ኣመሪካ ኣብ ሶርያን ኢራቕን ንዝርከብ ዕላማታት ኢራን ናይ ምድብዳብ መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ ናይቶም ኣብ ዮርዳኖስ ብድሮን ዝተቐተሉ ሰለስተ ወተሃደራታ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያን ኢራቕን ዝርከቡ ኢራናውያን ደብዳብ ናይ ምክያድ መደብ ከምዘጽደቀት ሰብ መዚ ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነት ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሓቢሮም።
እቲ ደብዳብ ንዝተወሰነ መዓልታት ከምዝካየድን ምዓስ ከምዝጅመር ከኣ ብኹነታት ኣየር እቲ ከባቢ ከምዝጽሎን እቶም ሰብ መዚ ገሊጾም።
ኣመሪካ እቲ ኣብ ዶብ ሶርያን ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኢራን ዝድገፉ ምሊሻታት ከምዝፈጸምዎ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኢዳ ከተወጣውጥ ጸኒሓ’ያ።
ኣብ ኢራቕ ዝርከብን ብዙሓት ኣባላት ዘለዉዎን ብኢራን ከምዝስልጥንን ከምዝዓጥቕን ዝእመነሉ ‘ኢስላሚክ ረዚስታንዝ’ ዝተብሃለ ዕጡቕ ጉጅለ ነቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ብወግዒ ምግላጹ ይዝከር።
ኢራን ኣብቲ ሰንበት ዝተኻየደ ሰለስተ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝሞትሉን 41 ዝተወግኡሉን መጥቃዕቲ ዝኾነ ኢድ ከምዘይብላ’ያ ትገለጽ።
ሰብ መዚ ኣመሪካ እታ ኣብቲ ታወር 22 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዓስከር ወተሃደራት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ዝፈጸመት ድሮን ብኢራን ዝተሰረሐት ከምዝኾነትን ምስተን ኢራን ናብ ሩስያ ዝለኣኸተንን ኣብ ወራር ዩክረይን ትጥቀመለን ዘላን ከምእትመሳሰል ገሊጾም።
ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፤ እቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ከምዘይደንጎየ ብምብራህ “ነቲ ግብረ መልሲ ኣብ ዝመረጽናዮ ቦታ፡ ኣብ ዝመረጽናዮ ግዜን ብዝረመጽናዮ ኣገባብን ከነካይዶ ኢና” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “ነቶም ቀንዲ ነዚ ሓላፍነት ዝስከምዎ ሰባት ርግጽ ንምዃን ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ብድሆ ምዃኑ ትስሕትዎ ኣይብልን’የ ስለዚ ነዚ ንምግባር ቅማረ የድልዮ’ዩ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ መታን ከይከውን ብጽኑዕ መንገዲ’ዩ ክካየድ ” ኢሉ።
እቶም ምስ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ቃለ መሕተት ዘካየዱ ሰብ መዚ እቲ ደብዳብ ብልክዕ ምዓስ ከምዝካየድ ኣይገለጹን።
እቲ መጥቃዕቲ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ኣብ ዘለወሉ’ውን ክፍጸም ይክኣል’ዩ እንተኾነ ዝያዳ ንጹርነት ንክህሉን ሞት ሰለማውያን ሰባት ንምውጋድን ብሩህ ኩነታት ኣየር ኣብ ዘለወሉ ክፍጸም ከምዝኽእል እቶም ሰብ መዚ ምግላጾም ሲቢኤስ ጸብጺባ።
ገለ ሰብ መዚ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ መሬት ኢራን ክፍጸም ከምዘለዎ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘይተኣደነ ጸቕጢ ይገብርሉ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።
እንተኾነ ኣመሪካ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ካብዚ ዘለዎ ናብ ዝኸፍአ ከይዓርግ ስግኣት ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን’ውን ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ መሬት ኢራን ደብዳብ ናይ ምክያድ መደብ ከምዘይብላ ጆ ባይደን ገሊጹ ነይሩ’ዩ።
ኣመሪካ ከም ቀንዲ መደብ ሒዛቶ ዘላ ከኣ ነቶም ኣብ ኢራቕን ኣብ ሶርያን ዕጡቓት ኣብ ምስልጣንን ኣብ ምምዋልን ተዋፊሮም ዘለው ኢራናውያን ዕላማ ምግባር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኲናት ሓማስን እስራኤልን ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅመር፡ ብዙሓት ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ልዕሊ 160 ግዜ መጥቃዕትታት ከምዝፈጸሙ'ዩ ዝግለጽ።
ብኢራን ዝድገፉ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከም ኣብነት ክጥቀስ ይክኣል’ዩ።
ሮይተርስ ሽም ምንጩ ከይጠቀሰ ትማሊ ኣብ ዘቃልሖ ዜና፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሶርያ ድሕሪ ዘካየደቶ ተደጋጋሚ ናይ ኣየር ደብዳባት፡ ኢራን ወጥሪ ንምህዳእ ብዝብል ኣብ ሶርያ ዝነበረ ላዕለዋይ ኢራናዊ ሓላፊ ናብ ሃገሩ መሊሳቶ ኣላ።
ኣብቲ ብሰንበት መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዮርዳኖስ ጥቓ ዶብ ሶርያ ዝርከብ ታወር 22 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣስታት 350 ዝዀኑ ወተሃደራት ኣመሪካ ከምዝነበሩ’ዩ ዝግለጽ።
በቲ መጥቃዕቲ ድሮን ወዲ 46 ዓመት ሰርጀንት ዊልያም ሪቨርስ፡ ወዲ 24 ዓመት ከኒዲ ላንዶን ሳንደርስ ከምኡ ከኣ ጓል 23 ዓመት ብሮና ኣሌክሳንድርያ ሞፈት ዝተበሃሉ ወተሃደራት ኣመሪካ’ዮም ተቐቲሎም።
ልዕሊ ኣርባዓ ከኣ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝቘሰሉ ኣመሪካ ትሕብር።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ስርሒት ዝነበረት ድሮን ኣመሪካ ናብቲ መዓስከር እናተመለሰት እንከላ’ዩ ተፈጺሙ።
ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ እቲ ባዕሉ [ኣውቶማቲክ] ዝትኮስ ጸረ ምክልኻል ኣየር ናይቲ መዓስከር ኣብቲ እዋን ነታ ናይ ኣመሪካ ድሮን ከይሃርማ ብምስጋእ ጠፊኡ ከምዝነበረ ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







