መጻኢ'ታ ኣብ መረጻ ዝተሳዕረት ካማላ ሃሪስ እንታይ ክኸውን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, REX/Shutterstock
ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ፡ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ብዶናልድ ትራምፕ ካብ እትስዓር ድሮ ክልተ ወርሒ ኰይኑ።
ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኮንግረንስ ዓወት ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንምጽዳቕ ክእከብ'ዩ።
ካማላ ሃሪስ ድማ፡ከም መጠን ፕረዚደንት ሰነት፡ ንቘጸራ ድምጺ ኮሌጅ መረጻ ክትመርሕ እያ።
ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናብ ዋይት ሃውስ ክኣቱ እዩ።
ስለዚ፡ ቅድሚ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ምምላሱ ንዓወት ብወግዒ ከተጽንዖ እያ።
እቲ ኵነታት ንሓንቲ ንመነሓንሕታ 'ህጹጽ ስግኣት ዲሞክራሲ ኣመሪካ'ዩ' ኢላ ዝነቐፈት ሕጽይቲ፡ መሪርን ከቢድን እዩ።
ተሓጋገዝታ ግን ቅዋማውን ሕጋውን ግቡኣ ብዕቱብነትን ጸጋን ከተካይዶ'ያ ይብሉ።
ሓደ ኣብ መረጻ ዝተስዓረ ሕጹይ ንሓባራዊ ኣኼባ ኮንግረስ መሪሑ ንናይ መነሓንሕቱ ፕረዚደንታዊ መረጽቲ ክቘጽር እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ሪቻርድ ኒክሰን ኣብ 1961፡ ኣል ጎር ኣብ 2001፡ ነቲ ሕስረት ዝመስል ኵነታት ተጻዊሮምዎ'ዮም።
ነታ ነቲ ብዕድመ ዝዓበየ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ምትካእ ክሳብ ተሰካሚት ትእምርቲ ዲሞክራሲ እያ ብዝብል ንላዕሊ ክትድይብ ዝተራእየት ካማላ ሃሪስ ግን፡ ናይ መወዳእታኣ ክኸውን እዩ።
እቲ ንሳ ዘካየደቶ ጐስጓስ መረጻ፡ ሰልፊ ዲሞክራስ ዝነበርዎ ዓሞቕቲ ውሽጣዊ ጌጋታት ቅድሚ ምቅልዖም፡ ነቲ ሰልፊ ተስፋ ዝሃበ ጐስጓስ እያ መሪሓ ነይራ።
ሕጂ፡ ሃሪስን ኣባላት ጋንትኣን ንኻልኣይ ግዜ ኣብ 2028 ንዋይት ሃውስ ትወዳደር'ዶ ወይስ ኣብታ እትነብረላ ግዝኣት ካሊፎርንያ ንዝርከብ ምምሕዳር ይሓይሽ? ዝብሉ ምይይጣት ከካይዱ ጀሚሮም ኣለው።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ መረጻ ዝተስዓሩ ሕጹያት ሰልፊ ዲሞክራት - ኣል ጐር፡ ጆን ኬሪ፡ ሂላሪ ክሊንተን - ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ካብ ምውድዳር ንምንስሓብ ክውስኑ እንከለዉ፡ ተሓጋገዝቲ፡ መሻርኽትን ለገስትን ሃሪስ ግን እቲ ሃሪስ ኣብቲ ዘይተዓወተትሉ ውድድር ገለ መሰረት ዘለዎ ደገፍ ኣሎ'ዩ ክብሉ ይምጕቱ።
እዚ ድማ ናብ ዋይት ሃውስ ክትኣቱ ዘኽእላ ዕድል ከም ዘሎ ዘረጋግጽ'ዩ ይብሉ።
ነዚ፡ ፖለቲካዊ መገዲ ዶናልድ ትራምፕ እንከይተረፈ ብኣብነት የልዕሉ።
ንሱ ኣብ 2016 ከምኡ'ውን 2024 ዝተኻየዱ መረጻታት ክዕወት እንከሎ ኣብቲ ብ2020 ዝተኻየደ መረጻ ከም ዝተስዓረ ይዝከር።
ብዙሓት ዲሞክራታውያን ግን ብዓወት ትራምፕ ንሃሪስ ክነቕፉ'ኳ እንተዘይከኣሉ፡ ገሊኦም - ንስትራተጂ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ሕቶ ዘእተው - ንዋይት ሃውስ ካልኣይ ዕድል ክወሃባ ኣለዎ'ዶ ኣብ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።
