ዛንታ ፍቕሪ ኢትዮጲያዊ ምሩኽ ወተሃደርን ኤርትራዊት ተጋዳሊትን

ምንጪ ስእሊ, ማሞ
እዚ ብዙሓት ኣገረምትን መሰጥትን ተጓንፎታት ሂወት ዝጾረ፡ ዛንታ 'ቲ ኣብ መወዳእታ ካብ ምምራኽ ናብ ተጋዳላይ ሰጊሩ፡ ኤርትራዊት ተጋዳሊት ዝተመርዓወን ኢትዮጲያዊ ወተሃደር፡ ኣብታ ኣብዚ ቅንያት ሰፊሕ ተነባብነት ኣመዝጊባ ማእከል ዕላል ኰይና፡ ኣቓልቦ ስሒባ ዘላ፡ "አንቱ በእናት" ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህባ፡ መጽሓፍ ብጥበብ ተጸውዩ'ሎ።
እዛ፡ 370 ገጻት ዝሓዘት፡ ብማሞ ኣፈታ ኣዶ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ 'ውልቀ-ዝኽሪ'፡ ንዛንታ ሂወት 'ቲ ባዕሉ ወተሃደር ዝነበረ ደራሲ-ማሞ፡ ዳርጋ ብምሉእ ንዕኡ ብዝለበሰ ገጸባህሪ፡ 'ጆቴ' ኣቢሉ ዝንገር ንእስነት፡ ውትህድርና፡ ምምራኽ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ንምዃን ክሰጋገር እተዘንቱ መጽሓፍ እያ።
እዛ መጽሓፍ፡ እቲ ናይ ሓቂ ሰብ - ማሞ፣ እቲ ገጸባህሪ - ጆቴ መስርሕ ህንጻ-ስብእና፤ ክቕየርን ከም ሓዲስ ክስራሕን፣ መሳግሮ ህይወቱ 'ብዘይኣግንኖ'፣ "ደራሲ፡ ንነብሱ ፍጹም እሙን ብምዃን፡" እትጸዊ ስለዝዀነት ከኣ ኣድናቘት ምትራፋ ዘንበብዋ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ማዕከናት ዜናን ይገልጹዎ 'ለው።
ብመንጽር ጥበብ ጽሕፈትን ጽውያን እንክትርአ'ውን፡ መሰረታዊ ጥበባት ዝሓለወት፡ በዓል ዛንታ - ጆቴ፡ ካብ እዋን ግልጸቱ፡ ሓዲስ ዓለሙ ከናድን ዕድላት ክድህስስን ዝደረኾ ምኽንያታት፣ ኣብኡ ድማ ንተጓንፎታት ሂወቱ ከመይ ከም ዝሰገሮ፣ ኣብ ቀራና ምስ ምርጫታት ክፋጠጥን እቲ ዝደልዮ ኰይኑ ንኽርከብ ዝሓረዮ ውሳነታት፡ ትብዓቱን ሓቅታቱን ብዘይብቂ፡ ብዘይቀልዓለም ቀሊዓ ዘስፈረት እያ።
በዚ ኸኣ ኣንበብቲ፡ ይዅን ምስኡ ሂወት ዝተኻፈሉ ገለ ካብ ኣዕሩኽቱ፡ ግሩም ብዝዀነ ጽዋ ዝተጻሕፈት፡ 'ጸሓፊ ንነብሱ ፍጹም እሙን ኰይኑ ዝጸሓፋ' ክብሉ ዝገልጹ ዘለው። እዚ ሸነኽ ከኣ እታ መጽሓፍ ብሰፊሕ ቅብልቲ ክገብራ ካብ ዘኽኣለ፡ ሓደ ረቛሒ ምዃኑ ይግምገም።

ጆቴ - እቲ መሪሕ ገጸባህሪ፡ ብሰንኪ ዝነበሮም ሕሱም ድኽነት፡ ኣብ ፈለማ እዋን ምምጻእ ስርዓት ደርግ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጲያ፡ ቀዳሞት "ኣብዮታዊ ሰራዊት" ድሕሪ ምኽታቡ፡ ናብ ኤርትራ ይመጽእ'ሞ፡ ኣብ ውግእ ተማሪኹ ኣብ ኢድ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ይወድቕ።
ብዅሉ መዳያት ካልእ ሰብ ናብ ምዃን ተሰጋጊሩ፣ መወዳእታ ምስታ 'ገላየ' ብዝብል ስም ንተጋዳሊት 'ሂወት ጓል ማኦ'፡ ዝለበሰት ገጸባህሪ፡ ብድሆታት ዝነበሮ ፍቕሪ በረኻ ኣስተማቒሩ፡ ሓዳር መስሪቱ፡ ኣርባዕተ ውሉዳት ፈርዩ፡ ምስ ሓዳሩ ብፍቕሪ ኣብ ኢትዮጲያ ይነብር ኣሎ።
