10 ሚእታዊት ግዳያት ውሕጅ ሊብያ ስደተኛታት እዮም- ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሊብያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ምማቶም ካብ ዝተረጋገጸ ሰባት፡ እቶም 10 ሚእታዊት ስደተኛታት ከምዝዀኑ ዓለምለኻዊ ትካል ንስደተኛታት (ኣይኦኤም) ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሊብያ ብዙሓት ስደተኛታት ዝርከቡላ ሃገር እያ።
ካብቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ትካል ዝወጸ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ለካቲት 2023 ኣብታ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ልዕሊ 706 ሽሕ ስደተኛታት ነይሮም።
ገለ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር እናሰርሑ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ኰይኖም ገሊኦም ግን ነታ ሃገር ከም ናብ ኣውሮጳ መሰጋገሪ እዮም ዝጥቀሙላ።
ዛጊድ 400 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ትካል ንስደተኛታት ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ብቐጻሊ ግዳያት ይርከቡ ብምህላዎም እቲ ቊጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ኣይኦኤምን ውድብ ጥዕና ዓለምን፡ ዝተረጋገጸ ቊጽሪ ግዳያት 3900 ከምዝዀነ እዮም ዝሕብሩ።
ሰብመዚ ሊብያ ዝህብዎ ገምጋም ግን ዝተፈላለየ እዩ። ንኣብነት ከንቲባ ናይታ በቲ ሓደጋ ዝተሃሰየት ከተማ ደርና ፡ ቊጽሪ ግዳያት ልዕሊ 20 ሽሕ ከምዝግመት ተዛሪቡ።
ደርና እታ ዝኸበደ ጉድኣት ዝወረዳ ከተማ እያ፤ ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ዝርከቡ ክልተ ግድባት ብምፍራሶም ብዙሕ ከባቢታት እታ ከተማ ብውሕጅ ተዋሒጡ።
ቅድሚ እቲ ሓደጋ ኣብታ ደሴት ከተማ ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታት ዝነበሩ ኰይኖም፡ ዳይረክተር ህጹጽ ሓገዝ ኣይኦኤም ፈደሪኮ ሶዳ፡ “እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ዝዓሞቐ ከባቢታት ይነብሩ ብምንባሮም ብዝሒ ዝሞቱ ስደተኛታት ክልዕል ይኽእል እዩ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