ገለ ካብቶም ኣብ 2024 ነታ ምኽትል ፕረዚደንት ደገፎም ዝገለጹ ግን ከኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ህርፋን ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ኣመሓደርቲ ዲሞክራት ብገለ ስትራተጂያውያን ሕጹያት ኰይኖም ብምቕራብ ዝሓሸ ናይ ምዕዋት ዕድል ዘለዎም ኰይኖም ይረኣዩ።
ሃሪስ ንገዛእ ርእሳ ብዛዕባ እዚ ተሃዊኻ ከም ዘይትውስን ይንገር።
ንዅሉ ተኽእሎታት ቅሩብነት ከም ዘለዋ ብምግላጽ ደገፍታን ኣማኸርታን ድሕሪ 20 ጥሪ [ትራምፕ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ዝፍጸመሉ ዕለት] ንውሳነኣ ክጽበዩ ትሓትት።
ሕጂ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ዝወሰደቶም ውሳነታት ትግምግም እያ ዘላ።
ንዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ክኣ ምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይና ክትቅጽል'ያ።
"ዓቢይ ውሳነ'ዩ ዝጽበያ፤ ግን ድማ እዚ ገና ኣብ ኣሰልካዪ ዕዮ እንከለኻ ምውሳን ኣይትኽእልን ኢኻ። ድንጕይ ዝበለ ክኸውን ይኽእል - ግን ክሳብ 20 ጥሪ ኣብቲ ኣሰልካዪ ዕዮ እያ ዘላ" ትብል ኣማኻሪት ጐስጓስ መረጻ ሃሪስ ዝዀነት ዶና ብራዚል።
"ንዝዀነ ሰብ ኣብ ሓደ ሳንዱቕ ከተእትዎ ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ንኣል ጎር ኣብ ሳንዱቕ ኣየእተናዮን፡ ድሕሪ መረጻ 2000 ድማ እታ ሃገር ኣዝያ ከም ዝተኸፋፈለት ርዱእ እዩ ነይሩ" ኢላ።
ዶና፡ ጐስጓስ መረጻ ጎር ከም ዝመርሐት ይዝከር፤ ሽዑ ኣንጻር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ እዩ ተወዳዲሩ።
ድሕሪኡ ጎር፡ ተሓላቒ ከባቢ ኰይኑ እዩ ህይወቱ ኣሕሊፉዎ።
"ኵሎም ኣማራጺታት ኣብ ጠረጴዛ ኣለዉ፤ ምኽንያቱ ናይ ለውጢ ሸውሃት ስለ ዘሎ። ኣብ መጻኢ ድማ ነቲ ለውጢ ክትውክሎ ከም እትኽእል እኣምን።"

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካማላ፡ ኣብቲ ኣብ 2028 ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ ድያ ኣይትሳተፍን ዝብል ግን፡ ካብ ጆ ባይደን ክሳብ ክንደይ ንርእሳ ነጺላ ክትቀርብ እያ ዝብል ወሳኒ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ጐስጓስ መረጻ ነዚ ክትገብር ከም ዘይክኣለት ይፍለጥ።
ኣብቲ ሰልፊ ዘለዉ መሻርኽታ፡ ባይደን ብዛዕባ ዕድመኡ ስክፍታታት'ኳ እንተነበሮም ዳግማይ ኣብቲ መረጻ ንዘይምስታፍ ንኽውስኑ ነዊሕ ግዜ'ዮም ወሲዶም።
እቲ መረጻ ሒደት ኣዋርሕ ክተርፎ እንከሎ ጥራይ ባይደን ኣብቲ መረጻ ከም ዘይወዳደር ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ ንካማላ ሃሪስ ጸልዩዋ እዩ።
ትራምፕ፡ ኣብ ኵለን ወሰንቲ ግዝኣታት መረጻ ኣመሪካ ተዓዊቱ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ዝለዓለ ድምጺ ህዝቢ ዝተዓወተ ፈላሚ ሪፐብሊካን እዩ።
ሃሪስ ኣብቲ መረጻ 75 ሚልዮን ድምጺ ክትረክብ እንከላ፡ ዓወት ትራምፕ ብተዛማዲ ጸቢብ ኣፈላላይ ከም ዝነበሮ ተራእዩ።
እዚ ውጽኢት ደገፍታ ኣብዚ እዋን'ዚ ዕሽሽ ዝብሃል ኣይኰነን ብምባል ሰልፊ ዲሞክራት ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ምስሉ ዳግም ክሃንጽ ኣለዎ ይብሉ።