እዞም ክልተ፡ "ፍቕርናን ሓዳርናን፡ ንብዙሓት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል'ዩ፡" ዝብሉ፣ ኣብ ክልተ ኣንጻር፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጫፋት ዝነበሩ ሰባት፡ ክሳብ ዝራኸቡ፣ ዝፋቕሩን ሓዳር ዝምስርቱን ብድሕረኡ ዝሰዓበ ህይወቶምን ዝሓለፍዎ መድረኻት ከመይ ይመስል? ዝብል ሕቶ ቀዲሙ ዝመጽእ እዩ።
እዚ ዓንቀጽ'ዚ እምበኣር፡ ደራሲ ማሞ ኣፈታን በዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ሂወት 'ጓል ማኦ'ን ምስ ቢቢሲ ዝገበርዎ ሰፊሕ ዕላል፣ ከምኡ'ውን ደራሲ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ቀሪቡ ዝሃቦ ቃለመጠይቕን መጽሓፍትን ኣወሃሂዱ፣ ንመሳጢ ጕዕዞ ህይወቶም ብዝድህስስ መልክዕ ኣብ ክልተ ኽፋላት ዝተዳለወ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ማሞ
ንእስነት
ንመንጽረ-ዛንታ እዛ ዝበዝሕ መካነ-ዛንታኣ ኣብ ኤርትራ ዝዀነት መጽሓፍ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ ማሞ ከብርህ እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ደራሲ [ማሞ]ን ኣብ መንጐ እቲ መሪሕ ጠባይ [ጆቴ]ን ዳርጋ ፍልልይ ከም ዘየለ፡ "ደራሲ ኣዘንታዊ እዩ፣ ኣዘንታዊ ድማ ደራሲ" ብምባል፡ ትሕዝቶኣ ታሪኽ ሂወት ማሞ ከም ዘለዎ ዘንጸባረቐ ምዃኑ የረድእ።
ኣብ ዳሕረዋይ ገበር እታ መጽሓፍ፡ ". . .ደራሲውን በጆቴ ሂወት እያዩ ይዝለቍ።" [ሂወት ጆቴ እናንበብኩም ንደራሲ ኣናድይዎ።] ብምባል ኣሚቱ'ሎ። ማሞ፡ ብኣምሳሉ ገጸባህሪ ፈጢሩ ዛንታኡ ክነግር ዝደለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ከም ደራሲ/ኣዘንታዊ ዝያዳ ናጽነት ክረክብ ምዃኑ ይገልጽ።
ጆቴ፡ ከም ጠባይ ክኽሰት እንከሎ ኣብ ኢትዮጲያ [በዚ ናይ ሎሚ ክልላዊ ምምሕዳራዊ መዋቕር - ኣብ ክልል ኦሮምያ] ምብራቕ ወለጋ፡ ጊዳ ኣያና፡ ስርባቡቱ ኣብ ትበሃል ንእሽቶ ገጠር፡ ኣብ ሓንቲ ርቕቕ ዝበለ ዝመነባብሮኣ ስድራ፡ ሓደ ነደኡ ኰይኑ፡ ክቱር ፍቕሪ ትምህርቲ ሒዙ እዩ ዝዓቢ።
ጆቴ ኣብ ዕድመ ህጻንነቱ ኣመና ንፉዕ ተመሃራይ፣ ካብተን ከዕብያኦ መከራአን ዝረኣያ ኣደኡ ኣብሊጹ'ውን ትምህርቱ ዘፍቅር ነበረ። ኣብቲ ኣብ ዓዶም ዝነበረ ንእሽቶ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሻድሻይ ምስ በጽሐ፡
ትምህርቲ ንኽቕጽል፡ ናብቲ ዝቐረበ ዝበሃል ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝነበሮ ሻምቡ ዝተሃባለ ከባቢ ክኸይድ ግድን ይነብሮ'ሞ ናብኡ ገዓዘ። እዚ ዝቐረበ ቤት ትምህርቲ ይበሃል እምበር፡ ካብ ዓዶም መገዲ ሰለሰተ መዓልቲ እዩ።
