ኣመሪካ ንፈለማ ግዜ ንነበርቲ ቓዛ ካብ ኣየር ብፓራሹት ሓገዝ ሂባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካ፡ ብሰለስተ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኣቢላ ንልዕሊ 30 ሽሕ መግቢ ብፓራሹት ካብ ኣየር ንፈለማ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቃዛ ከምዘብጽሐት ኣፍሊጣ።
እዚ ምስ ሓይሊ ኣየር ዮርዳኖስ ብምትሕብባር ዝካየድ ዘሎ ደገፍ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንቓዛውያን ንምሕጋዝ ቃል ምእታዉ ስዒቡ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ብሓሙስ ካብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ሓገዝ ክረኽቡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን 112 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም እዩ፡ እቲ ሓገዝ ከሐይሎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
እቲ ደገፍ ብኣየር ናብ ቓዛ ዝተላእከ ድማ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ናይ ምባል መደብ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
እቲ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ነቲ ሓድሽ ተዅሲ ደው ምባል "ይንኣስ ይዕበ ተቐቢላቶ" ክብል ገሊጹ።
"ሓማስ ንሕሙማት፣ ውጉኣት፣ ኣረጋውያንን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ተቓላዕቲ ጅሆታት ንምፍታሕ እንተተሰማሚዑ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ቃዛ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ተግባራዊ ክኸውን'ዩ" ክብል እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
እቶም መንጐኛታት ሎሚ ሰንበት ኣብ ካይሮ ክራኸቡ እዮም። ሰበስልጣን ግብጺ፡ ልኡኻት ሓማስን እስራኤልን ናብቲ ዝርርብ ክመጹ ትጽቢት ይግበር።
ሓደ በዓል ስልጣን ኣብ ዙርያ እቲ ስምምዕ ዝርከቡ ገለ ቴክኒካዊ ጉዳያት ገና ክፍታሕ ከምዘለዎም ገሊጹ።
እስራኤል ብሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆታት ንምልዋጥ ገለ ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ እያ።
ትማሊ ቀዳም፡ C-130 ዝዓይነተን ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ልዕሊ 30 ሽሕ ኣቑሑት መግቢ ካብ ኣየር ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ከምዘውደቓ ማእከላይ ትእዛዝ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
"እዚ ብኣየር ዝግበር ሓገዝ፡ ናይቲ ናብ ቃዛ ዝሓገዝ ንምእታው ዝግበር ቀጻሊ ጻዕርታት ኣካል'ዩ፡ እዚ ድማ ዋሕዚ ሓገዝ ብመኪና ንምስፋሕ ዝፍተን ዘሎ ፃዕሪ ሓዊሱ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ዓባይ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳይ፣ ግብፂን ዮርዳኖስን ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት እውን ብተመሳሳሊ ናብ ቃዛ ሓገዝ ዘብፅሓ እኳ እንተኾና፣ እዚ ግን ብኣመሪካ ብኣየር ዝተገብረ ሓገዝ ግን ፈላማይ እዩ።
ሰበስልጣን ምምሕዳር ኣመሪካ "እቲ ብሓሙስ ዘጋጠመ መሕዘኒ ፍፃመ፡ ነቲ መስካሕኽሒ ሰብኣዊ ኩነታት ደው ንምባል፡ ናብ ቃዛ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ምስፋሕን ቀጻልነትን ኣገዳስነቱ ዘጉልሕ'ዩ" ኢሎም።
እንተዀነ፡ ትካላት ረድኤት፡ እቲ ብ ኣየር ዝበፅሕ ረድኤት ብመንጽር እቲ ንዝተጸገሙ ቃዛውያን ደገፍ እኹልን ዘተኣማምንን ከምዘይኮነ ይገልጻ።
ነባሪት ከተማ ቃዛ ዝኾነት መድሃት ታሄር ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓገዝ እኹል ምላሽ ከምዘይኮነ ሓቢራ።
“እዚ ን10 ሽሕ ህዝቢ ይኣክል ድዩ? ካብ ብፓራሹት ካብ ኣየር- ብዶብ ኣቡልካ ሓገዝ ምልኣኽ ይሓይሽ” ኢሉ።
ፕረዚደንት ባይደን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፡ "እስራኤል ህዝቢ ቃዛ ዘድልዮ ሓገዝ ንኽረክብ ዝያዳ ናይ ጽዕነት መካይንን ንክሓልፋ መገድታት ክትከፍት ኣመሪካ ትላቦ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







