ጆ ባይደን፡ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ንዝተቓልዑ ሰባት ክትከላኸል ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ራፋሕ "ተዓጽዮም" ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት "ተቓላዕቲ" ስለዝዀኑ ክሕለዉ ኣለዎም ኢሉ።
እስራኤል ነቶም ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ ተዓቚቦም ዘለዉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ንምሕላው እኹል ጻዕርታት ክትገብር ኣለዋ ኢሉ።
ራፋሕ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ይወርዳ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
ፍልስጤማዊ ዶክተር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ራፋሕ ዝርከብ ህዝቢ ብፍርሒ ይነብር ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ኣጋር ሰራዊቱ ስርሒቱ ናብ ራፋሕ ንምስፋሕ ክዳሎ ከምዝኣዘዘ ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብታ ከተማ ተሓቢኦም ዝነበሩ ዕጡቓት ሓማስ ክስዕሮም ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ "ዘስካሕክሕ" ክኸውንን ብዙሓት ሲቪላት "ክቕተሉን ተኽእሎ ኣሎ" ኢሉ።
ካብ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ እቲ ፍርቂ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ኣብ ዶብ ግብጺ እትርከብ ከተማ ተጸቓቒጡ ከምዘሎ ይፍለጥ፤ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ቅድሚ ምጅማሩ ኣብታ ከተማ 250 ሽሕ ሰባት ጥራይ ዝነብሩላ ዝነበረት ከተማ እያ።
ብዙሓት ካብቶም ተመዛበልቲ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ወይ ቴንዳታት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝነብሩ ኰይኖም፡ ውሑስ ዝስተ ማይ ወይ መግቢ ብመጠኑ ይረኽቡ።
ትማሊ ሰንበት ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ እስራኤላውያን-ኣርጀንቲናውያን ጅሆ ከምዝደሓኑ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብደላ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ኣብ ራፋሕ ዝቕመጡ ሰለማውያን ሰባት ሓለዋ ክግበረሎም ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብታ ከተማ ዝካየድ ዝዀነ ይዅን ዓቢ ወተሃደራዊ ስርሒት "ድሕነት ናይቶም ኣብኡ ዝቕመጡ ሰለማውያን ሰባት ንምርግጋጽ ዘኽእል ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ መደብ እንተዘይተሰሪሑ ክቕጽል የብሉን” ኢሉ። ናይቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ክቕጽል የብሉን ኢሉ።
"ብዙሓት ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ብተደጋጋሚ ዝተመዛበሉ’ዮም። ካብቲ ግጭት ናብ ሰሜን ሃዲሞም ሕጂ ድማ ኣብ ራፋሕ ዝተዓቝቡ፡ ተቓላዕቲ ኰይኖምን ኣለዉ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዋይት ሃውስ ኣብ ራፋሕ ዝካየድ ዓበይቲ ስርሒታት እስራኤል ኣብ ራፋሕ ንዝቕመጡ ስደተኛታት ግቡእ ቆላሕታ ዘይገበረ እንተዀይኑ ከምዘይድግፍ ገሊጹ ነይሩ።
ብርክት ዝበላ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን እስራኤል ሓሲባቶ ዘላ መጥቃዕቲ ከይትጅምር ኣጠንቂቐን ኣለዋ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ደቪድ ካሜሮን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ተወሳኺ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዳ "ደው ኢላ ብዕቱብ ክትሓስብ ኣለዋ" ኢሉ።
ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፕ ቦረል፡ ኣብ ቓዛ "ብዙሓት ሰባት" ይቕተሉ ስለዘለዉ፡ መሻርኽቲ እስራኤል ኣጽዋር ምልኣኽ ደው ከብሉ ተማሕጺኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስዑዲ ዓረብ፡ ራፋሕ መጥቃዕቲ እስራኤል እንተወሪድዋ "ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ" ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ ነይራ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓማስ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ዝዀነ እስራኤል እትውስዶ ስርሒት ኣብቲ ግዝኣት ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ጅሆታት ንኽፍትሑ ዝተጀመረ ዝርርብ'ውን ከምዘዳኽም ኣጠንቂቑ።
ራፋሕ ኣብ ዶብ ግብጺ ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣትወላ እንኮ ኣፍደገ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