ስለዚ፡ ኣብኡ'ውን ባዕልኻ ቅጫ ቐጭቂጭካ እዩ። ንቕጫ ዝኸውን እኽሊ ድማ ስድራ ክልእኽ ግድን ነበረ።
ጆቴ፡ ኣቦኡን ኣደኡን ተፈላልዮም ስለዝነበሩ ድማ ኣደኡ፡ መጽዓኛ ኣድጊ ክልምና፡ ኮብኪቡ ናብቲ ወደን ዝመሃረሉ ዝነበረ ዓዲ - ሻምቡ - ዘብጽሕ ሰብ ከናድያ ምስ ሰብ ክመሳሰላ ክርኢ፡ ከቢድን ስክፍታ ዝበዝሖን ዕድመ ንእስነት ከም ዘሕለፈ፡ ደራሲ ይዝክር።
ታሽዓይ ክፍሊ ምስ በጽሐ ግን፡ ካብዚ ጸቕጢ'ዚ ክገላገልን ናብራኡን ኣደኡን ክሕግዝ፡ ነቲ ዘፍቅሮ ትምህርትን ብትምህርቲ ዝነበሮ ሕልምን ጠንጢኑ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኮብለለ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣደኡ ክሕግዝ ኢሉ ስራሕ ከናዲ፡ እንኮ ዝገጠሞ ኣማራጺ ድማ ውትህድርና ጥራይ ነበረ፣ ብኡ ንብኡ ኸኣ ወተሃደር ተኸትበ።
ደርግ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ፡ ኣብ 1975፡ ካብቶም 'ኣብዮታዊ ወተሃደር' ተባሂሎም ታዕሊም ዝኣተው ቀዳሞት ተዓላሞ ኰይኑ፡ ን6 ወርሒ ኣብ ደብረብርሃን ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሰደ።
ድሕሪ ታዕሊም ድማ፡ ናብቲ ግሙት ዝነበረ መሬት ኤርትራ ተመደበ። ንሓጺር ግዜ ኣብ ኣስመራ ጸኒሑ ኸኣ ናብ ከረን ዓስከረ።
ከም ፈላሚ ተመኵሮኡ ከም ወተሃደር፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ፍሉይ ውግእ ናሮ ተሳቲፉ። ውግእ ናሮ ምስቲ ብተጋደልቲ ንናቕፋ ንምሓዝ ዝገብርዎ ዝነበሩ ውግእ ዝተኣሳሰር ወሳኒን ፍሉይ ወፍርን እዩ ነይሩ።
ድሕሪ'ዚ ውግእ'ዚ እዩ ህይወቱ ዝቐየረ፡ ምቅይያር ኣተሓሳስባን ቦታን ዝመጽአ፡ እናበለ ይዝክር።
ኣብ መጽሓፍ 'ናቕፋ - ተመኵሮ ገድሊ፡ ቅጺ 7' ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ናቕፋ ናጻ ንምውጻእ ንፈለማ ግዜ መጥቃዕቲ ዝጀመሩሉ፡ ብ17 መስከረም 1976፡ እዩ ዝነበረ።
ብሓፈሻኡ 'ቀዋሚ ኲናት' ዝበሃል ዝጀመርሉ ድማ ኣብኡ ኣብ ናቕፋ እዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ንሓደ ሰሙን'ኳ እንተቐጸለ ምሓዝ ናቕፋ ግን ክዕወት ግን ኣይከኣለን። እንተዀነ እቲ ንናቕፋ ኣኽቢብካ ንምሓዝ ዝተገብረ ውግኣት ብኡ ደው ኣይበለን።
ኣብቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ብ'ኸበባ ናቕፋ' ዝፍለጥ እዋን፡ ኲናት እናኸረረ ምስ ከደ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ናቕፋ ተኸቢቡ ዝነበረ ሓይሊ ንምርዳእ፡ ነበልባል ዝተባህለ ክፍለጦር ብሸነኽ ናሮ ፍሉይ ወፍሪ ኣካየደ።

