መንነቶም ክፍለጥ ዘይተኻእለ ሬሳታት ሓደጋ ውሕጅ ሊብያ

ምንጪ ስእሊ, reuters
ገጹ ብማስክ ዝተሸፈነ ዶክተር ሬሳ ናብ ዝሓዘ ጸሊም ፕላስቲክ ደኒኑ፡ ንኣእጋር ናይቲ ዝሞተ ሰብኣይ ቀስ ኢሉ ይዕዘብ።
“መጀመርታ ዕድመ፡ ጾታን ቍመትን ኢና ንርኢ” ክብል ይዛረብ።
“ሕጅ ብሰንኪ ማይ ኣብ ደረጃ ምምሽማሽ በጺሑ ኣሎ።”
ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ከተማ ደርና ኣብ ዝርከብ መዐሸጊ መካይን ሓደ ሆስፒታል፡ ናይ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ግዳያት መረዳእታ የጻፍፉ ኣለዉ።
እዚ ስራሕ እዚ ካብቶም ኣብዚ እዋን ኣዝዮም ጠቐምትን ኣጨነቕትን ስሓት እዩ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ባሕሪ ንሓደ ሰሙን ስለዝጸንሐ መንነቱ ክፍለ ኣይተኻእለን። ሽዑ ንግሆ እዩ ኣብቲ ገማግም ተገሊፉ ተረኺቡ።
ሰብ ሞያ፡ ብህድኣት ነቲ ሬሳ እናመርመሩ፡ ናይ ሰብነቱ ምልክታት ከጽንዑን ሰረት ዘርኢ (ዲኤንኤ) ክወስዱን ይረኣዩ። ብህይወት ዝተረፈ ቤተሰብ እንተሃልዩዎ ክሓትት ስለዝኽእል ኣድላዪ መረዳእታ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ ዛጊድ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ።
ማሕበር ቀይሕ ወርሒ እውን ናይ ባዕሉ መረዳእታ ከውጽእ ጸኒሑ።
ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት 11,300 ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ። ናይ መወዳእታ ቍጽሪ ግዳያት ገና ኣይተፈለጠን።

መሓመድ ሚፍታሕ፡ ስድራኡ ካብቶም ግዳያት ከምዝዀኑ ልቡ ይነግሮ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ውሕጅ ንሓፍቱን ሰብኣያን ክርኢ ናብ ገዛኦም ምስከደ፡ እቲ ገዛ ብውሕጅ ተወሲዱ ጸኒሕዎ።
ድሕሪኡ ካብኣቶም ዝዀነ ደሃይ ኣይሰመዐን። እቲ ውሕጅ ክጅምርን ናብ ገዛኡ ክኣቱን ዝቐድሖ ቪድዮ ኣርእዩኒ።
“መካይን ናብዚ ክወርዳ ርእየ፤ እናጐየኹ ወጺአ” ክብል ይዝክር።
“በቃ ኣኺሉኒ፤ ክመውት እየ ኢለ ነይረ። ጐረባብትና መብራህቲ ዝሓዘ ኢዶም ከንቀሳቕሱ ይርኢ ነይረ። ኣብ ሓጺር ህሞት እቲ መብራህቲ ጠፊኡ፤ ንሳቶም እውን ተሰዊሮም።
“እቲ ዝኸበደ ነገር ንሱ ነይሩ።”
ኢርነስት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ምእታው ምስጀመረ፡ ናብ ደርና ኣብ ዝወስድ መንገዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን ግሪክ ምማቶም መንግስቲ ምብራቕ ሊብያ ገሊጹ።
15 ሰባት ጉድኣት ወሪድዎም። ናብቶም ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ጕጅለታት ፈረንሳን ኢጣልያን ክጽንበሩ እዮም ዝኸዱ ነይሮም።
ኩወይትን ስዑድ ዓረብን እውን ብዙሕ ቶናት ሰብኣዊ ሓገዝ ልኢኸን።
ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዓብዱላህ ባቲሊ፡ ኣብዚ እዋን እታ ሃገር እቲ ዝመጸ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግልጺ እተመሓድረሉ ኣሰራርሓ ከምዘድልያ ንቢቢሲ ዓረብኛ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
እቲ ስክፍታ ኣብታ ሃገር ክልተ መንግስታት ምህላዎም ዝፈጠሮ እዩ።
ኣብታ ብጭቃን ፍርስራስን ዝተኸበበት ከተማ ደርና፡ ዝተወሰኑ ተስፋ ዝህቡ ስርሓት ይካየዱ ኣለዉ።
ኣብ ጸግዒ ሓደ ጐደና፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሕብራዊ ክዳውቲ ተደርዲሮም ይረኣዩ።
ተሳጊርካ ድማ ነዳዲ ዝዕደሉ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፋ ሰባት ተሰሊፎም ኣለዉ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ይቕጽል ኣብዘለሉ፡ ሓደ ሰብኣይ ናይ ሙቐት ሽጎማኖታት ዝሓዘ ባኮ ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ኣረጊት ሰበይቲ ኮፍ ኣቢልዎ።
ኣብ ግንባራ ብህድኣት ክስዕማን ንሳ ድማ ብሙሉእ ፍሽኽታ ካብቶም ዘምጸኦም ኣጭርቕቲ ክትመርጽን ትረኣይ።
እዚ ካብቶም ኣብዚ ከቢድ እዋን ሊብያውያን ንሊብያውያን ዝሕግዙሉ ዘለዉ መንገዲ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







