ምስ 'መሳርሕቱ' ተሓቛቚፉ ዝተራእየ ኣንዲ ባይሮን ስርሑ ለቚቑ

ኣብ ምርኢት ተሓቛቚፎም ዝተራእዩ ሰብኣይን ሰበይትን

ኣካያዲ ስራሕ ኵባኒያ ቴክኖሎጂ ኣመሪካ፡ ኣብ ኮልድፕለይ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ሙዚቃ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ መሳርሕቱ ሓቊፉ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ።

እቲ ውልቀሰብ ዝመርሖ ዝነበረ ኵባኒያ ቴክኖሎጂ ኣስትሮኖመር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣንዲ ባይሮን ካብ ስርሑ ንክሰናበት ደብዳበ ኣእቲዩ ኣሎ፤ እቲ ቦርድ ድማ ንሕቱኡ ተቐቢሉዎ፡" ኢሉ።

ኮልድፕሌይ ዝተባህለ ባንድ ሙዚቃ፡ ኣብ ፎክስቦሮ ማሳቹሰትስ ዘቕረቦ ምርኢት ሙዚቃ፡ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ክተሓቛቖፉ ብካሜራ ተቐሪጾም ኣብ ዓቢ ስክሪን ተራእዮም።

ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ እዞም ጽምዲ ኣካያዲ ስራሕ ኣስትሮኖመር ባይሮንን ምምሕዳር ሰብ ናይቲ ኵባንያ ክርስቲን ካቦትን ምዃኖም ሓቢረን።

ክልቲኦም፡ ንነብሶም ኣብቲ ስክሪን ምስ ርኣዩዋ ድማ ብስንባደ ካብ ካሜራ ክሕብኡ ፈቲኖም። ቢቢሲ መንነት እቶም ኣብቲ ቪድዮ ዝተርኣዩ ሰባት ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ብዓርቢ ምሸት፡ እቲ ኩባንያ፡ ኣንዲ ባይሮን ዕረፍቲ ይወስድ ከም ዘሎ ኣብ ኤክስ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቶም ክልተ ሰባት ብሙዚቃ ክወዛወዙን ድሕሪኡ ብቕልጡፍ ክሕብኡን ዘርኢ ቪድዮ፡ ረቡዕ ምሸት ድሕሪ ዝተኻየደ ምርኢት ኣብ ኢንተርነት ተወዓዊዑ።

እቲ ኣብ ቲክቶክ ዝተለጠፈ ናይ መጀመርታ ቪድዮ ሚልዮናት ርእይቶታት ተዋሂቡዎ።

ብድሕሪኡ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ቀሪቡ። ተቐዪዕሉን ኣብ መደባት ተለቪዥን ተላጊጽሉን።

ትማሊ ቐዳም እቲ ኵባኒያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገልጸ፡ ኣስትሮኖመር ካነብ ዝምስረት ጀሚሩ ንዝምሓደረሎም ክብሪታትን ባህልን እዩ ዝግዛእ። መራሕቲ ብስነ-ምግባሮም ኰነ ተሓታትነት መርኣያ ክዀኑ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ቀረባ ግን እዚ መዐቀኒ ኣይተማልአን፡" ኢሉ።

እቲ ኵባኒያ፡ ነቲ ትካል ዝመርሕ ሰብ ከም ዝምልምል ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ቪድዮ ንኢንትርነት ድሕሪ ምዕልቕላቑ፡ እቲ ኣስትሮኖመር ዝተባህለ ትካል ነቲ ቪድዮ ከይገለጸ፡ ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ከም ዝግበር ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ።

"ኣስትሮኖመር ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብቲ መርሖኡ ዝዀነ ክብርታትን ባህልን ተወፋይነት ኣሎዎ፡" ይብል'ሞ፡ "መራሕትና ኣብ ኣከያይዳኦምን ሓላፍነት ምውሳድን ብኣብነት ክመርሑ ኣለዎም። ቦርድ ዳይረክተራት ኣብዚ ጉዳይ ወግዓዊ መርመራ ጀሚሩ ኣሎ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ከነካፍለኩም ኢና፡" ኢሉ።

ሓደ ካብ መስረትቲ ናይቲ ትካልን ዋና ሓላፊ ፍርያትን ናይቲ ኩባንያ ፒት ዲጆይ፡ ግዝያዊ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ።

ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቲ ኣብቲ ቪድዮ ዘሎ ሰብ፡ ካብ ሓምለ 2023 ጀሚሩ ኣብኡ ዝሰርሐ ኣካያዲ ስራሕ ኣስትሮኖመር ኣንዲ ባይሮን እዩ። እንተዀነ፡ ባይሮን እቲ ኣብቲ ቪድዮ ዘሎ ሰብ እንተዀይኑ ገና ኣየረጋገጸን።

እታ ኣብቲ ቪድዮ ዝተራእየት ሰበይቲ፡ ካብ ሕዳር 2024 ጀሚራ ምስ ትካል ኣስትሮኖመር ዝጸንሐት ዋና ሓላፊት ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ናይቲ ኩባንያ ክሪስቲን ካቦት ምዃና ብኢንተርነት እኳ እንተ ተገልጸ፡ መን ምዃና ግን ኣይገለጸትን።

መግለጺ እቲ ትካል ወሲኹ፡ ባይሮን ውልቃዊ ኣብቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዘይሃበን መግለጺ ከም ዝሃበ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ድማ ጌጋ ምዃኑን ገሊጹ። ኣብቲ ቪድዮ ካልእ ሰራሕተኛ ከም ዘይተራእየ እውን ሓቢሩ።

እቲ ባይሮን ከም ዝጸሓፎ ኰይኑ ዝተዘርግሐ ናይ ሓሶት መግለጺ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኢንተርነት ክዝርጋሕ ውዒሉ።