መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ካማላ ሃሪስ ስለምንታይ ተሳዒራ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ካማላ ሃሪስ ‘ዘ ቪው’ ኣብ ዝተሰምየ መደብ ኤቢሲ ተሌቪዥን ቀሪባ ነይራ።
ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ፡ ካብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተፈለየ እንታይ ምገበርኪ? ዝብል ሕቶ ቀሪቡላ።
“ዋላ ሓደ ናብ ርእሰይ ዝመጽኣለይ ነገር የለን” ክትብል መለሰት።
እዚ መልሲ፡ ኣብ ኣፍ ሪፓብሊካን ክትኣቱ ገይሩዋ።
ኣብ ፖለቲካዊ ጐስጓሳት ጐስጓሳ ክትስዕሮ ዘይከኣለት ጕዳያት ድማ ነቲ ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ብዶናልድ ትራምፕ ዘጋጠማ ወሳኒ ስዕረት ኣበርክቶ ገይሩ።
ትማሊ ምሸት ንደገፍታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡“ተስፋ ኣይትቝረጹ” ኢላ።
ይዅን’ምበር፡ ኣብ ምንታይ’ያ ተጋግያ? ካልእ ዝሓሸ ነገር እንታይ ክትገብር ትኽእል ነይራ? ዝብሉ ሕቶታት ግዜ ክወስዱ’ዮም።
ኣብ ዙርያ መጻኢ ሰልፊ ዲሞክራት’ውን ሕቶታት ክለዓሉ’ዮም።
ትማሊ፡ ሰብመዚ ጐስጓስ ሃሪስ ዝዀነ ዓይነት ርእይቶ ከይሃቡ’ዮም ውዒሎም። ገለ ተሓጋገዝታ ድማ እቲ ውድድር መረጻ ከም ትጽቢቶም ብዘይምዃኑ ስንባደኦም ብንብዓት ገሊጾምዎ።
ኣካያዲት ጐስጓስ ሃሪስ ጂን ኦ’ማሊ ዲሎን ትማሊ ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝለኣኸቶ ኢመይል እቲ ስዕረት “ክትግምቶ ዘይትኽእል መሕመሚ’ዩ፤ ከቢድ'ዩ። እዚ ንኽትቅበሎ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ'ዩ” ኢላ።
ካማላ፡ ኣብዚ እዋን ምኽትል ፕረዚደንት ብምዃና፡ ንርእሳ ካብቲ ብዙሕ ነቐፌታታት ዝቐርበሉ ፕረዚደንት ፈልያ ከተቕርብ ኣይከኣለትን።
በዚ ምኽንያት፡ ነቲ ብሰንኪ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዝርከብ መራጺ ሒዛቶ ክትመጽእ እትኽእል ለውጢ ዝምልከት ከተእምን ኣይከኣለትን።
ዕዳ ባይደን
ባይደን፡ ምስ መነሓንሕቱ ሪፐብሊካዊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ክትዕ ዘርኣዮ ድዅም ብቕዓት ስዒቡ ካብቲ ውድድር መረጻ ከም ዝስሓበን ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ኰይና ከም እትቐርብን ኣፍሊጡ።
ድሕሪኡ ኣብ ዝነበራ 100 መዓልታት ጐስጓስ መረጻ ጀሚራ።
“ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት” ከተምጽእ ቃል ብምእታው ዝጀመረቶ ጐስጓስ፡ ብጕዳያት መሰል ምንጻል ጥንሲ፡ ኣብ ምውሳኽ ወጻኢታትን ዋጋ ኣባይትን ሓዊሱ ቍጠባዊ ምምሕያሽ ንምምጻእ ብምምብጻዕ ደቂ ኣንስትዮን ሸቃላይ ክፍሊ ማሕበረሰብን መረጽቲ ኣብ ጐድና ከተሰልፍ ጀሚራ።
ክሳብ እቲ መረጻ ዝተኻየደሉ መዓልቲ ኣብ ዝነበራ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ብጽቡቕ ናህሪ መዘራረቢት ኰይና።
ከም ቴይለር ስዊት ዝበሉ ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ንዕኣ ከም ዝመርጹ ወግዓዊ ብምግባር መረጽቲ ከለዓዕሉ ጀሚሮም።
ይዅን’ምበር፡ ሃሪስ ነቲ ኣብ መብዛሕትኦም መረጽቲ ዓሲሉ ዝነበረ ኣንጻር ባይደን ዘቕንዐ ስምዒታት ክትስዕሮ ኣይክኣለትን።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓለን ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቶም ትሕቲ 40 ዓመት ዘለው መረጽቲ እዚ’ዩ ዝበሃል ቦታ ኣይነበሮን።
ኣስታት ክልተ ሲሶ መረጽቲ ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ግጕይ መገዲ ኣላ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ይዛረቡ።
ገለ መሓዙት ሃገራት፡ ሃሪስ ንባይደን ክትትክኦ ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ነቲ ፕረዚደንት እምንቲ ድያ ዝብል ገለ ዕቃበታት ብውልቂ ኣንጸባሪቐን እየን።
ዳይረክተር ኮምዩኒኬሽን ካማላ ነበር ጀማል ሲሞንስ ግን፡ “ካብቲ ዝመዘዘካ ፕረዚደንት ክትሃድም ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢሉ።
ሃሪስ፡ ንዝዀነ ፖሊሲታት ባይደን ከም ዘይትቕይር እያ ክትገልጽ ጸኒሓ።
