ነታንያሁ ምሕጽንታ ማሕበረሰብ ዓለም ብምንጻግ ንራፋህ ምጥቃዕ ከምዝቕፅል ተሓንዩ

ዝተፈናቐሉ ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ሰሙን ኣብ ራፋህ ምግቢ ንምቕባል ተሰሊፉ ዝነበረት ህጻን

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርበሉ ዘሎ ምሕጽንታ ብምንጻግ ሰራዊቱ ናብ ከተማ ራፋህ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።

እቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወፍሪ ዘብጸሖ ዘሎ ሰብኣዊ ዕንወት “ዝጽወር ኣይኮነን” ዝብል ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ካብቶም ሰራዊት እስራኤል ኣብ ራፋህ መጥቃዕቲ ከይፍጽም ንነታንያሁ ዘጠንቅቑ ዘለዉ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ግን ሰራዊቱ ኣብ ራፋህ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ክዳለዉ ኣዚዙ ኣሎ።

ኣስታት 1.4 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ኣብታ ዛጊት እትድብደብ ዘላ ራፋህ ተዓቚቦም ኣለዉ።

ነታንያሁ እቲ ንቓዛ ዝቆጻጸር ዕጡቕ ጉጅለ ካብታ ደቡባዊት ከተማ ክውገድ ኣለዎ ብምባል “ከቢድ” መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ምዃኖም ተመባጺዑ'ሎ።

“ክሳብ ሙሉእ ዓወት ክንዋጋእ ኢና፤ እዚ ሰላማውያን ሰባት ካብ ናይ ኲናት ዞባ ክግዕዙ ምስገበርና ኣብ ራፋህ እውን ከቢድ ስጉምቲ ምውሳድ ዝሓውስ እዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ማክሮን እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወፍሪ “ደው ክብል ኣለዎ” ንምባል ብረቡዕ ናብ ነታንያሁ ደዊሉ ነይሩ።

ንሱ “ነቲ ዛጊት ዘይተርኣየ ሰብዓዊ ዕንወት ጥራሕ ከስዕብ ዝኽእል እስራኤል ኣብ ራፋህ እተካይዶ መጥቃዕቲ፡ ፈረንሳ ብብርቱዕ ትቃወሞ” ክብል ገሊጹሉ።

መራሕቲ ኣወስትራልያ፣ ካናዳን ኒውዚላንድን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ ብተመሳሳሊ ኣብ ራፋህ ዝካየድ ወታሃደራዊ ወፍሪ ከቢድ “ዕንወት” ከውርድ ከምዝኽእል ብምግላጽ “ከምዝተሻቐሉ” ኣፍሊጦም።

“መንግስቲ እስራኤል በዚ መንገዲ ከይኸይድ ንምሕጸን” ዝብል እቲ መግለጺ ዝተጋፈሐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዘውርዶ ዕንወት ከቢድ ከምዝኾነ ይሕብር።

ኣብ እስራኤል ምብጻሕ እተካይድ ዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናሌና ቤርቦክ እውን እቶም ኣብ ራፋህ ተዓቚቦም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ክሃድሙሉ ዝኽእሉ ቦታ የለን ኢላ።

ስጳኛን ኤርላንድን፡ ኣባላት ዝኮናሉ ሕብረት ኣውሮጳ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሓላፍነታ ትዋጻእ ምህላዋ “ብቕልጡፍ” ክምርምር ሓቲተን።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስተሪ ጥዕና ቓዛ፡ እስራኤል ወታሃደራዊ ወፍሪ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም 28,576 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐተሉ ይገልጽ።

ዕጡቓት ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ናብ እስራኤል ብምእታው ብውሑድ 1200 ሰባት ብምቕታል 253 ሰባት ጅሆ ድሕሪ ምውሳዶም እያ እስራኤል ኣብ ቓዛ ወታሃደራዊ ስርሒት ጀሚራ።

ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት፡ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ መጥቃዕቲ ዝጀመረት እስራኤል ነበርቲ ናብ ደቡባዊ ቓዛ ክግዕዙ ኣዚዛ ነይራ።

ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዝርከብ ከባቢ ራፋህ ምስ ግብጺ ዝዋሰን ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትወሉ ዝተፈቐደ ከባቢ እዩ።

ኣብዚ እዋን ሰብ መዚ እስራኤል እቶም ነበርቲ ናብቲ “ሰብኣዊ ዞባ” ክብሉ ዝገለጽዎ ኣብ ጥቓ ገምገም ማእከላይ ባሕሪ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ከባቢታት ክግዕዙ ይደልዩዎም።

ካብቶም ኣብ ራፋህ ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ሓንቲ፡ ኣህላም ኣቡ ኣሲ፡ ምግቢ ናብ ዘይርከቦ ከባቢ ካብ ምኻድ ኣብቲ ዘላቶ “ክትመውት ከምእትመርጽ’ ንኤኤፍፒ ገሊጻ። ንሳ ኣብ ከተማ ቓዛ ዘለዉ ኣዝማዳ ብጥምየት ይሳቐዩ ከምዘለዉ እያ ትዛረብ።

“ወደይን ደቁን ዝበልዕዎ ነገር የብሎምን፤ ንእሽቶ ሩዝ እናሰርሑ እዩ ንቐጻሊ መሕደሪ ትንፋስ ዘጽንሑ” ኢላ።

ካልእ ከተማ ክሃን ዮኒስ፡ ዛጊት ወታሃደራዊት ስርሒት እስራኤል ኮይና ዝጸንሐት ከተማ እያ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተፈናቐልቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ሆስፒታል ናስር ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ሕጂ ግን ብሰብ መዚ እስራኤል ክግዕዙ ተኣዚዞም ኣለዉ።

ነታንያሁ፡ ብሰብመዚ ኣመሪካ፣ እስራኤል፣ ግብጽን ቀጠርን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ምስፈሸለ እዩ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽል ተሓንዩ ዘሎ።