ሊብያ፡ ሓያል ህቦብላዊ ውሕጅ 'ኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ'

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሊብያ ሓያልን ኣዕናውን ህቦብላዊ ውሕጅ ድሕሪ ምኽሳቱ ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ተሰጊኡ።
እቲ ዓለማዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበ መራሒ መንግስቲ ምብራቕ ሊብያ፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ሞት፣ ኣሽሓት ከኣ ምጥፋእ ደሃይ ኣጋጢሙ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ጃለል ሃርቻዊ ዝተባህለ ሊብያዊ ሞያዊ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት "ሓያሎ ኣሽሓት" ክበጽሕ ከምዝኽእል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብሰንበት፡ ብሰንኪ “ህቦብላ ዳኒኤል” መሬት ድሕሪ ምድርማሱ፡ ሰብመዚ ድንጋገ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክእውጁ ደሪኽዎም ኣሎ።
ኣብ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን፡ 7 ኣባላት ሰራዊት ሊብያ ደሃዮም ጠፊኡ’ሎ።
ከተማታት ምብራቓዊ ሊብያ - ቤንጋዚ፡ ሱሴ፡ ደርናን ኣልማርጅን ተሃስየን ኣብ ዘለዋሉ፡ ኣብ ሰበስልጣን ምብራቕ ሊብያ፡ ሰዓት ሕላፍ ብምእዋጅ፡ ኣብያተ ትምህርትን ድኳናትን ክዕጸዋ ኣዚዞም ኣለዉ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ቍጽሪ ሞት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፡ ቀይሕ መስቀል ሊብያ ብውሕዱ 150 ኣባይቲ ከም ዝዓነዉ ሓቢሩ።
ሮይተርስ ንሓላፊ ሰብኣዊ መርበብ ቀይሕ ወርሒ ከተማ ደርና ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብታ ከተማ ጥራይ ብውሕዱ 150 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
ኣብታ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ደርና ዝርከቡ ክልተ ዲጋታት ብምፍራሶም ንመብዛሕትኡ ክፋል እቲ ከባቢ ናብ ዕልቕልቕ ከምዝቐየሮን ገለ ነበርቲ ከምዝጠሓሉን ይግለጽ።
ከም ሳዕቤኑ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ እታ ወደብ "ናይ ሓደጋ ከተማ" ምዃና ኣዊጆም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ምብራቕ ሊብያ ኦሳማ ሓማድ ንሓንቲ ተለቪዥን ሊብያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቶም ዝጠፍኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እዮም፤ ዝሞቱ ልዕሊ 2,000፡ ክዀኑ እንከለዉ ምሉእ ከባቢታት ደርና ምስ ነበርቱ ብማይ ተጸሪጕ ጠፊኡ እዩ፡" ኢሉ።
እንተዀነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንኣሃዛቱ ምንጪ ኣየቐመጠን።

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY
ኣብ ጐድኒ ምብራቓዊ ከባቢታት ምዕራባዊት ከተማ ሚስራታ ካብተ ብውሕጅ ዝተሃስያ ከተማታት ሓንቲ እያ።
ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝሰጋገር ዘሎ ዘይተረጋገጸ ቪድዮታት፡ ህቦብላዊ ውሕጅ ሓደ ሰብኣይ ክወስድ፣ መራሕቲ መካይን ኣብ ዝባን መካይኖም ተዓጊቶም የርኢ።
ብዘይካ ኣብያተ ትምህርትን ድኳናትን፡ ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ኣርባዕተ ዓበይቲ ወደባት ነዳዲ ስርሐን ደው ኣቢለን ኣለዋ።
እቲ ኣብ ቤንጋዚ ማእከሉ ዝገበረ መንግስቲ ምብራቕ ሊብያ፡ ነዚ ሓደጋ ኣብ ዘከታተለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ፡ ዓለማዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ተቐናቓኒ መንግስቲ’ውን ኣብዚ ጉዳይ ተሳትፎ የርኢ ኣሎ።
በዚ መሰረት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደልሓሚድ ድበይባ ብሰንበት ብዝሃቦ መግለጺ፡ ኵለን መንግስታዊ ትካላት ነቲ ዕንወትን ውሕጅን "ብህጹጽ ክገጥማኦ" መምርሒ ሂቡ፤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ድማ ነቲ ህቦብላዊ ሓደጋ ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ሃገራውን ኣህጉራውን ጻዕሪታት "ህጹጽ ደገፍ ከምዝገብርን" ገሊጹ።
ሊብያ፡ ኣብ 2011 ድሕሪ ዘጋጠመ ውድቀትን ሞትን ሙዓመር ቃዛፊ፡ ካብ 2014 ኣትሒዛ ኣብ መንጐ ክልተ ተቐናቐንቲ መንግስታት ተቐርቂራ ትርከብ።
ህቦብላ ዳኒኤል ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ክልቲኦም መንግስታት ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጆም ኣለዉ።
እዚ ህቦብላ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግሪኽ፡ ቱርኪን ቡልጋርያን ኣጥቂዑ ሓያለ ሰባት ቀቲሉ እዩ።
ግብጺ፡ ብሰኑይ በዚ ህቦብላ ክትጥቃዕ ስግኣት ከምዝነበራ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ኣማስያኡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ደበና ከም ዝተኣከበ ትካል ሜትሮሎጂ እታ ሃገር ገሊጹ።
ተመራመርቲ ክሊማ ከምዝገልጽዎ፡ ምውሳኽ ዓለማዊ ሙቐት ማለት ኣብ እዋን ሓጋይ ዝያዳ ማይ ይሃፍፍ፤ እዚ ድማ ዝያዳ ብርቱዕ ህቦብላታት የስዕብ ክብሉ ኣጠንቂቘም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