ምንጪ ስእሊ, ማሞ
ካብ ምርሻን ዘትረፎ ውግእ ናሮ
ደራሲ ማሞ ከም ዝብሎን ግን፡ ጆቴ ዝተሳተፎ ኣቐዲሙ ብናሮ ኣቢልካ ንምስላዅ ፈተነ ከም ዝተገብረ እዩ።
እታ ጆቴ ዝነበራ ሳልሳይ ሻለቃ [በጦሎኒ]፡ ክፍለጦር 16ኛ፡ ብኰሎኔል ክንፈ ወልደገብሪኤል እያ ትእዘዝ ዝነበረት።
ኣብዛ ቀዳመይቲ ውግእብዙሓት ወተሃደራት ሞይቶም፣ ማይ ጽምኢ ከም ዝነበረን ብዙሕ ሽግር ከም ዘጓነፎምን ማሞ የዘንቱ።
"ኰሎኔል ክንፈ ኣብዚ ውግእ ናሮ ዳርጋ ጥራይ ኢዱ ተመሊሱ።" ይብል'ሞ ነበልባል፡ ብናሮ ንኽሰብር ምስ ምሉእ ሞራሉ መጺኡ። እቶም ካብቲ ውግእ ዝተረፉ ወተሃደራት በዓል ማሞ ግን ብ ሄሊኮፕተራት ተጻዒኖም ተመሊሶም።
ኣብ ደዓሪት ሓዲሮም፡ ብዳኮታ ነፈርቲ ተጻዒኖም ናብ ኣስመራ ተወስዱ'ሞ ን18 መዓልቲ ኣብ ኤክስፖ ተኣስሩ።
ንሱ ከም ዘዘንትዎ፡ ብፍሽለት'ቲ ውግእን ብኽድዓትን ክርሸኑ'ውን ተኽእሎ ከም ዝነበረ፡ ግን ፍሽለት ነበልባል ከም ዘድሓኖም እዩ፣ ግን ብኸመይ?
ኣብ መጽሓፍ 'ናቕፋ - ተመኵሮ ገድሊ፡ ቅጺ 7' ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ እዚ፡ ብናሮ ዝወፈረ ነበልባል ክፍለጦር፡ ብሄሊኮፕተራት ዝወረደ፡ ኮማንድስ ዝነበርዎ ሓደ በጦሎኒ ዝኸውን ሓይሊ እዩ ነይሩ።
ኣብ ናሮ ኸኣ ጽዕጹዕ ውግእ ተኻየደ፣ እቲ ዝወፈረ ሰራዊት ድማ ብተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ተደፊኡ ዕላማኡ ከይሃረመ ንድሕሪት ተመልሰ።
ክፍለጦር ነበልባል፡ ካብ ውግእ ናሮ ክምለስ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ኣስቃቕ - ከባቢ ኣፍዓበት - ተሪፉ ዝነበረ ሓደ መስርዕ ዝኸውን ዓቕሚ ጥራይ ጸንሖ።
እዚ ወተሃደራዊ ምዕባለታት'ዚ፡ ከበባ ናቕፋ መመሊሱ እናኸረረ ክቕጽል ገበሮ።
ኣብ ከምዚ ህሞት ደርግ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 1976፡ 99 ዝዀኑ ምሩጻት ኮማንዶ ኣየርወለድ ሒዙ ንናቕፋ ከጥቅዕ ተበገሰ።
እዚ ሓይሊ ኣየርወለድ'ዚ ብነፈርቲ ብጃንጥላ ዝወረደ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ክወርዶ ንዝኽእል መጥቃዕትታት ንምክልኻል ተባሂሉ ካልኦት ነፈርቲ ዓጂበናኦ ተኸቢቡ ዝወፈረ እዩ።
እዚ ፍሽለት'ዚ ነበልባል መሰጋጠመ፡ እቶም ተኣሲሮም ድሕሪ'ዚ ውግእ ፍርዶም ዝጽበዩ ዝነበሩ፣ ኣቐዲሞም ፈቲኖም ዘይተዓወቱ ተረፍ ወተሃደራት ከኣ፡ ተፈቲሖም ናብ ቦታኦም ተመልሱ።
"ነበልባል ተዓዊቱ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኣብኣ እንከለና ምረሸኑና፣ ነበልባል ምኽኣል ዝሰኣኖ ውግእ ግን ከምዘይከኣል ተደምደመ፣ ፈቲሖምና፡" ይብል ማሞ።
