'መዓልቲ ቅዱስ ቫለንታይን' ተኽብሩ ዶ?

መልእኽቲ ፍቕሪ ዘለዎ ናይ ልቢ ቅርፂ

ምንጪ ስእሊ, Neil Curry

ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲ ዝስቀሉ ቅርፅታት ልቢ፣ ከተማታት ዘወቅቡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዕምበባ ምርኣይ ፍሉይ ድምቀት ይፈጥር።

ብኻልእ ወገን ድማ ሆቴላት፣ ኣብያተ ብልዕን እንዳ ኬክን፡ ፍሉይ ዝበልዎ ትሕዝቶታት ሒዞም ይቐርቡ። እንዳ ትልሂትን መስተታትን ድማ፡ ፍሉጣት ድምፃውያን ምስ እኽለ ማይ ቀሪቦም 'ንፍቑራት' ይጽበዩ።

'መዓልቲ ቅዱስ ቫለንታይን' እናተብሃለ ዝፅዋዕ እዚ መዓልቲ ፍቑራት፡ ቀይሕን ፀሊምን ሕብሪ ክዳን ብምኽዳን፡ ቀይሕ ዕንበባን ቸኮሌትን ብምልውዋጥ ብፍቑራት ዝኽበር መዓልቲ እዩ።

እዚ ካብ ምዕራባውያን ዝተወረሰ ባህሊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣቓልቦ ይረክብ ምህላዉ ብዙሓት ሰባት ይዛረቡ።

ስነ-ስርዓት ቃልኪዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ ኣደታታትናን ኣቦታትናን ዘበን'ኸ?

ነዚ ዛንታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ክነዳሉ እንከለና ዘዛረብናየን፤ ነባሪት ከተማ መቐለ ጓል 56 ዓመት፡ ወይዘሮ ፀጋ በላይ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 70 ምስ ዝርከቡ በዓል እንደአን ኣይተ ተውሐሶም ገብረ፡ ን34 ዓመታት ብሓዳር ነቢሮም እዮም።

ኣይተ ተውሐሶም ብዛዕባ 'ቫላንታይንስ ደይ' ዝፈልጡ እኳ እንተኾኑ፡ ወይዘሮ ፀጋ ግና ክበሃል እኳ ሰሚዐንኦ ከምዘይፈልጣ እየን ዝዛረባ። ኣብ ግዘ ንእስነተን ከምዚ ዓይነት በዓል ከምዘይነበረ እውን ይገልፃ።

"ንፉቑራት ዝተመደበ መዓልቲ ዋላ ኣይንበር ሕጉሳት ኢና ነይርና" ይብላ። ንሰብ ሓዳር፡ ፍቕሪ በብመዓልቱ ክዝከር ዝግበኦ ምዃኑ ብምግንዛብ።

"ፍቕሪ፡ በብመዓልቱ ክብሪ ክወሃቦ ዝግባእ ነገር እዩ። ናይ ሎሚ መናእሰይ፡ ኣብዛ መዓልቲ ንፍቕሪ ዘኪሮም ብምኽባሮም ፅቡቕ እዩ" ኢለናና።

ፅጌረዳ ዕምበባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነባሪት ከተማ ድሬዳዋ፡ ጓል 62 ዓመት በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ወይዘሮ መሰሉ መዝለቅያ ብወገነን፡ ኣብ ናተን ግዘ ዝነበረ ኩነታት ብምዝካር፡ "መዓልቲ ፍቑራት ኣይኮነን ዶ ከኽብር ብስሩ እቲ መዓልቲ እንታይ ከምዝኾነ እውን ኣይፈልጥን ነይረ።

ኣብ ናትና ግዘ ኣይኮነን 'ዶ መዓልቲ ፍቑራት ክነኽብር ብዛዕባ ፍቕሪ እንተሓሲብና እውን ከም ገበን እዩ ዝቑፀር ነይሩ" ይብላ።

ኣብ ግዘ ንእስነተን፡ ናብ 'ጓይላ' ተዓዲመን ዝኸዳሉን ብወለደን ተታሒዘን ዝተመለሳሉን ግዜ ድማ ይዝክራ።

ንመዓልቲ ቫላንታይንስ ዝተዳለዉ ቧምቡላታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቂ ሎሚ'ኸ እንታይ ይብሉ?

ጓል 30 ዓመት ምስክር ታሪኩን 33 ዝዕድሚኡ ሚካኤል ገብረን፡ ብዕርክነት ኣብ ዝፀንሕሉ ግዘን ምስተመርዐዉን፡ መዓልቲ 'ቫላንታይንስ' ከምዘኽብሩ ንቢቢሲ ገሊፆም።

"ብዙሕ ብዘይተጋነነነ መልክዑ፡ ኣብ ሆቴል ሓቢርና ብምምጋብ፡ ዕንበባ ብምውህሃብ ዘለና ፍቕሪ ንገልፀሉ መዓልቲ እዩ" ትብል መስከረም።

ብተወሳኺ፡ "ኣነ መዓልቲ ቫላንታይንስ እፈትዎ እየ፡ ግና ዝፋተው ሰባት ኩልሻብ እዮም ፍቕሮም ክገልፁ ዘለዎም" ትብል።

ብልቢ ቅርፂ ዝተዳለዉ ዕምበባታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድምፃዊት ብሩክታዊት ጌታሁን (ቤቲ ጂ) ድማ፡ ካብ ካልእ መዓልቲ ብዝተፈለየ፡ ነዚ ዕለት ልስልስ ዝበሉ ደርፍታት ከምዝለማመዱ እያ ትገልፅ።

"ባህልና ዋላ ኣይኹን፡ መንነትናን ባህልናን እንተዘይረሲዕና፡ እንተኽበርናዮ ፀገም የብሉን። ብርግፅ ፍቕሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ክኽበር የብሉን፤ ደቂ ተባዕትዮ ፍቕሮም ንክገልፁ ዝሕግዞም እንተኾይኑ ግን ፅቡቕ እዩ" ትብል።

መልእኽቲ ፍቕሪ ዘለዎ ናይ ልቢ ቅርፂ

ምንጪ ስእሊ, Neil Curry