ኣብ ታንዛንያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, IOM
ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ ሕቡራት ሪፓብሊክ ታንዛንያ ዞባ ንጆምቤ፡ ህይወት ስደተኛታት ዝበልዐ ዘሕዝን ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ዝሕብር ዜና ከም ዝበጽሖ ብምሕባር ሓዘኑ ገሊጹ።
እቲ ፍጻመ ብ14 መስከረም 2023 ከም ዘጋጠመ ኣይኦኤም ኣመልኪቱ።
“29 ኢትዮጵያውያን ተባሂሎም ዝግመቱ ስደተኛታት ዝተሳፈሩላ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ምስ ዛምብያ ናብ እትዳወብ ቱንዱማ ኣብ እትጓዓዘሉ ዝነበረት እዋን ዘጋጠመ ሓደጋ ምዃኑ ይግመት” ኢሉ።
በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 7 ስደተኛታት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ 9 መጉዳእቲ ወሪዱዎም።
ብዛዕባ እቶም 13 ግን ዛጊት ጸብጻብ ከም ዘይተዋህቦ ኣብቲ ብ28 መስከረም ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
“ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ንዅሎም በዚ ዘሕዝን ሓደጋ ዝተሃስዩ ልባዊ ሓዘን ይገልጽ” ኢሉ።
ብተወሳኺ ሰራሕተኛታት ኣይኦኤምን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኢትዮጵያን ኣብ ታንዛንያ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ከም ዝርከቡ ገሊጹ።
“ብዛዕባ እቲ ኵነታት ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ንምእካብን ብዝተኻእለ መጠን ደገፍ ንምሃብን ብትግሃት ይሰርሑ ኣለዉ” ክብል’ውን ኣረዲኡ።
ስደተኛታት በቲ ደቡባዊ መስመር ብዝብል ዝፍለጥ መገዲ ኣቢሎም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ንዘጋጥሞም ዝተሓላለኸ ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ኵለመዳያዊ ስጕምትታት ብህጹጽ ከም ዘድሊ እቲ ትካል ስደተኛታት ኣመልኪቱ’ሎ።
ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሓለዋ ድሕነት፡ ጽቡቕ ሂወትን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብዚ ዞባ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ምስ መሻርኽቲ፣ መንግስታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ከም ዝሰርሕ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ ኣሎ።
ፖሊስ ኬንያ፡ ታንዛንያ፡ ማላዊን ዛምብያን ንብዙሓት ዘይሕጋዊ ተሰጋገርቲ ዝበልዎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ብተደጋጋሚ ይግለጽ’ዩ።
ብዙሓት ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምስጋር ተኸሲሶም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።
ካብዚ ወጻኢ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብሰንኪ ጥምየትን ጽምእን ብእንስሳ ዘገዳም ተበሊዖምን ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 2014 ጀሚሩ 12 ሽሕ ስደተኛታት ኣበይ ከም ዘለዉ ኣይፍለጥን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