ብድሕሪኡ ኸኣ እንደገና ናብ ኣሃዱኡ ከረንን ከባቢኣን ተመልሰ።
ውግእ ኣፍዓበትን ምምራኽን
ብ23 መጋቢት 1976፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣፍዓበት ብለይቲ ኣካይዶም ነይሮም።
እዚ መጥቃዕቲ'ዚ ከምቲ ዝድለ'ኳ እንተ ዘይሰለጠ ሆስፒታል ኣፍዓበት ግን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ንብረቱ ተዘምተ፣ ድሕሪ'ዚ መጥቃዕቲ'ዚ፡ ህዝቢ ኣፍዓበት ከም ህዝቢ ናቕፋ'ኳ እንተ ዘይተመዛበለ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ደርግ ግን ከቢድ ስንባደ ተፈጥረ።
ብሰሪ'ዚ ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ኣፍዓበት፡ መዓስከሩ ከደልድል፡ ጐዳጕዲ ክዅዕት ጀመረ። ተጋደልቲ'ውን ካብ ቀረባ ርሕቀት ዓስኪሮም ምክትታል ክገብሩ ጀመሩ።
ናቕፋ፡ ብ 22 መጋቢት 1977 ቀትሪ መጥቃዕቲ ተኻየደ።
እቲ ዕለት መጥቃዕቲ፡ ብከቢድ ግመ ዝተሸፈነ ኰይኑ፡ ሰዓት 9፡00 ናይ ንግሆ ኣቢሉ እዩ ጀሚሩ። ኣብዚ ግመ ዝሸፈኖ መዓልቲ ዝተኻየደ ብርቱዕ ውግእ፡ ከባቢ ሰዓት 6፡00 ናይ ምሸት ተዛዘመ።
ካብ ናቕፋ ዘምለጠ ሰራዊት ደርግ ድማ፡ ብተስፋየ ሃብተማርያም (ደሓር ሜጀር ጀነራል ዝዀነ) እናተመርሐ ፈንጢሱ ኣፍዓበት ኣተወ፣ ናቕፋ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ተጋደልቲ ኣተወት።
ድሕሪ ናቕፋ ኣፍዓበት ክትሕረር ግዜ ኣይወሰደን፣ ሚያዝያ '77 ተሓረረት።
ማሞ ከም ዝብሎ፡ እዛ ንሱ ዝተማረኸላ ውግእ ኣፍዓበት ጽዑቕ ደብዳብ ዘሰነያ እያ ነይራ፣ "እቲ መዓስከር ተታሒዙ፣ ጸጋመይቲ እግረይ ተሃሪማ፡" ይብል።
እዚ ኸኣ መጋቢት 28/ 1969 [ግእዝ]፡ ማለት ሚያዝያ 7/ 1977 ምዃኑ ይዝክር። "ሽዑ፡ ዝመውት ሞይቱ ምምራኽ ኰይኑ፡" ይብል።
ካብቶም ኣብዛ ኲናት ኣፍዓበት ዝተማረኹ 165 ወተሃደራት ደርግ፡ ሓደ ጆቴ ነበረ።
ኣፍዓበት ድሮ ኣብ ኢድ ተጋደልቲ ኣትያ እንከላ፡ ነፈርቲ መጺእን ደብዳብ ከካይዳ ጀመራ። ሽዑ ተጋደልቲ፡ "ንኣና ከድሕኑ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ነበሩ፣ ንባዕላቶም ደው ኢሎም እንከለው፡ 'በጥ በል፣ በጥ በል' እናበሉ ብኣና ተጨነቝ፤ ሽዑ እታ ቐዳመይቲ ካብ ተጋደልቲ ዝሰማክዋ ዘረባ፡ 'እንቋዕ እዝጊሄር ኣውጽኣኩም፡ እንቋዕ ብሂወት ተረፍኩም' ትብል እያ ነይራ፡" ይብል ማሞ።
ከም ወተሃደራት ደርግ መጠን፡ ነቶም ተጋደልቲ፡ 'ወንበዴ' ኢልና ኢና ንጽውዖም ዝነበርና። ሓደ 'ወንበዴ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ፡ እሞ ድማ ዓጢቕካ ክትቀትሎ መጺእካ እንታይ ክገብረካ ከም ዝኽእል ግምታት ነይሩና። ሽዑ መዓስ እዮም ዝቐትሉና ኢልና ኣብ ራዕዲ ኢና ዝነበርና፡ እምበር ከምኡ ኢልና ንተርፍ ዝሕሰብ ኣይነበረን፡" ይብል፡ ማሞ።
