ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል 'ዝኸፍአ ሓደጋ' ኣብፂሑ

ናስር ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, ugc

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ፡ 'ሓያሎ' ጥርጡራት ራዕዲ ተኣሲሮምሉ ኣለዉ ኢላ ኣብ ዝኣመነትሉ ሆስፒታል ዘካየደቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ብሰራዊት እስራኤል ዝተወስደ ስጉምቲ ሰራሕተኛታትን ሕሙማትን ካብቲ ሆስፒታል ክወጹ ተገዲዶም።

ዳይረክተር ሆስፒታል ናስር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዘሎ ኩነታት "ዘስካሕክሕን ሓደገኛን" ክብል ገሊጹዎ።

ዳይሬክተር ናሂድ ኣቡ ተማም፡ ኣብቲ ሆስፒታል ከበባ ከምዝነበረን፡ ንሓያሎ ሰዓታት ዝቐጸለ ከቢድ ነትጚታት ከምዝተፈጸመን ገሊጹ።

እቲ ዳይረክተር ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ሆስፒታል ዝነበሩ ሕሙማት ብኸቢድ ከምዝተጎድኡን ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ መስቀልን ሓገዝ ክገብሩሎም ይምሕፀኑ ከምዘለዉን ገሊጹ።

ናስር፡ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ ውሑዳት ሆስፒታላት ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ሓማስን ሰራዊት እስራኤልን ንመዓልታት ከቢድ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታ እዩ።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሪየር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ ከምዝበሎ፣ ካብቶም ብሰራዊት እስራኤል ዝተኣሰሩ ዕጡቓት ሓደ መራሒ ኣምቡላንስ ሓማስን፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተሳተፈን ኣባል ግንባር ሓርነት ፍልስጤምን ይርከብዎም።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ ካብቶም ዝተማረኹ ዕጡቓትን ዝተፈትሑ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩን ምስክርነት፡ እቶም ጅሆታት ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝነበሩ ዘመልክት ምዃኑ ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተኾነ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ዝተሳተፈ ፍሉይ ሓይሊ እስራኤል ብዛዕባ እቶም ዝተጨውዩ እስራኤላውያን ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይረኸቡን እቲ ፍተሻ ይቕጽል ከምዘሎን ገሊፁ።

እቲ ወሃቢ ቃል ነዚ ርእይቶ ዝሃበ፡ ሰራሕተኛታት ሕክምና ኣብቲ ወራር ዝተኻየደሉ ሆስፒታል ብትክን ሓመድን ዝተሸፈነ ኮሪደር ኣቢሎም ሕሙማት ብስትሬቸር ተሰኪሞም ክጓየዩ ዘርኢ ቪድዮ፡ ቢቢሲ ምስ ረኸበ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት'ዩ።

እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ዓሪዱሉ ዝበለቶ፡ ኣብ ካን ዩኒስ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር "ልክዕን ውሱንን" ስርሒት ከም እተካይድ ገሊጻ ነይራ።

ሓማስ ነዚ ኣይቕበሎን፤ ነቲ እስራኤል ኣብቲ ወፍሪ ረኺበዮ እትብሎ ዓወት ድማ ነጺግዎ።

እስራኤል ትማሊ ሓሙስ ዘካየደቶ ስርሒት፣ ሓይልታት እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኣሽሓት ተመዛበልቲ ካብቲ ቦታ ክወጹ ድሕሪ ምእዛዞም እዩ ጀሚሩ።

ሰራሕተኛታትን ሕሙማትን ሆስፒታል ናስር ክወጹ ከምዘይግደዱን ንሕሙማት ሕክምናኦም ከምዝቕጽሉን እቲ ሰራዊት ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ጋዛ ዶክተር ኣሽራፍ ኣል ኳድራ እዚ ሓሶት እዩ ኢሎም። ንሱ፡ ሰራዊት እስራኤል ነቶም ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ካብቲ ሆስፒታል ክወጹ ዘገደዶም፡ ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ዘለዉ ሕሙማት ብዘይ ሕክምና ምእንታን ክተርፉ ምኳኑ ገሊጹ።

ካብቲ ከባቢ ክወጹ ዝተኣዘዙ ሰባት፡ ዋላ እንተወጹ ንመጥቃዕቲ ቦምባ ከምዝተቓልዑን፡ ዶብ-ኣልቦ-ሓካይም ገሊፁ።

እስራኤል፡ ዕጡቓት ሓማስ ናብ ግዝኣታ ብምእታው፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት ዝኾኑ 1200 ሰባት ምቕታሎምን 253 ጅሆ ድሕሪ ምትሓዞምን እያ ሕነ ትፈዲ ኣላ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ብዘካየደቶ ዘይሕለል መጥቃዕቲ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ልዕሊ 28,600 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።