ያታዊ ምኩሻም ዝቕይር ዘሎ 'ኦንላይን ዴቲን'

መጻኢ ኦንላይን ደይቲን እንታይ ክመስል ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጓል 24 ዓመት ኣሌክሲስ ጉተረዝ፡ “ፍቕሪ ህይወተይ ተመርዕየዮ . . . ቲንደር የቐንየለይ” ኢላ ጽሒፋ።

ኣብ ቴሌፎናትና ክንጽዕኖ እንኽእል ጾታዊ መጻምድቲ ንምራኻብ ዘገልግል መተግበሪ ዴቲን፡ 'ቲንደር' ካብ ዝጅምር 10 ዓመት ኰይንዎ'ሎ።

ቲንደር፡ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ዓለም ኣብ ዘሎ ዕዳጋ ኦንላይን ደይቲን እቲ ዝዓበየ ኰይኑ ጸኒሑ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ 1,500 ተመሳሰልቲ መተግበሪታት ኣለው። እዚኦም ኣብ 2022፡ 2.85 ቢልዮን ዶላር እቶት ከም ዝነበሮም ጸብጻባት የመልክቱ።

ንምዃኑ፡ እዚ መተግበሪ ንፍቕሪ፡ ጾታዊ ርክብን ፍቕራዊ ርክባትን ብኸመይ ጸልይዎም? መጻኢኡኸ እንታይ’ዩ?

ፍልቀት ኦንላይን ደይቲን እንታይ ከም ዝመስል ብኸፊል ክንርኢ።

'ናይ መጀመርታ መወዓውዒ ዴቲን'

ናይ መጀመርታ መወዓውዒ ዴቲን፡ ብ1727 [ኣ. ኣ] ከም ዝተነግረ ይሕሰብ።

እዚ፡ ኣብ መጽሄት ማንቸስተር ዊክሊ ከም ዝተሓትመን ብሓንቲ “ምቃል ጐድና” ዝዀነ ሰብ ትእልሽ ከም ዘላ ዝገለጸትን እንግሊዛዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝተጻሕፈን እዩ ነይሩ።

ውጽኢቱ ግን ከምቲ ዝሓሰበቶ’ዶ ኰይኑ? ኣይፋል፤ ኣዐርዩ ካብ ዛንታ ፍቕሪ ዝርሓቐ ደኣ ኰነ።

ሄለን ሞሪሰን፡ ብሰንኪ እቲ መወዓውዒ ተቐጺዓ'ያ። እንታይ?

ከንቲባ እታ ከተማ ንኣርባዕተ ሰሙናት ስነ ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ናብ እትረኽበሉ መዕቈቢ ሰዲድዋ።

ቲንደር፡ 15 መስከረም 2022 10 ዓመት ክመልኦ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕጂ ግን ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዘመናት፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ 300 ሚልዮን ሰባት ውልቃዊ ምውዕዋዓት ይገብሩ፣ ናይ ዴቲን መተግበሪታትን ቴክኖሎጅን ተጠቒሞም ወዝባውን ፍቕራውን ዝምድናታት ንምርካብ ላሕ ይብሉ ኣለው።

መተግበሪታት ዴቲን ዝውቱራትን ቅቡላትን እናዀኑ’ውን መጺኦም።

እዚኦም ቅድሚ ምምጽኦም፡ ብዙሓት ሰባት ‘ጽሙው ልቢ’ ኣብ ዝብል ዓምዲ መጽሄታት ይጽሕፉ ወይ መወዓውዒ ይልጥፉ ነይሮም።

ሕጂ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መተግበሪታት ዴቲን ዝነበረ ኢንታ ተቐንጢጡ እዩ።

ኣብዚ ንኽብጻሕ ግን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ሄለን ዝነበረ ኣሉታዊ ግምት፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እቶም መተግበሪታት’ውን ብርክት ዝበለ ነቐፌታታት ሓሊፎም’ዮም።

'በዓል ቤተይ ኣብ ቲንደር'የ ረኺበዮ'

ኣሌክሲስ ጉተረዝ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ቲንደር ኣብ ከባቢኣ ናይ ዘሎ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ስእሊ ምሰምጸኣላ ‘right’ ኢላ ከተሕልፎ እንከላ ትስፉውቲ ነይራ።

“ንሓደ ወይ ክልተ ሰሙን” ምስ ኣዋግዑ ብኣካል ክራኸቡ ወሲኖም።

“መጺኡ [ብመኪና] ክወስደኒ እንከሎ፡ ንሱ ቅሩብ ፈሪሑ ነይሩ ክብል ይኽእል፤ ኣነ ግን ደሓን ነይረ” ትብል።

ድሕሪ ትሸዓተ መዓልቲ፡ “ሕራይ” ኢላቶ።

“መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ወዝባዊ ዝዀነ ነገር ስለ ዝደልዩ፡ ፍቕሪ ወይ ሓዳር ክረክብ እየ ኢለ ኣይተጸበኽዎን ነይረ” ትብል ኣሌክሲስ።

