እቶም ብሓያል ውሕጅ ዝሞቱ ሊብያውያን ብጃምላ ተቐቢሮም

ኣምቡላንሳት

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ሬሳ ናይቶም ብውሕጅ ኣብ ዝተዋሕጠት ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ደርና ዝሞቱ ሰባት ብጃምላ ተቐቢሩ።

ኣብ እዋን እቲ ብሽም ዳኒኤል ዝፍለጥ ሆቦብላ፡ ብሰንበት ግድብ ድሕሪ ምፍራሱ እታ ከተማ ብውሕጅ ምዕልቕላቓ ብውሑድ 2300 ሰባት ሞይቶም።

መቓብር ናይቶም ግዳያት ብማሽን እዩ ተዃዒቱ።

ዛጊድ ሃለዋት ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ዘይተፈለጠ ብምዃኑ፡ ቍጽሪ መወትቲ ከምዝውስኽ ይግመት።

መሓመድ ቃማቲ ዝተባህለ ወለንተኛ፡ ሰራሕተኛታት ሕጂ እውን ግዳያት ንምርካብ ኣለሻ የካይዱ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ንሱ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ዲግሪ ወይ ኣፋፍኖት ሕክምና ዘለዎም ዝዀኑ ሊብያውያን መጺኦም ክሕግዙና ንጽውዕ” ኢሉ።

“ሕጽረት ነርስታት ኣለና፤ ሓገዝ ንደሊ ኢና።”

ካብ ግብጺን ካልኦትን ሓገዝ ምእታው ዝጀመረ ኰይኑ፡ እታ ሃገር ብተቓወምቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ክልተ ዝተኸፈለት ምዃና ዝፈጠሮ ጸገም ጸጥታ ግን ዕንቅፋት ኰይኑ ኣሎ።

ሃገራት ኣመሪካ፡ ጀርመን፡ ኢራን፡ ኢጣልያ፡ ቐጠርን ቱርክን ካብተን ሓገዝ ከምዝለኣኻ ወይ ከምዝልእካ ዝገለጻ ሃገራት እየን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰብ ሞያ ምህንድስና ማይ ንቢቢሲ ከምዝገለጽዎ፡ ካብ ከተማ ደርና 12 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ዲጋ ከምዝፈረሰን ካብኡ ዝወጸ ውሕጅ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ንዝርከብ ካልእ ዲጋ መሊኡ ነታ ከተማ ከምዘዕለቕለቓን ይግመት።

ብሰንበት ምሸት ዝተወሰዱ ቪድዮታት፡ ውሕጅ ዝመለአ ሩባ ነታ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ደርና ከዕለቕልቓን መካይን ክውሰዳን የርኢ።

ምስ ወግሐ ድማ እታ ከተማ ብጭቃ፡ ፍርስራስን ዝተገልበጣ መካይንን መሊኣ ተራእያ።

ሰባት ብውሕጅ ከምዝተወሰዱን ካልኦት ድማ ህይወቶም ንምትራፍ ናብ ዝባን ናሕሲ ከምዝደየቡን ዝገልጹ ዘሕዝኑ ዛንታታት እውን ይስምዑ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ንምብራቓዊ ሊብያ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ዝነብር ሓሺም ቾክዮውት” በቲ ዝረኣኽዎ ነገር ኣዝየ ሰንቢደ፤ ልክዕ ከም ሱናሚ እዩ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንኣሶሽየትድ ፕረስ ምስክርነት ዝሃበ ሚኒስተር ጥዕና ምብራቕ ሊብያ ኦትማን ዓብዱልጀሊል ብወገኑ፡ “ብመጠን ናይቲ ዝወረደ ዕንወት ሰንቢድና. . . ካብ ዓቕሚ ደርናን መንግስትን ንላዕሊ ዝኾነ ከቢድ ሓደጋ እዩ ኣጋጢሙ” ኢሉ።

ከተማታት ሶውኣ፡ ኣል-ማርጅን ሚስራታን እውን በቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ማዕበል ጉድኣት በጺሕወን እዩ።

ንነዊሕ እዋን ንሊብያ ዘመሓደረ ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ 2011 ካብ ስልጣን ተወጊዲ ካብ ዝቕተል ንደሓር፡ እታ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ፤ ኣብ መንጐ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ማእከሉ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ዝገበረ መሰጋገሪ መንግስትን ንምብራቓዊ ክፋል ዝተቘጻጸረ መንግስትን ተኸፊላ።

ኰይኑ ግን እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ መንግስቲ 14 ቶን መድሃኒት፡ 80 ዶካትርን ሰብሞያን ከምኡ እውን ሳናጡ መትሓዝ ሬሳ ዝጸዓነት ነፋሪት ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ክፋል እታ ሃገር ልኢኹ ኣሎ።