ኣብ ቃዛ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 30 ሽሕ በጺሑ

ካብቶም ዝተቐትሉ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብቶም ዝተቐትሉ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም

ግጭት እስራኤል-ቃዛ ኣብ 7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 30 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ዞባ ኣፍሊጡ።

እዚ ዘስካሕክሕ ቁጽሪ ኣሃዝ ማለት ኣስታት 1.3 ሚእታዊት ካብቲ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ናይቲ ግዝኣት'እዩ።

እቲ ሚኒስትሪ ከምዝሕብሮ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።

ይኹን እምበር እቲ ኣሃዝ፡ ሞት ሰላማውያንን ዕጡቓትን ኣብ ምፍላይ ንጹር ኣይኰነን።

እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መዓልታዊ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 81 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ጠቕላላ ቁጽሪ ሞት 30,035 ከምዝበጽሐን እዩ ኣመልኪቱ።

እዚ ሓበሬታ ግን ነቶም ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ህንጻታት ዝጠፍኡን ኣብ ሆስፒታላት ከይበጽሑ ዝሞቱን ስለዘየጠቓልል፡ እቲ ጭቡጥ ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ልዕሊ 70 ሽሕ ዝቖሰሉ ሰባት ከምዝመዝገበ ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ የመልክቱ። እዚ ሓበሬታ'ዚ ብትካላት ሕቡራት ሃገራት ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ዝተጠቐሰ እዩ።

ምስቲ ሚኒስትሪ "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምትሕብባር" ከምዘለዎ ዝገለጸ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ "ኣብ ምእካብ/ምትንታን መረዳእታ ጽቡቕ ዓቕሚ" ከምዘለዎ ጠቒሱ። ቅድሚ ሕዚ ዘቕረቦ ጸብጻብ ድማ፡ ብትካል ሕቡራት ሃገራት ተኣማንነት ከምዘለዎ ተነጊሩ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ "ቁጽሪ ሲቪላት እናወሰኸ ይኸይድን፡ ዝለዓለ ብዝሒ ሞት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዘሎ ብንጹር ዘርኢ'ዩ" ይብል።

ብዛዕባ ቁጽሪ ሞት ሰላማውያንን ዕጡቓትን ዝተሓተተ ሰራዊት እስራኤል፡ "ብዝሒ ዝተቐትሉ ኣሸበርቲ ኣስታት 10 ሽሕ ምዃኑ" ጥራይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሞት ፍልስጤማውያን ብወግዒ ንኽምዝገብ፡ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ወይ ሰራሕተኛታት ሕክምና ነቲ ሬሳ ርእዮም ከረጋግጹ ኣለዎም።

ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ሆስፒታላት ዝርዝር ናይ ኩሎም ጉድኣትን ሞትን ኣብ ዝፈልጥሉ እዋን ኣስማት፡ ቁጽሪ መንነት፡ ዕለት መጉዳእቲ ወይ ሞት፡ ከምኡ'ውን ዝርዝር መጉዳእቲን ኵነታትን ናብ ማእከላይ ስርዓተ ምምሕዳር ይልእኻ እየን።

ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም እውን ዝርዝር ሓበሬታ የበርክት እዩ።

ኣብዚ ኲናት ምዕልቕላቕ መካነ ሬሳታት፡ ኣብ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ኣብ ከባቢኡን ዝግበር ውግእ ከምኡ’ውን ድኹም ምትእስሳር ኢንተርነትን ቴለፎንን ስለዘሎ፡ ጭቡጥ ኣሃዛት ንምሕባር ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይርከብ።

ይኹን እምበር፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዕርቂ እንተተገይሩ ወይ እውን እቲ ኲናት እንተተዛዚሙ፡ ሬሳታትን ነቶም ዝጠፍኡን ንምድላይ ጻዕሪ ክግበር ስለዝኽእል ዕጡቓት ሓዊሱ ብዝሒ ዝተቐትሉ ሰባት ዝያዳ ብንጹር ክፍለጥ ይኽእል እዩ።

ሕቡራት ሃገራትን ተጣበቕቲ መሰላትን፡ ከምኡ’ውን ሰራዊት እስራኤል፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መርመራታት ከካይዱ እውን ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ልዕሊ እቶም ዝቐረቡ ኣሃዛት ዝቐርብ ነቐፌታ ኣሎ። እቶም ፍልስጤማውያን ብኸመይ ከምዝተቐትሉ ኣይገልጹን።

እዚ ማለት ጠንቂ ሞት፡ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ድዩ ወይስ ደብዳብ መዳፍዕ ወይ ድማ ካልእ ከም ብዘይግቡእ ዝተተኮሱ ሮኬታት ፍልስጤም ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን'ዚ ኩሎም ዝሞቱ ሰባት ከም ግዳያት "ወራር እስራኤል" እዮም ዝቑጸሩ ዘለዉ።

ቁጽሪ ዝሞቱ ኣስታት 1.3 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ናይቲ ግዝኣት ይኸውን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቁጽሪ ዝሞቱ ኣስታት 1.3 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ናይቲ ግዝኣት ይኸውን

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ምምሕዳር ቓ`ዛ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም "ተዘዋዋሪ ሞት" ዝብሎም ጉዳያት ከምዘለዉ ኣጉሊሑ'ዩ።

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቃዛ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት ማይን መግቢን ሽዱሽተ ህጻናት ከምዝሞቱ ገሊጹ ነይሩ።

እቶም ክልተ ኣብ ከተማ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልሺፋ እቶም ኣርባዕተ ድማ ኣብ ከተማ ቤት ላህያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከማል ኣድዋን ከምዝነበሩ ተገሊጹ።

ርብዒ ህዝቢ ቃዛ ሕዚ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ከምዘሎ ዝገለጸ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ሓፈሻዊ ሕጽረት መድሃኒትን ሕክምናዊ ክንክንን ተላባዒ ሕማማት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ኣጠንቂቑ ኣሎ።