ኣሌክሲስ ምስ በዓል ቤታ

ምንጪ ስእሊ, Alexis Gutierrez

እንተዀነ፡ እዚ ንኵሉ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን።

ተቐማጢት ኣሜሪካ ጓል 30 ዓመት ክኢላ ሕሳብ ኤሚ ማሪ፡ “ብዛዕባ ቲንደር ዝዀነ እወንታ ብዛዕባ ምህላው ርግጸኛ ኣይኰንኩን” ትብል።

“ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ” በቲ መተግበሪ ብዙሓት ጽዩፋት ወይ ሕማቕ መልእኽታት ከም ዝልእኩ ትዛረብ።

ሓደ “ሰላም” ዝብል መልእኽቲ ምስ ሰደደትሉ ናይ ዝልኣኸላ መልእኽቲ ስእሊ ኣርእያትና።

“[ምስቲ መተግበሪ] ናይ ፍቕሪ/ ጽልኢ [love and hate] ዝዀነ ርክብ’ዩ ዘለና። ዝያዳ ግን ጽልኢ” ኢላ።

ጓል 35 ዓመት ቼልሲ ስተርሊን ድማ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኖቲንግሃም ትነብር።

ንሳ’ውን፡ ኣብ ቲንደር ዘለዋ ተመኩሮ ኣዝዩ ዘሕዝን ከም ዝዀነ ትዛረብ።

“ሰባት፡ ኣክንዲ’ቲ ዝሓስቦ ወይ ዝዛረቦ ኣብ ምስሊ ኣካላተይ’ዮም ትኹረት ዝገብሩ” ኢላ።

ምግፋዕን ዘየድልዩ ስእልታትን

ኤሚ ማሪ፡ ነዚ መተግበሪ ምጽልኣ ዝተፈልየ ኣይኰነን፣ ጓል ኣንስተይቲ እንተዄንኪ ኣብ መተግበሪታት ዴቲን ሕማቕ ተመኩሮ ክገጥመኪ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

ማእከል መጽናዕቲ ፒው ብ2020 ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክንደየናይ ንግፍዒ ዝተቓልዓ ምዃነን የርኢ።

ዕድመአን ካብ 18 ክሳብ 34 ዓመት ካብ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ እተን 57 ሚእታዊት ዘይሓተትኦ ትሕዝቶ ጾታዊ ርክብ ዘለዎም መልእኽታት ወይ ስእልታት ከም ዝተላእከለን የመልክት።

ብተወሳኺ፡ 19 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣካላዊ ጉድኣት ከብጽሑ ዝኽእሉ ምፍርራሓት ከም ዝበጽሐን ይገልጽ። ነዚ ተመሳሳሊ ስግኣት ዝተቓልዑ ደቂ ተባዕትዮ 9 ሚእታዊት ጥራይ’ዮም።

ተመራማሪት ኢንስቲትዩት ፈረንሳ መጽናዕታት ስነ ህዝቢ [INED] ማሪ ብሪግስቶርም፡ “እዞም መተግበሪታት ካብ ማሕበራዊ ህይወትና ኣዝዮም ዝርሓቑ እዮም። ካብቲ ብመሓዛ፡ ቤተሰብ፡ ስራሕ፡ ቤት ትምህርቲ ዝበሉ ምርኻባት’ውን ዝተፈለዩ’ዮም” ትብል።

እዞም መተግበሪታት፡ ውልቃዊ ጉዳያትካ ኣብ ኣደባባይ ክወጽእ ዝገብሩን ብቐሊሉ ከተጥፍኦ ዘይትኽእልን ስለ ዝዀነ፡ ጽልዋኦም ከቢድ ከም ዝገብሮ ተረድእ።

ቲንደር፡ ደቂ ኣንስትዮ ድሕነት ክህልወን ከም ዝገብር ይገልጽ።

እቲ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ፡ ዘቤታዊ ዓመጻት ንምክልኻል ኣብ ሓምለ 2022 ምስ ጉጅለ ጐስጓሳት ‘ኖ ሞር’ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ውዕል ኣትዩ።

ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፈጻሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ሪናት ኒቦርግ ግን፡ እቲ መተግበሪ ድሕነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕላው ሕጂ’ውን ጸገማት ከም ዘለውዎ ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ።

ናጽነት ጾታዊ ርክብ

ይኹን’ምበር፡ ብሪግስቶርም እቶም መተግበሪታት “ውሑድ ማሕበራዊ ቁጽጽር” ዝግበረሎም ምዃኑ እወንታዊ ሸነኽ እዩ ትብል።

“ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዙርያ ጾታዊ ርክብ ብዘለወን ባህርያት ይፍረዳን ኣብ ጾታዊ ርክብ ንቑሓት ምዃነን ኣበራት ይወጽአንን’ዩ። ኣብ መተግበሪታት ኦንላይን ግን ብቐሊሉ ንሓጺር እዋን ዝጸንሑ ርክባትን ካልእን ከማዕብላ ኢና ንዕዘብ። ምኽንያቱ ሰብ ከይፈረደካ ወይ ብዛዕባኻ እንከይተዛረበ ክትገብሮ ዝክኣል ስለ ዝዀነ።"

ስለዚ፡ እዞም መተግበሪታት ካብቲ ዝጭበጥ ማሕበራዊ ናብራ ፍልይ ዝበሉ ምዃኖም ኣዝዮም ንኽፍለጡ ገይሩዎም’ዩ ትብል።

መጻኢ መተግበሪታት ዴቲን ግን እንታይ'ዩ ክመስል?

