ረድኤት ንምውሳድ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ብዝተፈጸመ ተዅሲ ልዕሊ 100 ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, ISRAEL DEFENSE FORCES
ረድኤት ንምውሳድ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ብዝተፈጸመ ተዅሲ ብውሕዱ 112 ፍሊስጤማውያን ከም ዝተቐተሉን 760 ከም ዝተሃረሙን ተገሊጹ።
እቲ ደብዳብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቓዛ ረድኤት ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ኣብ ዝነበራኦ፡ ረድኤት ንምውሳድ ዑጉግ ኣብ ልዕሊ ዝበሉ ፍልስጤማውያን ከም ዝተፈጸመ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።
ወተሃደራት እስራኤል መፈራርሒ ጥይት ከምዝተኮሱ ብምእማን ናብተን ቃፍላይ ገጾም ግን ከም ዘይተኰሱ ክገልጹ እንከለዉ፡ ገለ ፍልስጤማውያን ግን ወተሃደራት እስራኤል ብርእዮ ናብቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ይትኵሱ ከም ዝነበሩ ሓቢሮም።
ሓደ ፍልስጤማዊ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡መራሕቲ መካይን ካብቲ ዝነበረ ደብዳብ ንምህዳም ኣብ ዝፈተንሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ብጠያይት ተሃሪሞም ወዲቘም ዝነበሩ ሓደጋ ከም ዘውረዳ ኣብሪሁ።
ብእስራኤል ካብ ሰማይ ዝተሳአለ ስእሊ ኣማኢት ሰባት ኣብ ከባቢ እተን ረድኤት ጽዒነና ዝነበራ መካይን ዕጉግ ኢሎም እንከለዉ የርኢ።
ድሕሪ እቲ ደብዳብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ከኣ ሬሳታት ናብተን ጽዒነናኦ ዝነበራ ረድኤት ተወሲዱ ጥራየን ዝነበራ መካይን ማእለያ ዘይብሉ ሬሳ ተደርዲሩ እንከሎን ገለ ከኣ ንሬሳታት ብዓረብያ ገይሮም ካብቲ ቦታ እናወሰድዎ እንከለዉ ዘርኢ’ዩ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቍጽሪ ምውታት 112 ከምዝኾነን ብተወሳኺ 760 ከም ዝተወግኡን ብምግላጽ እቲ ክስተት “ጃምላዊ ቕትለት” ብምባል ገሊጽዎ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ክስተት ንምዝታይ ዕጹው ኣኼባ መዲቡ ኣሎ።
ፈረንሳ “ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ መግቢ ንምውሳድ ዝተኣከቡ ሰላማውያን ሰባት ብጥይት ሰብ ክቐትሉ ዘይርትዓዊ’ዩ” ክትብል እንከላ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እዚ ተግባር ነቲ ኣሸማገልቲ ንሓማስን ንእስራኤል ንምሽምጋል ክገብርዎ ዝጸንሑ ተበግሶ ዝሓላልኽ’ዩ ኢሉ።
ትካል ወሃቢ ረድኤት ኤምኤስኤፍ ብወገኑ እቲ ተግባር “ዘርዕድ’ዩ” ብምባል ቅልጡፍን ቀጻልነት ዘለዎን ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ጸዊዑ።
እቲ ቅትለት፡ ሚኒስትር ጥዕና ቃዛ ኲናት ካብ ዝጅመር ቍጽሪ ምውታት 21 ሽሕ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ብጠቕላላ ልዕሊ 30 ሽሕ በጺሑ ኢሉ ቅድሚ ምሕባሩ ኣብ ዝነበራ ሰዓታት’ዩ ተፈጺሙ።
እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ብተወሳኺ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅመር ኣስታት 7 ሽሕ ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ከም ዘሎን 70 ሽሕን 450 ከኣ ተወጊኦም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ውሑድ መግቢ ጥራይ ይረኽቡ ከም ዘለዉ ብምሕባር፡ ኣብቲ ቦታ ዓጸቦ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1200 ብምቕታል 253 ጅሆ ምስሓዙ’ያ እስራኤል ንሓማስ ጥቕሊላ ንምጥፋእ ከም ዝተላዓለት ብምግላጽ መጠነ ሰፊሕ ደብዳባት ኣብ ልዕሊ ቓዛ ተካይድ ዘላ።
እቲ ናይ ትማሊ ክስተት ንግሆ ንሰዓት ሓሙሽተ ርብዒ ጎደል’ዩ ኣጋጢሙ።
እተን ኣስታት 30 መካይን ካብ ግብጺ ዝተለገሰ ረድኤት ጽዒነን ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን በቲ ሰራዊት እስራኤል መተሓላለፊ ረድኤት ኢሉ ዝኣወጆ መስመር እናኸዳ እንከለዋ’የን ብሰላማውያን ሰባት ተኸቢበን፤ ገለ’ውን ናብ ልዕሊ እተን መካይን ክድይቡ ተራእዮም።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ሪር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ “ገለ ናብተን መካይን ዝደየቡ ሰባት ነቲ ረድኤት ንምስራቕ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተግባራት ይፍጽሙ ነይሮም” ድሕሪ ምባል፡ “ብሰኪ'ዚ ካብ ግምት ወጻኢ ዝዀነ ክስተት ዓሰርተታት ቃዛውያን ሞይቶምን ቆሲሎምን” ኢሉ።
እቲ ወሃቢ ቃል ኣተሓሒዙ ታንክታት እስራኤል፡ “ነቲ ዝነበረ ዕግርግር ንምብታን ውሑድ ናይ መፈራርሒ ተዅሲ'ኳ እንተዀነ እቶም ኣማኢት ዝነበሩ ሰባት ኣሽሓት ኮይኖም ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ ምስ ኮነ ናብ ድሕሪት ገጸን ኣንሳሒበን” ኢሉ።
“ዝዀነ ሰራዊት እስራኤል ናብተን ረድኤት ዝጽዓና ቃፍላይ ገጹ ኣይተኰሰን” ብምባል ሰራዊት እስራኤል ነተን ረድኤት ጽዒነን ዝነበራ መካይን ናብቲ ዝተመደበኦ ቦታ ንኽበጽሓ ይሕግዝ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ካልእ ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል’ውን እቶም ናብተን ረድኤት ጽዒነን ዝነበራ መካይን ዝተጸግዑ ሰባት፡ ንመጠንቀቕታ ሰራዊት እስራኤል ዕሽሽ ብምባል ናብቲ ሰራዊት ገጾም ምስ ተጸግዑ እቲ ሰራዊት ናብኦም ገጹ ብምትኳስ ውሱን ግብረ መልሲ ከም ዝሃበ ሓቢሩ።
ሓማስ፡ ነቲ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጥይት ኣይተኰስኩን ዝበሎ ብምንጻግ፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጥይት እናተኮሱ ዘርኢ ዝርከቦም ክከሓድ ዘይክእል መርትዖታት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ኣማኢት ካብቶም ዝተሃረሙ ናብ ሆስፒታል ኣልሺፋ ከም ዝተወሰዱን ኣብቲ ኣቐዲሙ’ውን ብሕጽረት ናውቲ ሕክምና ተጠቒዑ ዝጸንሐ ሕክምና ተወሳኺ ጸቅጢ ፈጢሩ ከም ዘሎን ቍጽሪ ምውታት ካብዚ ተባሂልዎ ዘሎ ኣዝዩ ክውስኽ ከም ዝኽእልን ተሓቢሩ ኣሎ።
ፕረዚደንት መንግስቲ ፍሊስጤም ማሕሙድ ዓባስ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት “ጃምላዊ ጨፍጫፍ” ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ክስተት ብምኹናን “ብቅጽበት ኲናት ደው ክብልን ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑን” ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