ተጋደልቲ፡ 'ንስኻትኩም እኮ ደቂ ሓረስቶትን ሸቃሎን ኢኹም፣ ንሕና ምስቶም ገዛእቲ ደርቢ እምበር፡ ምስኻትኩም ምስ ውጹዕ ህዝቢ ኢትዮጲያ ሽግር የብልናን፡' እናበሉ የረጋግኡና ነይሮም፡ ግን ኣይኣመንናዮምን፡ ይብል።
ብመሰረት ኣዘናትዋ ደራሲ ማሞ፡ ጆቴ ምስቶም ካልኦት ምሩኻት ሓቢሩ ናብ ብሌቓት ወረደ፣ ኣብኡ ድማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ጸንሐ።
ገድለ-ህይወት ከም ምሩኽ
ፖለቲካዊ ትምህርቲ ሽዑ እዩ ጀሚሩ። እቶም ምሩኻት ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክርድኡ ነይርዎ።
"ጆቴ፡ ነቲ ብካድራት ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ምዕባለ ሕብረተሰብ፣ ብዛዕባ ኵነታትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝወሃብ ዝነበረ ሰፋሕቲ ኣስተምህሮታት ብዕቱብነት ተኸታቲልዎ እዩ፡" ይገልጽ ማሞ።
"ክሳብ ደርግ ገስጋሲ እዩ፡ ፋሽሽታዊ እባ. . .! እናበልካ ምስ ተጋደልቲ ብዙሕ ናጻ ክትዓት ይካየድ ነይሩ እዩ።"
ጆቴ፡ በቲ ዝነበሮ ኵቱር ድሌት ትምህርቲ ተደሪኹ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ትምህርትን ምስትምሃርን ተተሓሓዞ።
በቲ ዝተረኽበ ናውቲ፡ ተጋደልቲ ዝጥቀምሉ ካብ ዝነበረ ዝተወድአ ባትሪ ኣምጺኡ፡ ኣብ ሩባታት ዝተኣርየ ኣእማን ከም ኵርሽ እናተጠቐመ፡ ኣብ ትሕቲ ገረብ ንኸምኡ ምሩኻት ስሩዕ ትምህርቲ ክህብ ጀመረ።
እቲ ዓቢይ ጸገም ዝነበረ ግን ብኣምሓርኛ ዝተዳለወ መምሃሪ መጻሕፍቲ ዘይምንባሩ እዩ።
መኽፈቲ ንባብ ዝኸውን ጽሑፍ ኣይተረኽበን፣ ሽዑ ጆቴ፡ 'ኣጭር መግለጫ' እትብል ሓንቲ 20 ገጽ እትኸውን ዓንቀጽ ባዕሉ ጸሓፈ፣ ከም ጽሑፍ ንባብ፡ ተባጺሓ ኸኣ መምሃሪት ኰይና ኣገልገለት።
በዚ ግን ደው ክብል ኣይከኣለን፡ መጽሓፍቲ ስነፍልጠት፡ ጆግራፍ፡ ካልእን ክመሃሩ ነይርዎም፤ ካብቶም ካድራት መጽሓፍቲ ኣምጺኡ፡ ብጾቱ ክምህር ጸዓረ።
"ኣብ ፈለማ እቲ እምነት ስለዘይነበረ፡ እቶም ምሩኻት ነቲ ትምህርቲ ግዲ ኣይገበሩሉን፣ ኣንታ ደይ 'ክቐትሉና እዮም' ዝብል ፍርሂ ነይርዎም። ከንቱ ድኻም እዩ ኢሎም እዮም ድማ ዝሓስቡ ነይሮም። እቲ ግዜ እናነውሐ ምስ ከደ ግን እቲ ስምዒትን ፍርሕን እናጠፍአ ከይዱ።" ይብል ነቲ ናይ ፈለማ ተመኵሮኦም ክገልጽ እንከሎ፡ ማሞ።
"ንምሩኻት ዝወሃብ ትምህርቲ ኣብ ሳሕል ንምሕያል፡ ጆቴ ዝመርሓ ኮሚቴ ተመስሪታ፣ መጽሓፍቲ ኣካዳሚ ተርጕምና።"
ሽዑ ካብ ትግርኛ ናብ ኣምሓርኛ እናተተርጐመ፡ ሓያለ ከም መምሃሪ መጻሕፍቲ ኣገልጊሉ እዩ።
