎም እቶም ካልኦት ቀጥታዊ ውዲተኛታት ወይ ተሳተፍቲ ሞይቶም እዮም። (ዳሲቭ) እቲ ናይ መወዳእታ ኣብዚ ጉዳይ ደው ዝበለ ሰብ’ዩ” ኢሉ።
ዓቃቢ ሕጊ ማርክ ዲያጂያኮሞ፡ ዳቪስ - መራሒ ናይቲ ኣብ ጎደናታት ከተማ ካምፕቶን ዝነበረ “ሳውዝ ሳይድ ኮምፕተን ክሪፕስ” ዝበሃል ጕጅለ ነበር - እቲ "ኣብ መሬት፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ኣዛዚ" ብምባል ሻኩር "ክመውት ኣዚዙ" ክብል ኣብ ቤት ፍርዲ ተዛሪቡ።
ድሒሩ ኣዛዚ ፖሊስ ጄሰን ጆሃንሰን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኣብዚ ጉዳይ ክካየድ ዝጸንሐ መርመራ “ኣብ መወዳእታ ፍረ ከም ዝረኸበ” ገሊጹ።
ንሱ፡ እቲ ራፐር ብ7 መስከረም 1996 ብጥይት ቅድሚ ምቕታሉ፡ ነፍስሄር ወዲ ሓው ናይቲ ጥርጡር ዝዀነ ኦርላንዶ ኣንደርሰንን ሻኩርን ኣብ ካዚኖ ኣብ ባእሲ ከም ዝተሳተፉን ሓቢሩ። ኣንደርሰን፡ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ከም ዝሞተ’ውን ገሊጹ።
ጆሃንሰን፡ ኣንደርሰን ክቕጥቀጥ እንከሎ ዘርኢ ምስሊ ቅዳሕ ካሜራ ሆቴል ንጋዜጠኛታት ኣርእዩ።
ኣብ መወዳእታ ሻኩር ኣብ ጽርጊያ ኣብ ቀይሕ መብራህቲ እናተጸበየ እንከሎ ሕነ ንምፍዳይ ብጥይት ከም ዝተሃርመ ገሊጹ።
እቲ ፖሊስ ወሲኹ እዚ ምስታ ጕጅለ ዝተኣሳሰር ገበን ምዃኑ ቀልጢፉ ከም ዝተረጋገጸን፡ እቲ ጉዳይ ድማ ብተደጋጋሚ ከም ዝተገምገመን ገሊጹ።
ኣብ 2018 ሓድሽ ሓበሬታ ዝወጽእ ምስ ወጽአ ግን እቲ ጉዳይ ዳግማይ ትኹረት ክረክብ ክኢሉ።
ዳቪስ ኣብታ ተኹሲ ጥይት ዝተተኰሰላ መኪና ከም ዝነበረ ንማዕከናት ዜና ዝተዛረቦ ናይ ርእሱ ቃላት ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሊስ ሸሪፍ ኬቪን ማክማሂል ብወገኑ፡ "ን27 ዓመታት ስድራቤት ቱፓክ ሻኩር ፍትሒ ክጽበዩ ጸኒሖም" ኢሉ።
"ቅትለት ቱፓክ ሻኩር ነዚ ክፍሊ ፖሊስ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም ዘይኣመኑ ብዙሓት ሰባት ነይሮም እዮም። ዕላማና ግን ወትሩ ነቶም ... ብዓመጽ ቅትለት ቱፓክ ተሓተትቲ ዝዀኑ ሰባት ተሓተትቲ ምግባር’ዩ" ክብል እቲ ሸሪፍ ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ‘2ፓክ’ ብዝብል ብናይ መድረኽ ሽሙ ዝፍለጥ ሻኩር፡ ናይ መጀመርታ ኣልበሙ ኣብ 1991 ኣውጺኡ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ሂፕ-ሆፕ ኣዝዮም ናእዳ ዝረኸቡ ስነ ጥበባውያን ኰይኑ፡ ሞቱ ንሓያሎ ሰነዳዊ ፊልምታት ኣነቓቒሑ’ዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 75 ሚልዮን ቅዳሓት ሸይጡ፤ ከም ካሊፎርንያ ላቭ፡ ኦል ኣይዝ ኦን ሚን ቸንጅስን ዝበሉ ስረሓቱ ድማ ዓብዪ ዓወታት ዝረኸባ እየን።
ብተወሳኺ ኣብ ከም በዓል ጁስ፣ ፖኤቲክ ጀስቲስ፣ ኣቦቭ ዘ ሪም፣ ግሪድሎክድን ጋንግ ሪለድድን ዝኣመሰላ ፊልምታት ብምውሳእ ህቡብነት ረኺቡ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት፡ ቱፓክ ድሕሪ ሞቱ ኣብ ሆሊዉድ ‘ዎክ ኦፍ ፌም’ ኰኾብ ተባሂሉ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