ግን ድማ፡ ስለ ምንታይ ነታ ሃገር ክትመርሕ ከም ዘለዋ ዘእምን ኣቀራርባ ኣየርኣየትን፤ ሕማም ዜጋታት እታ ሃገር ዝዀነ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ኣብ ዙርያ ኢሚግሬሽን ዘሎ ሰፊሕ ስክፍታ ብኸመይ ክትኣልዮ ከም ዘለዋ ዘእምን ምጕት ከተቕርብ ኣይከኣለትን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካብ 10 መረጽቲ እቶም ሰለስተ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ስድራኦም ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ይወርድ ከም ዘሎ ይገልጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺጋኮ ማእከል መጽናዕቲ ኖርክ [NORC] ዘካየዶ ልዕሊ 120 ሽሕ ኣመሪካውያን መረጽቲ ዘሳተፈ ዳህሳስ፡ እዚ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ክልተ ካብ ዓሰርተ ከም ዝነበረ የመልክት።
ካብ 10 እቶም 9 መረጽቲ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ኣዝዩ የተሓሳስቦም።
ካብ 10 እቶም 4 መረጽቲ ድማ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ዘለው ስደተኛታት ናብ ዝመጽእሉ ሃገር ክጥረዙ ኣለዎም ይብሉ።
እዚ ቝጽሪ ኣብ 2020 ኣስታት ሰለስተ እዩ ነይሩ።
ሃሪስ፡ ዋላ’ውን ምምሕዳራ መቐጸልታ በይደን ከም ዘይኸውን ኣብ እተካይዶም ዝነበረት ጐስጓሳት ክትገልጽ እንተፈተነት፡ ኣብ ዙርያ እዞም ዛዕባታት ብዛዕባ ዘለዋ ፖሊሲታት ብግልጺ ከተረድእ ኣይክኣለትን።
ብኻእል ወገን፡ ጐስጓስ ሃሪስ ነቲ ኣብ 2020 ባይደን ክዕወት ዝገበረ ናይ መረጻ መገዲ ዝተኸተለ እዩ ነይሩ።
እዚ ማለት፡ ዕርዲ ዲሞክራት ዝዀና ጸለምቲ ብብዝሒ ዝርከቡለን ግዝኣታት፡ ላቲኖን መንእሰያት መረጽትን ዘተኰረ ነይሩ።
ኣብዘን ወሰንቲ ቦታታት መረጻ ግን ፈሺላ፤ 13 ነጥቢ መረጽቲ ላቲኖ፡ ክልተ ጸለምቲ፡ ሽዱሽተ ድማ ትሕቲ 30 ዓመት መረጽቲ ስኢና።
ሴናተር በርኒ ሳንድረስ፡ ሰልፊ ዲሞክራት “ሸቃላይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ይገድፎ ምህላው ዘደንቕ ኣይኰነን። መጀመርታ ጸዓዱ ሸቃሎ ሕብረተሰብ ገዲፎምዎ፤ ሕጂ ክኣ ላቲኖን ጸለምትን። መሪሕነት ዲሞክራት ነቲ ዝጸንሐ የቐጽል እንተሃለወ’ውን፡ ኣመሪካውያን ግን ተቘጢዖምን ለውጢ ይደልዩን’ዮም ዘለው። ሓቈም ክኣ” ይብል።
መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ደገፈን ንካማላ እንተርኣያ’ውን፡ ጕጅለ ጐስጓስ ካማላ ትጽቢት ዝገበሮ ዓወት ግን ከተምጽእ ኣይከኣለትን።
ዲሞክራት፡ ምስ መሰላት ምንጻል ጥንሲ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብዚ ዙርያ እትገብሮ ትዅረት ዓወት ከኽስባ’ዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎም።
ኣስታት 54 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ መረጽቲ ንካማላ እንተመረጻ’ውን፡ ኣብ 2020፡ 57 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን ንባይደን መሪጸን ነይረን።
ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዘቕንዐ ጐስጓስ
ዓቃቢት ሕጊ ካሊፎርንያ ነበር ሃሪስ፡ ዳግማይ ሓደጋታት ካልኣይ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ንምጕላሕ ታክቲካዊ ውሳነ ወሲዳ፡ ንትራምፕ “ፋሽስት” ኢላ ጸዊዓቶ’ያ።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ሓላፊ ስታፍ ዋይት ሃውስ ዝነበረ ጆን ኬሊ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትራምፕ ንኣዶልፍ ሂትለር ብዝድግፍ መገዲ ተዛሪቡ ይፈልጥ’ዩ ኢሉ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ እያ ሃሪስ ትራምፕ “ዝተረበሸን ዘይርጕእን" እዩ ክትብል ገሊጻቶ።
ገዲም ሪፓብሊካን ፍራንክ ሉንትዝ “ካማላ ሃሪስ ኣብዚ መረጻ ንዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምጥቃዕ ትዅረት ክትገብር ምስ ጀመረት እያ ተሳዒራ። መረጽቲ ብዛዕባ ትራምፕ ዘሎ ኵሉ ይፈልጡ እዮም፤ ካማላ ግን ኣብ ናይ መጀመርታ ሰዓታት፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ቀዳመይቲ ወርሕን ቀዳማይ ዓመትን ምምሕዳራ ብዛዕባ ዝህልው መደባት ዝያዳ ክፈልጡ እዮም ዝደልዩ ነይሮም” ኢሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ሓሳባትካ ምጕላሕ ኣብ ልዕሊ መነሓንሕትኻ ምትኳር ዓቢይ ውድቀት እዩ ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