ጆቴ ብጠቕላላ ክሳብ 15 መጻሕፍቲ ትርጕሙ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ድማ፡ ካብ ተጋደልቲ መብርሂ እናሓተተ ምልከት ቋንቋ ትግርኛ ኣጥረየ።
እቲ ሽዑ ዝተሰርሐ፡ ብፋኑስ እናገበርካ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሊ ቀሊል ከም ዘይነበረ ይዝክር።
ድሕሪ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ፡ ኵነታት ውቃው እዝ፡ ምሩኻት እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ እቲ እንዳ ምሩኻት እናሰፍሐ መጺኡ።

ምንጪ ስእሊ, ማሞ
ገድሊ ከም ናጻ ሰብ - ኣብ ሳሕል
"ድሕሪ 1982 ኢና ናጻ ተባሂልና፡" ይብል፡ ማሞ። ናጽነት ምሩኻት ድማ ብደረጃ ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝተኣወጀ ይጠቅስ። እቲ ዝተኣወጀልና ናጽነት፡ ኣብ ኣዶብሓ ብዓሊ ሰይድ እዩ ተገሊጹ፣ "ይዝከረኒ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ከኣ ሽዑ ይትርጕመልና ነይሩ፡" ብምባል ነቲ ናይ ሽዑ ኵነታት የዘንቱ።
ናጻ ማለት፡ ካብ ሓለዋ ብረትን ካብ ሓለዋ ከቢቡካ ዝኸይድ ሓይልን ናጻ ምዃን ማለት ምዃኑ ይዛረብ። 'ቅድም ከም እሱር ኢኻ፣ ናጻ ምዃን ግን ናጻ እዩ፣ ዝሕልወካ ዝከታተለካ የለን፡'
ሽዑ ዳርጋ ዳግማይ ልደት እዩ ነይሩ። 'መዓልቲ ልደት እያ ነይራ።'
ምሸት ጓይላ ተተኺሉ፣ ጭፈራ እውን ነይሩ። "ሽዑ ይዝከረኒ፡ ኣሚነ ዝበሃል ተጋዳላይ መጺኡ፡ ዕጥቁ ኣምጺኡ፡ ኣዕጢቑኒ።"
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ጆቴ ብፖለቲካ በሲሉ፡ ንቓልሲ ኣሚንሉን ተቐቢልዎን ስለዝነበረ፡ ንዅሉ ኣጋውላኡ፣ ኣተሓሳስባኡን ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሮ ዓሚቝ ግንዛበ ኣስተውዒሉ ምዃኑ፡ ነቲ ናይ ሽዑ ሓቀኛ ስምዒቱ ብዝፈጠሮ ገጸባህሪ ኣቢሉ ይነግር - ማሞ።
"ሽዑ ዘይተቐበልዎ ነይሮም፣ ገሊኦም ሰንቢዶም፣ 'እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ' ኢሎም፣ ገሊኦም ድማ ይስሕቍ ነይሮም - ኣሚነ ግን ሓቍ እዩ ነይሩ፡" ይብል።
ማሞ ከም ዘዘንትዎ፡ ሽዑ ነቶም ምሩኻት ናጻ ምርጫ ተዋሂቡ። ኣብ ጐድኒ ህዝባዊ ግንባር ኰይኖም ክቃለሱ ዝወሰኑ ብዙሓት ነይሮም፤ ኣለው'ውን ክሳብ ሕጂ፡ 'ኣህጉራውያን ተቓለስቲ' ዝበሃሉ።
ካልኦት ናብ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ዝተጸንበሩ፣ ናብ ህወሓት፡ ናብ ኢህደን ዝኸዱ ነይሮም። ካልኦት ንወጻኢ ሃገር ዝተፋነው፣ ንዓዲ ክምለሱ ዝወሰኑ'ውን ነይሮም።
"ካብቶም ንዓዲ ዝኸዱ ግን ደርግ ተቐቢሉ ዝረሸኖም ከም ዘለው ንፈልጥ ኢና፡" ይውስኽ፡ ማሞ ኣብ ዕላሉ።
