ቀይሕ ባሕሪ፡ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተወቕዐት መርከብ ብሪጣንያ ኣብ ከመይ ኵነታት ኣላ?

ክፋላ ዝጠሓለ መርከብ
መግለጺ ስእሊ, ቢቢሲ ብረቡዕ ዝረኸቦ ምስሊ ዳሕረዋይ ክፋላ ናብ ማይ ኣትዩ እትንሳፈፍ መርከብ የርኢ

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ ብብሪጣንያ ዝተመዝገበት መርከብ ጉድኣት ከምዝወረዳ፡ እንተዀነ ከምዘይጠሓለት ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣረጋጊጹ።

ብሰኑይ ዕጡቓት ሑቲ ነታ ሩቢማር ዝተባህለት መርከብ ከምዘጥሓልዋ ገሊጾም ነይሮም። እታ መርከብ እንተትጥሕል ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ሕዳር ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃቲ ካብ ዝጅምሩ ዘስዐቡዎ ዝለዓለ ክሳራ ምዀነ ነይሩ።

ቢቢሲ ብረቡዕ ዝረኸቦም ምስልታት ሳትላይት ግን እታ መርከብ ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ማይ ከምዘላ ዘርእዩ እዮም።

ዋና እታ መርከብ ድማ፡ ሩቢማር ናብ ጅቡቲ ትጉተት ከምዘላን እንተዀነ ክትጥሕል ከምእትኽእልን ኣፍሊጡ።

ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይፍጸመን ኣሎ። ዋላ'ኳ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ትሕዝቶታት ዕጡቓት ሑቲ ዘካይዳኦ መጥቃዕቲ እንተቐጸላ፡ ንመጥቃቲ ሑቲ ግን ደው ከብላኦ ከምዘይኣላ መጽናዕቲ ቢቢሲ የመላኽት።

ሩቢማር ብሰኑይ ኣብ ጥቓ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ እያ ብሚሳይል ተወቒዓ።

ዋና እታ መርከብ ብሉ ፍሊት ግሩፕ፡ ኣብ ጥቓ ክፍሊ ሞተር ዝርከብ ጐድኒ እታ መርከብ ብሓደ ሚሳይል ከምዝተወቕዐ ይገልጽ። ካልእ ሚሳይል ድማ ንዝባን እታ መርከብ ወቒዑ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ገዲፎምዋ ናብ ጅቡቲ ግዒዞም፤ ወሃቢ ቃል ሑቲ ኸኣ እታ መርከብ ኣብቲ መዓልቲ ከምዝጠሓለት ገሊጹ ነይሩ።

ቢቢሲ ክልተ ምስልታት እታ መርከብ ረኺቡ ኣሎ፤ እቲ ናይ ሰሉስ ከምዝኾነ ዝእመን ቀዳማይ ስእሊ፡ እታ መርከብ ኣብ ልዕሊ ማይ ትንሳፈፍ ምንባራ የርኢ፤ ዳሕረዋይ ክፋላ እምበር ምሉእ ብምሉእ ኣይጠሓለትን።

ዋላ'ኳ ስም እታ መርከብ ዘይረኣይ እንተዀነ፡ እቲ ዝርአ ቅርጽታታ ግን ምስ ሩቢማር ዝመሳሰል እዩ።

ብክፋል ዝጠሓለት መርከብ
መግለጺ ስእሊ, ብሰሉስ ዝተወሰደ ምስሊ እታ መርከብ ዳሕራዋይ ክፋላ (ስተርን) ናብ ማይ ኣትዩ የርኢ

ቢቢሲ ብረቡዕ ዝረኸቦ ኣብ መጀመርታ እዚ ገጽ ዝርከብ ካልእ ምስሊ ድማ፡ ናይታ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዘላ ሓንቲ ዓይነት መርከብ፡ ዳሕረዋይ ክፋላ ናብ ማይ ኣትዩ፣ ግን ሕጂ እውን ትንሳፈፍ ከምዘላ ዘርኢ እዩ።

ብሰሉስ ዝተረኸበ ምስሊ ሳትላይት እውን እታ መርከብ ጉድኣት ከምዝወረዳ፣ እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ማይ ከምዘላ ዘርኢ እዩ። ኵሉ መለክዒታታ ድማ ምስ ሩቢማር ዝመሳሰል እዩ።

ጉድኣት ዝበጸሓ መርከብ

ምንጪ ስእሊ, PLANET LABS PBC

ዋናታት እታ መርከብ እውን ናብ ጅቡቲ ክጐትዋ ይፈትኑ ከምዘለዉ ምንጪታት ቢቢሲ ገሊጾም።

ብሰንኪ ዝወረዳ ጉድኣት ምሉእ ብምሉእ ክትድሕን እትኽእል እንተዀይና ግን ኣይተፈለጠን።

በዚ መሰረት፡ እታ መርከብ ከምዝጠሓለት ዝገልጽ ብሰኑይ ዝወጸ መግለጺ ሑቲ ግጉይ ይመስል።

እቲ ጕጅለ ኣብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንፍልስጤማውያን ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲታት ይፍጽም ከምዘሎ ይገልጽ።

እዞም መጥቃዕቲታት ብዙሓት ትካላት ንግዲ መርከብ በቲ 12 ሚእታዊት ምንቅስቓስ ንግዲ ባሕሪ ዓለም ዝሓልፈሉ መስመር ከይጓዓዛ ይገብሩ ኣለዉ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ምዕራባዊ የመን ኣብ ዝርከቡ ትሕዝቶታት ሑቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ግብረመልሳዊ መጥቃቲታት ከካይዳ ምጅማረን ዝፍለጥ እዩ።