ዕልቕልቕ ሊብያ፡ ቁጽሪ ምውታት 11 ሽሕ በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
በቲ ኣብ ሊብያ ጋጢሙ ዘሎ ዕልቕልቕ ኣስታት 11 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ቀይሕ ወርሒ ዝተባህለ ገባር ሰናይ ማሕበር ኣፍሊጡ።
ካልኦት 20 ሽሕ ሰባት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ'ውን ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ከንቲባ ናይታ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ኣዝያ ዝተሃስየት ከተማ ደርና ዓብደልመናም ኣልጋሓይቲ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ'ቲ ንገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዘዕለቕለቐ ህቦብላ ዳኒዴል ዝፈረሰ ክልተ ዲጋታት ንከተማ ደርና ብምዕልቕላቑ ሰፊሕ ዕንወት ኣውሪዱ ይርከብ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝወጹ ካብ ኣባይቶም ተፈናቒሎም ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ደገፍ ኮይኖም ኣለዉ።
ትካላት ምድሓን ህይወት፡ ሬሳታት ናይቶም ብውሕጅ ናብ ባሕሪ ተጸሪጐም ዝተወስዱ ግዳያት ንምውጻእ ኣብ ህጹጽ ስራሕ ተጸሚዶም ይርከቡ።
ኣፈኛ ቀይሕ ወርሒ ኣብ ደርና ሳልም ኣል-ናዓስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣስታት 2000 ሬሳታት ኣብ ባሕሪ ኣትዩ ኣሎ" ኢሉ። ሓያል ጸፍዒ ባሕሪ ነቲ ሬሳታት ናብ ገማግም ሻሓት፡ ማርጡባን ማርዛምን ይገፍዖ ምህላዉ'ውን ጠቒሱ።
"እዚ ብኣዒንትና ዝራኣናዮ እዩ፡ ኣብ ማእከል ቀይሕ ወርሒ እንከለና እቲ ንፋስ ሓያል'ዩ ነይሩ"።
ሬሳታት ካብ "ኣባይትን ዝዓነዉ ህንጻታትን" ይወጽእ ከምዘሎ'ውን ሳልም ተዛሪቡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ህጹጽ ጻዕሪ ንምድጋፍ፡ ካብ ናይ ህጹጽ እዋን ባጀቱ 2 ሚልዮን ዶላር ከም ዘወፍይ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "28 ሜትሪክ ቶን ዝኸውን ቀረብ” ከም ዝወሃብ'ውን ሓቢሩ'ሎ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነቶም ኣስታት 250 ሽሕ ተፈናቐልቲ ንምርዳእ ናይ 71.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንምእካብ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ።
ንኣስታት 1000 ሰባት ዝኸውን ቴንዳ፡ ግዝያዊ ዓራትን ኮቦርታን ዝርከቦ ህጹጽ ደገፍ ካብ ጀርመን ናብ ሊብያ ክለኣኽ ምድላዋትየይገብሩ ምህላዎም ትካል ረዲኤት ጀርመን ኣፍሊጡ።
ሰብመዚ ኣቐዲሞም መጠንቀቕታ ሂቦም እንተዝነብሩ ዝበዝሐ ሳዕቤን ናይቲ ሓደጋ ክወገድ ይኽእል ምንባሩ ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ድሕሪ ውግእ ሓድሕድ ዝተባላሸወ ፖለቲካ ሊብያ፡ ክልተ መንግስታት ኣብ ሓደ እዋን በብናቶም ዘመሓድሩዋ ኮይና ትርከብ።
ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ግን ክልቲኦም ተጻባእቲ መንግስታት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይተሓጋገዙ ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ'ሎ።
'ሬሳታት ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ጸንበለል ኢሉ ሓሊፉ'

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፈለማ ገለ ነበርቲ ደርና ዝሰምዕዎ ዘይንቡር ምንባሕ ኣኽላባት ናይታ ከተማ እዩ ነይሩ።
ሰዓት 2፡30 ጋሕጋሕ ለይቲ ስለዝነበረ፡ ዓይንኻ ዘንቁር ጸልማት ዝዓሰሎ'ዩ ነይሩ። ኣብ ከተማ ደርና ሰራሕተኛ ሕሳብ ዝኾነ ወዲ 31 ሑሳም ዓብደልጋዊ፡ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ፡ ባዕጊጉ እንከሎ ነቶም ዝነብሑ ዝነበሩ ኣኽላባት ክርኢ ናብ ታሕተዋይ ምድሪቤት ገዝኡ ወሪዱ። ኣብቲ ጸልማት ግን እግሩ ማይ ክትንክፍ ተፈሊጥዎ።
ሑሳም ንቀዳማይ ማዕጾ ኣፍደገ ናይቲ ምስ ሓዉ ዝቕመጠሉ ገዛ ከፈቶ'ሞ፡ ተወሳኺ ማይ ብሓይሊ ኣትዩ ነቲ ማዕጾ ካብ ቦትኡ ኣምሎቖ።
በቲ ሃንደበት ዘጋጠሞም ኩነታት ዝሰንበዱ እቶም ኣሕዋት ናብ ድሕሪ ማዕጾ ገጾም ምስ ተጸግዑ፡ "ካብ ሞት ንላዕሊ ዝኾነ ግናይ ትርኢት" ከምዝተዓዘቡ ሑሳም ይዛረብ።
"ሬሳታት ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ጸምበለል እናበለ ሓሊፉና። መካይን ከምኡ'ውን ምሉእ መንበሪ ኣባይትን በቲ ውሕጅ ተወሲዱ። ገለ ካብቲ ሬሳታት ድማ በቲ ማይ ተገፊዑ ናብ ገዛና ኣትዩ" ክብል ካብ ከተማ ኣል-ቁባሕ ዘጋጠሞ ዘስካሕክሕ ኩነታት ብቴለፎን ኣካፊሉ።
ኣብታ ምጾታት ዘጋጠማ ከተማ ደርና ዝነብር ካልእ ሰራሕተኛ ምምሕዳር ከተማ ዝኾነ ሓማድ ኣል-ሻላዊ ብወገኑ፡ ፍርቂ እታ ከተማ ከምዝጠፍአት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሬሳታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ይርከብ ከምዘሎ ድማ ይገልጽ።
"ምሉኣት ስድራቤታት ጠፊአን ኣለዋ። ኣሕዋት፡ ወለዲ፡ ቆልዑ፡ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ብሓንሳብ ኣብ ሓደ እዋን ጠፊኦም- መንበሪ ህንጸታት ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ'ሎ"።
"እታ ከተማ ብሰንኪ'ቲ ሬሳታት በድኒ'ያ ትጨኑ ዘላ። ጸቕጢ ናይ ሃሩር ተወሲኹዎ ድማ እቲ ሬሳታት ቀልጢፉ'ዩ ዝምሽምሽ ዘሎ"።
ኣብ ካይሮ (ግብጺ) ዝነብር ሓሳን ዓብደል ሻለሒን "ኣርባዕተ ኣባላት ስደራቤተይ ስኢነ ኣለኹ" ክብል ኣጋጢምዎ ዘሎ ከቢድ ሓዘን ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ቀልጢፎም ናብ ደርና ዝኣተዉ ሓካይም ዝኾነ ዶ/ር ብወገኑ፡ ነታ ከተማ ከልልያ ከምዘይክኣለ'ዩ ዝገልጽ።
"ፈለማ ዝነበረ ክገልጾ ኣይክእልን'የ። ንደርና ከለልያ ኣይክኣልኩን። ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒታት ድሓር ቁሩብ ተመሓዪሹ፡ ሰሉስ ግን ዕግርግር'ዩ ነይሩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