እቲ ንምሩኻት ዝግበር ዝነበረ ምንቕቓሕን ምጕስጓስን ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰውራ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ዓበይቲ ውግኣት ክካየድ እንከሎ፡ ምሩኻት ብብዝሒ ናብ 'እንዳ ምሩኻት' ይመጽኡ ነይሮም።
"ኣብ መጋቢት 1984 ድሕሪ ዝተኻየደ ውግእ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ምሩኻት ውቃው እዝ፡ ኣነ እየ ተቐቢለዮም። ብሰይፉ ገብረመስቀል ዝበሃል፡ መጀመርያ መግለጺ ክወሃብ እንከሎ፡ ኣነ ይትርጕመሎም ነይረ። ክሳብ ግዜ ናደው፡ ብኸምኡ ጸኒሕና።" ብምባል፡ ነቲ ቍጽሪ ምሩኻት በብእዋኑ እናዓበየ ዝኸደሉ ዝነበረ ኵነታትን ንጥፈታቱን ኣመልኪቱ የረድእ። ምስኡ ኣተሓሒዙ ኣብ ሳሕል ዝነበረ ውህደትን መንፈስን እቶም ምሩኻት ከኣ ብኸምዚ የተሓሕዞ።
"ኮምፖሲዥን ናይቲ ምሩኽ ካብ ብዙሕ ብሄረሰባት ኢትዮጲያ ዝተኣከበ እዩ ነይሩ። ብዅሉ መምዘኒታት ክርእዮ እንከለኹ፡ ሓድነቱ ዘዕበየ፡ ክንዮ ብሄራዊ ኣፈላላይ ዝሓስብ ኢትዮጲያዊ እዩ ተፈጢሩ ክብል እኽእል። ብሓጺሩ፡ እቲ እዋን'ቲ ኣፈላላይ ብሄር፡ ወይ ብብሄር ምሕሳብ ዘጥፈእናሉ መድረኽ እዩ ነይሩ - ኢለየ ዝኣምን። ኣብ ርእሲኡ ድማ ምስ ስራሕ ዝተወሃሃድና፣ ጐቦ ናብ ጐልጐል ክንቅይር ንኽእል ኢና'ውን ነይርና፡" ክብል ይገልጾ።
እዚ ግን ስቕ ኢሉ ዝመጽአ፣ ወይ ኣብ ሓደ ስለዝተኣከብካ ጥራይ ዝመጽአ ኣይኰነን።
ኤርትራውያን ንባዕላቶም፡ ምእንቲ ናጽነቶም ክጋደሉ እንከለው፡ "ኵላቶም፣ ብሄርን እምነትን ዘይፈልዩ፣ ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም እዮም ተቓሊሶም።" ካብኣቶም'ውን ብግብሪ ብዙሕ ተማሂርና ኢና፣ ፖለቲካዊ ትምህርቲ'ውን ብዙሕ እዩ ዘጥፋኣልካ። ናይ ብሄርን ዓሌትን ኣፈላላይ ጠፊኡ። ኣብ መስርሕ፡ ድሕሪ ነዊሕ ሰብ ኣረኣእያኡን ኣተሓሳስባኡን እናቐየረ መጺኡ - በቃ ብዛዕባ ዓቢይ ነገር፣ ብዛዕባ ሃገር ምሕሳብ መጺኡ።
መሰል ናይ ህዝቢ እምበር፡ 'ኣነ ኦሮሞ እየ፣ ኣነ ኣምሓራይ እየ፣ ኣነ ወላይታ እየ. . . ገለታት' ዝበሃል ጠፊኡ። ቀሊል ቃልሲ ኣይኰነን። ንባዕልና ተቐይርና ንኻልኦት'ውን ቀዪርና ኢና፡ ኢሉ ነቲ መስርሕ ምስግጋርን ምቕያር ኣተሓሳስባን ስብእናን ይትንትን። ኣብዛ፡ 'ኣንቱ በእናት' እትብል መጽሓፉ ድማ ነዚ ምስግጋር'ዚ በቲ ብ'ኣምሳሉ' ዝፈጠሮ ገጸ-ባህሪ - ጆቴ፡ ብዝምስጥ ጽዋ ኣቕሪብዎ'ሎ።
ዕጥቂ ተጋዳሊት ዝማረኾ ልቢ 'ምሩኽ'
ማሞን ተጋዳሊት ሂወት ተስፋይን፡ ኣብቲ መጽሓፍ ድማ - ብ'ጆቴ'ን 'ገላየ' ን ዝተወከሉ ሰባት፡ ፈለማ ሌላኦም ኣብ ከባቢ 1982-83 ኣቢሉ እዩ ዝጅምር።
ይቕጽል ...............








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







