ካማላ ሃሪስ፡ ናብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክትምለስ ድያ?

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ካማላ ሃሪስ፡ ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር ከምእትኽእል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበላ ሕቶ ምላሽ ሂባ ኣላ።
ሃሪስ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዋይት ሃውስ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ከም እትህሉ ርግጸኛ ምዃና ተዛሪባ።
ሃሪስ፡ ምስ ላውራ ኵየንስበርግ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንትራምፕ "ውልቀመላኺ" ብምባል'ውን ኣብ ልዕሊ መወዳድርታ ነበር ተልዒላ ኣላ።
እዚ ዘሎ እዋናዊ ኵነታት፡ ነቲ ኣብ እዋን ጎስጓስ መረፃ ብዛዕባኡ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ቅኑዕ ከምዝነበረ ዘረጋግጽ ምዃኑ ገሊጻ።
ሰልፊ ዲሞክራት፡ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝረኸቦ ወሳኒ ዓወት፡ መልሲ ኣብ ዝደልየሉ ዘሎ እዋን፡ መብዛሕትኡ ወቐሳ ናብ ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን እዩ ዘቕንዕ፤ ቀልጢፉ ካብ ጐስጓስ ዘይምውፅኡ።
ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ ሃሪስ ብፍላይ ኣብ ዛዕባ ቍጠባ ዝሓሸ ዝያዳ ንጹር መልእኽቲ ከተቕርብ ትኽእል ዶ ነይራ ዝብል ሕቶታት ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየደቶ ፍሉይ ቃለመሕትት፡ ሃሪስ፡ ደቂ ደቃ "ኣብ ዕድሚአን" ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ክረኣያ እየን ብምባል፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ካልእ ዙር ውድድር ክተካይድ ከምዝዀነት ኣንፊታ።
"ባዕልኺዶ ካልእ ጓለንስተይቲ?" ተባሂላ ምስ ተሓተት፡ "ምናልባት" ብምባል፡ ካልእ ዙር ውድድር ትሓስብ ከምዘላ ኣተንቢሃ።
ሃሪስ ገና ኣብ ምሉእ ውሳነ ከምዘይበጽሐት'ኳ እንተገለጸት፡ ሕጂ'ውን ንነብሳ ኣብ ፖለቲካ መጻኢ ከምዘላ ገይራ ከምእትርእያ ኣስሚራ።
እታ ምክትል ፕረዚደንት ነበር "ገና ኣየእከልኩን! ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ኣዕጽምተይ'ዩ ዘሎ" ኢላ።
ካብ ዲሞክራትስ ቦታ ክትውከል ዘሎ ዕድላት ትሑት ምዃኑ ኣመልኪቶም ክቐርቡ ንዝጸንሑ ገምጋማት ድማ ምላሽ ሂባ።
"ከምዚታት ዳህሳሳት እንተዝሰምዕ ነይረ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዙር'ውን ኣይተምወዳደርኩን - ብርግጽ ድማ ኣብዚ ሕጂ ዘለኹዎ'ውን ኣይምሃለኹን።"

ንትራምፕ 'መላኺ' ኢላቶ
ሃሪስ ብተወሳኺ ንዶናልድ ትራምፕ፡ 'ፋሽሽታዊን ምልካውን መንግስቲ ክምስርት ከምዝኽእል ዝሃበቶ ትንቢታት ጋህዲ ኰይኑ ይረአ ከምዘሎ ተዛሪባ።
ንክፍሊ ፍትሒ ከም ኣፅዋር ይጥቀመሉ ኣሎ ኢላ።
ንሳ፡ ተዋዛዪ ጂሚ ኪመል፡ ንሞት የማናዊ ጸላዊ ሰብ ቻርሊ ከርክ፡ ብዛዕባ ሪፓብሊካን ግብረ መልሲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ካብ ስርሑ ምእጋዱ፡ ካልእ ምልክት ምዃኑ ተዛሪባ።
ሃሪስ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ መራሕቲ ንግድን ትካላትን፡ ንጠለባት እቲ ፕረዚደንት ብቐሊሉ ዝሰገዱ ክትብል'ውን ነቒፋ።
"ብዙሓት... ካብ ቀዳማይ መዓልቲ ጀሚሮም እዮም ኢዶም ሂቦም፣ ኣብ እግሪ ሓደ መላኺ ዝተንበርከኹ ኣለዉ፣ ምናልባት ውህደት ክጸድቕ ወይ መርመራ ክተርፍ ስለ ዝደልዩ፡ ኣብ ጐኒ ስልጣን ክዀኑ ምምራጾም ብብዙሕ ምኽንያታት ይኣምን።"
ዋይት ሃውስ፡ ሃሪስ ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ዝሃበቶ ርእይቶ ምላሽ ክህበሉ ምስ ተሓተተ፡ ንዕቐት ዝመልኦ ምላሽ ኣቕሪቡ።

ወሃቢት ቃል ኣቢጋይል ጃክሰን፡ "ካማላ ሃሪስ ኣብቲ መረፃ ብፍርቂ ምስ ተሳዕረት፡ህዝቢ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ዕሽነት ዝመልኦ ሓሶታ ከምዘይግድሶ ክትፈልጥ ነይሩዋ" ኢላ።
"ወይ ድማ ምናልባት ነቲ ስዕረት ተቐቢላቶ ትኸውን፡ ስለዚ ድማ እያ ሕርቃና ብናይ ወጻኢ ሚድያታት ተቃልሕ ዘላ።"
ነታ ምክትል ፕረዚደንት ነበር፡ ስለምንታይ ጎስጓሳ፡ ንሰራሕተኛታት ከእምን ከምዘይከኣለ ኣልዒለ ክብድሃ ከለኹ፡ ነዚ ንምግባር ዝያዳ ግዜ የድልያ ከምዝነበረ ገሊጻ።
ኣብ መረፃ 2024 ኣብ ከም መንበሪ ገዛ፡ ወይ ክንክን ህጻናት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ባኒን ሓርጭን ናይ ገዛእ ርእሳ ድምጺ ክተስምዕ እኹል ግዜ ከምዘይነበረ ጣዕሳኣ ኣስሚዓ።
ኣብ ዝቕጽል፡ ሰፊሕ ግዜ እንተረኺባ ግን፡ ምጕታ ዝያዳ ኣገዳሲ ክኸውን ከምዝኽእል ትግምት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