ብኻልእ ወገን፡ እቶም ንባይደን ዝቐርቡ ሰባት፡ ንትራምፕ ዳግማይ ክስዕሮ ይኽእል ነይሩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ዲሞክራት ኣብ ወሰንቲ ናይ መረጻ ቦታታት ዝረኽቦ ድምጺ እናነከየ ምጽንሑ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።
ሃሪስ፡ ኣብ 2020 ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዘይፈሸለሉ ቦታታት ከም ዝፈሸለት ይፍለጥ፤ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ መረጻ ድምጺ እቶም ቀንዲ ደገፍቲ ዲሞክራት ዝዀኑ ጸለምትን ላቲኖን መረጽቲ ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ኣይተዓወተትን።
ነቐፍቲ ኣብ 2019 ሕጽይቲ ፕረዚደንት ዲሞክራት ንምዃን ዝገበረቶ ጐስጓስ የልዕሉ፤ እዚ ጐስጓስ እዚ ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዘካየደቶ'ዩ ነይሩ።
ሓደ ኣማኻሪ ባይደን ነበር፡ "[ኣብ 2024] ናይ ብሓቂ መባእታዊ መረጻ እንተዝህሉ ነይሩ፡ ሰባት ፈጺማ ሕጽይቲ ከም ዘይነበረት ምረስዑዎ ነይሮም፤ እዚ ኵሉ ሰብ ይፈልጦ'ዩ" ኢሉ።
እዚ ሽሙ ክዕቀብ ዝመረጸ ኣማኻሪ፡ ሃሪስ መሰረት ዴሞክራት ዳግማይ ክትንስእን ንቐንዲ ውድድራት ኮንግረስ ብምሕጋዛን ብምንኣድ፡ እንተዀነ ጐስጓስ ትራምፕ ኣብ ቁጠባን ዶብን ሓዊሱ ኣብ ወሳኒ ጕዳያት ከም ዝስዓራ ገሊጹ።
ኣባላት ጋንታ ትራምፕ ግን፡ ሃሪስ ከም ሕጽይቲ ኣብ ገለ ጕዳያት ካብ ባይደን ዝበለጸ ኣፈጻጽማ ከም ዝነበራ ተኣሚኖም።
ይዅን'ምበር፡ ዝዀነ መባእታዊ ውድድር ዴሞክራት 2028 ከቢድ ንሕንሕ ከም ዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ስለዚ ሃሪስ እንታይ'ያ ክትኸውን?
ከም ኣመሓዳሪት ሚቺጋን ግሬቸን ዊትመር፡ ኣመሓዳሪ ኢሊኖይ ጀይ ቢ ፕሪትዝከርን ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶምን ዝኣመሰሉ ጸለውቲ ከዋኽብቲ ድሮ ንፕረዚደንታዊ ሕጹይነት ይሕመዩ ኣለው።
ገለ ዲሞክራትስ፡ ሃሪስ ምስቲ ዘለዋ ሃገራዊ ተፈላጥነትን ዓሚቝ ተሳትፎ ወለንታውያንን ክትምዘዝ ከም እትኽእል ይገልጹ።
"ኣብ 2026 ንዝካየድ ናይ መፋርቕ ዓመት መረጻ ንምድላው ክትሕግዝ ክትመጽእ ዘይትደልያ ኣየነይቲ ግዝኣት ኣላ? ዳግማይ ንምህናጽ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ኣብ 2024 ንኽድግፋ ዝተኣኻኸበ ጥምረት ንምሕያል ብዙሕ ዕድላት ክህልዋ'ዩ" ትብል ብራዚል።
ካልኦት ድማ ምሉእ ብምሉእ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ወጺኣ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋርድ ኢንስቲትዩት ፖለቲካ ከተቕውም ወይ ፋውንዴሽን ክትመርሕ እያ ይብሉ።
እዛ ላዕለወይቲ ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ነበር ኣብ መጻኢ ምምሕዳር ዲሞክራትስ ንሚኒስትር ጕዳያት ወጻኢ ወይ ዓቃቢት ሕጊ ክትወዳደር ትኽእል እያ።
መጽሓፍ ክትጽሕፍ እንተዀይና'ውን ክትውስን ከድልያ እዩ።
ሃሪስ ንዅሉ ኣማራጺታታ ንክትገብር፡ ንኻልኦት ሰባት ይዅን ኣብቲ ሰልፊ ዘለዋ መሪሕነት ዝርአ ክኸውን ኣለዎ።
ሓደ ኣማኻሪ፡ ካብቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ወጠጥ ወጻኢ ኣብ ሓደ ንዓኣ ዘገድሳ ጕዳይ ዝያዳ ዓለማዊ ተራ ክትጻወት ትኽእል እያ፤ እዚ ግን ከም ምክትል ፕረዚደንትነት ዝኣመሰለ መድረኽ ከይሓዝካ ኣጸጋሚ'ዩ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock
ግዜ ምምሕዳር ባይደንን ሃሪስን የእክል እዩ ዘሎ።
ኣብዚ ግዜ፡ ናብ ብዙሓት ዞባታት ኣህጉራዊ መገሻ ክትገብር መደብ ከም ዘለዋ፡ ነቲ መደባት ዝፈልጥ ምንጪ ገሊጹ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ እቲ ኣካል ምምሕዳር ባይደን ኰይና ዝሰርሓቶ ስርሓት ዘድሃበ ውርሻ ንምህናጽ ዝዓለመ ምዃኑ ይሕብር።
ሃሪስን ጋንታኣን፡ ድሕሪ እቲ መረጻ ዝነበሩ ሰሙናት ሓዘንን ቈራጽነትን ዝተሓዋወሶም ከም ዝዀኑ ይገልጹ።
ሓያሎ ተሓጋገዝቲ፡ ባይደን ካብቲ መረጻ ካብ ዘንሳሕብ ንደሓር ዘለው ሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣተውዎ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ነቲ ጐስጓስ "ካብ ጕድጓድ ኵዒትካ" ምውጻእ ጀሚሩ፡ ካማላ ዋላ'ውን እንተዘይተዓወተት ካብቲ ዝጀመረትሉ እዋን ዝያዳ ጸላዊት ኰይና ክትዛዝም ናይ ምግባር ዕማም ከም ዝነበሮም ገሊጾም።
ድሕሪ እቲ መረጻ፡ ሃሪስን በዓል ቤታ ዳግ ኤምሆፍን፡ ምስ ንእሽቶ ጕጅለ ተሓጋገዝቲ ንሓደ ሰሙን ኣብ ሃዋይ ኣሕሊፎም፤
ኣብኡ ክዛነዩን ብዛዕባ መጻኢኣ ክዛተዩን ጸኒሖም።
ቅድሚ በዓል ልደት ኣብ መንበሪ ገዛኣ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰራሕተኛታት በዓል ድግስ፡ ሃሪስ ነታ ናይ መረጻ ምሸት ኣልዒላ ተዛሪባ።
"ናይ ሓዘን ድግስ ኣይኰንናን ንገብርን ዘለና!"ኢላ።
ኣማኸርትን መሻርኽታን እቲ ኣብ መረጻ ዘጋጠሞም ነገር ገና ሕጂ'ውን የሰላስሉዎ እዮም ዘለው።
ንገለ ለገስትን ደገፍትን፡ ኣብ 2026 ኣመሓዳሪት ካሊፎርንያ ንምዃን ክትወዳደር ይደልዩ።
ሽዑ፡ ጋቪን ካብ ስልጣኑ ክወርድን ናይ ገዛእ ርእሱ ድሌታት ዋይት ሃውስ ከዕብን ከም ዝኽእል እውን ይልጹ።
ኣብ ካሊዶርኒያ፡ ሰለስተ ግዜ ዓቃቢት ሕጊ ድሒራ ድማ ሰናተር ኰይና ተዓዊታ እያ።
ኣመሓዳሪት ኰይና ምዕዋት ግን ካልእ ታሪኻዊ ክብሪ ክጐናጽፋ'ዩ - ፈላሚት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት ክትከውን ትኽእል።
ብሕታዊ ጽላት ካልእ ኣማራጺ'ዩ።
"ኣብ ካልእ ደረጃታት ቤት ጽሕፈት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ መረጻ ክስዓራ እንከለዋ፡ ሓሓሊፉ፡ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸር እንከሎ፡ ከምቲ ኣብ ትካል ሕጊ ወይ ዓውዲ መድሕን ዝተጣጥሐ ኣማራጺታት ኣይረኽባን። እዚ ድማ ንግዚኡ ደው ኣቢለን ገለ ገንዘብ ምስ ረኸባ ብዛዕባ ዝቕጽል ውሳነታት ይወስዳ" ትብል ዳይረክተር ማእከል ደቂ ኣንስትዮን ፖለቲካን ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ሩትገርስ ደቢ ዋልሽ።
ወሲኻ፡ "እዚ ንካማላ ሃሪስ ጸገም ዝኸውን ኣይመስለንን። እቶም መዓጹ ክኽፈቱ እንተደልያ ክኽፈቱላ'ዮም" ኢላ።
ን20 ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነታት ዝጸንሐትን ዓቃቢት ሕጊ ኰይና ንዝሰርሐትን ሃሪስ ግን፡ ድሕሪ ሕጂ ኣመሓዳሪት ምዃን እቲ ዝበለጸ ዝሰማምዓ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓደ ኣማኻሪ ነበር "ኣብ መላእ ናይ ስራሕ ዘመንካ ሓደ ዓሚል እንተነይሩካ - ህዝቢ - ካብዚ ናበይ ኢኻ ክትኸይድ?" ይብል ሓደ ኣማኻሪ ነበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