ምናልባት፡ ኣብ መጻኢ ኣኼባታት ስራሕ ብሜታቨርስ ዝካየዱ ክዀኑ’ዮም ክብሃል ሰሚዕኩም ትዀኑ።

ሜታቨርስ፡ ናትኩም ስጋ ለበስ [ኣቫተር] ኣብ ጥቓ ጠረጴዛ ኰፍ ኢሉ ብልክዕ ከምቲ ብኣካል ምስ መሳርሕትኹም እትገብርዎ ኣኼባ ብ'ቨርቹዋል' [ማንዛ] ክራኸብ እንከሎ ማለት እዩ።

እዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብቶም መተግበሪታት ደይቲን’ውን ዝርአ ምዕባለ ክኸውን እዩ።

“በዚ መገዲ ምስዕዓም፡ ኣካላትካ ምትንኻፍ ይከኣል እዩ” ይብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ተግባበሮ ሰብን ኮምፒዩተርን ዩኒቨርሲቲ ኦክላንድ ዳግለስ ዛይቶክ።

ፍቑራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ግን ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ።

ብማንዛዊ ክውንነት - ቨርቹዋል ሪያሊቲ [ቪኣር]፡ ዓሚቕ ምጥሓል ስነ ኣእምሮ ስለ ዝሕውስ፡ እቶም ሕጂ ኣብ ልዕሊ ገለ ተጠቀምቲ ዝወርዱ ዘለው ኣሉታዊ ተመኩሮታት፡ ኣብ ማንዛ ዝገደዱ ክዀኑ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎም ክብል ዳግለስ የረድእ።

ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ መተግበሪ ደይቲን ካብ ሸነኽ እቲ እተዕልልዎ ዘለኹም ሰብ ዝቐርብ ድልየት ጾታዊ ርክብ ኣይደለኹሞን ንበል።

“ኣብ ቪኣር ግን፡ እቲ ሓሳቡ ዝተነፍጐ ሰብ ኣሉታዊ ቃላዊ ርእይቶ ይህብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ስጋ ለበስ ምስሉ’ውን ነቲ ዕላማ ክጥቀመሉ ይኽእል’ዩ” ይብል ዳግለስ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ?

ዳግለስ ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ “ናይቲ ካልእ ሰብ ኣቫተር ብኣሉታዊ መገዲ ክትንክፎ ይኽእል’ዩ። ሕጂ ዝወጽኡ ዘለው መጽናዕታት ካብ ፍቓድ ወጻኢ ብኻልእ ኣቫተር ክትትንከፍ እንከለኻ፡ ቪኣር እቲ ኣብ ግሃዳዊ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ተመሳሳሊ ስነ ልቦናዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል” ኢሉ።

ምኩሻም ይተርፍ ኣሎ ማለት ድዩ?

ኣበይ ትቋጸር?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ቑጽሪ ተጠቀምቲ መተገብሪታት ኦንላይን ዴቲን ልዕሊ 672 ሚልዮን ክበጽሕ’ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ብሪግስቶርም፡ ናተይ ግምት እዞም መተግበሪታት ዝያዳ መጻምዲ ዝራኸቡሎም ኣማራጺታት ክዀኑ’ዮም ዝብል እዩ ኢላ።

ቅድሚ ሕጂ “መጻምዲ እንረኽበሉ ዝተነጸረ ቦታ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ኣሎ” ትብል።

እዚ ብቐሊል ኣገባብ ከተረድእ እንከላ፡ ናይ ስራሕ ቦታ ብኣብነት ትጠቅስ።

ሰባት ኣኼባ ንኽእከቡ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን መአከቢ ኣዳራሽ ኣየድልዮምን።

ኣፍቃሪ ወይ መጻምዲ ንምርካብ ድማ ካልእ ርሕቐት ምኻድ፡ ዘመኑ ዝሓለፎ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

“ሕጂ፡ ናብ ባራት ኬድካ ወይ ኣብ ናይ መሓዙት ምትእኽኻባት ተረኺብካ ንዝዀነ ሰብ ምኩሻም ዳርጋ ቅቡልነት የብሉን። እዚ ድማ ንዕኡ ዝዀኑ መተግበሪታት ኣለው ካብ ዝብል ዝምንጩ’ዩ” ትብል።

ወሲኻ፡ “ከምቲ ዝበልክዎ እዚ ግምት’ዩ፤ ነገራት ዝያዳ ፈላሊና ክንርእዮም ኣለና። ስለዚ እትሰርሐሉ ቦታ ኣሎ። ኬድካ ስፖርት ትሰርሓሉ ቦታ ኣሎ። ምስ መሓዙትካ እትራኸበሉ ቦታ ኣሎ። ደይት እትገብረሉ ቦታ’ውን ኣሎ” ብምባል ተብርህ።

“ምክፍፋላት ማሕበራዊ ህይወት እዩ።"