መጥቃዕቲ ዒራቕ፡ ኣሜሪካ ንመን እያ ዒላማ ትገብር ዘላ?

ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎም ጕጅለታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ መጥቃዕቲ፡ "ቀጥታዊ ምላሽ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣሜሪካን ኣህጉራውያን ሓይልታትን ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ" ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ግብረመልሲ እንታይ ነይሩ?

መንግስቲ ዒራቕ ንመጥቃዕቲ ኣሜሪካ ብትሪ ኮኒንዎ። ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ መሓመድ ሺያ ኣል ሱዳኒ፡ "ብግልጺ" ልኡላውነት ሃገሩ ከምዝተጠሓሰ ገሊጹ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎም ጕጅለታት ዒላማ ዝገበረ "ተመጣጣኒ" ስጕምቲ ከምዝወሰደት እያ እትገልጽ።

ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መን ተሳቲፉ?

ካታይብ ሕዝቦላህ ወይ በራጊድ ሰልፊ ኣምላኽ ሓደ ካብቶም ኣብ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ መደበራት ኣሜሪካ ኣብ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉን ብድሕሪኡ ብኣሜሪካ ዒላማ ዝዀኑን ሰለስተ ጕጅለታት እዩ።

ካብ ኢራን ገንዘባውን ወተሃደራውን ደገፍ ዝረክብ ሓያል ዒራቓዊ ሚሊሻ ሺዓ እዩ።

እዚ ጕጅለ ምስቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ ስርሒታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዝዀነ ሓይሊ ቅዱስ ኢራን እውን ጽኑዕ ርክብ ከምዘለዎ ይእመን።

ሱር ናይቲ ኵነታት እንታይ እዩ?

ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎም ጕጅለታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዒራቕ ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታት፡ እቲ ዞባዊ ወጥሪ ካብቲ ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ ኲናት ዝምንጩ ምዃኑ ይገልጹ። ኢራን ንሓማስ ክትድግፍ ከላ ኣሜሪካ ድማ ንእስራኤል ትድግፍ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕን ሶርያን እንተወሓደ 151 ግዜ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ይሕብር።

መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብሮኬታትን መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን እዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ 2500 ወተሃደራት ኣብ ጎረቤት ሃገር ሶርያ ድማ 900 ወተሃደራት ዘለዋ ኰይኑ ኣብ ምክልኻል ዳግመ ትንሳኤ ዕጡቓት እስላማዊ መንግስቲ ዘተኮረ እዩ።

ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታት፡ ኣብ ዒራቕ ንዝርከባ መደበራት ኣሜሪካ ንምጥቃዕ ዝወሰድዎ ውሳነ፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ እምበር ካብ ኢራን ዝዀነ ጽልዋ ከምዘይብሎም ይገልጹ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ዒራቕ፡ ሶርያን ሊባኖስን ኣብ ትሕቲ ውሁድ ጽላል፡ ብስም 'ኣክሲስ ኦፍ ረዚስታንስ' ከምዝንቀሳቐሱ'ውን ይዛረቡ።

እዚ ኪዳን ኢራን ኣብቲ ዞባ ጸቕጢ ንምፍጣር ከምእትጥቀመሉ ክኢላታት ይገልጹ።

ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ካልኦት ጕጅለታት ደገፍቲ ኢራን

ቅድሚ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ህዝባዊ ምልዕዓል ሓይልታት እዩ ነይሩ። ብብዝሒ ሺዓ ዝዀኑ ሚልሻታት ዝቘመ ኰይኑ፡ ንሳቶም እስላማዊ መንግስቲ ካብ ዒራቕ ንምድማሳስ ዝተጠርነፉ’ዮም።

እዚ ጕጅለ ኣብ መጀመርታ ከም ፍሉይ ኣካል ደጋፊ ኢራን ዝረአ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2016 ግን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ዒራቕ ዝርከብ ንኡስ ወተሃደራዊ ኣሃዱ ኰይኑ።

መንግስቲ ዒራቕ እንታይ ይብል?

መንግስቲ ዒራቕ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ንወተሃደራዊ መሳለጥያታታ ዒላማ ብምግባር ኣባላት ህዝባዊ ምልዕዓል ሓይልታት እውን ይቐትል ከምዘሎ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሜጀር ጀነራል የሕያ ራሱል፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እቲ ዞባ ምስ ሓደጋ ምስፍሕፋሕ ግጭት ተኣሳሲሩ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ወራር፡ ከምኡ'ውን ሳዕቤን ናይቲ ንህዝቢ ፍልስጤም ዘጋጠሞ ዘይስነምግባራዊ ኲናት ምጽናት ይቃለስ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ "ኣሜሪካ እትርከበን ዓበይቲ ሓይልታት ነዞም ገበናት ብዝምልከት ስቕ ክብላ እንከለዋ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መሬት ዒራቕን ሃገራዊ ልኡላውነትን ናብ ዝኹነንን ዘይምኽኑይን ተግባራት ክተዘዙ ንርኢ ኣለና" ኢሉ።

ብድሕሪ መጋረጃ መንግስቲ ዒራቕ ኣብ መንጎ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታትን ዋሽንግተንን ዘሎ ወጥሪ ክሽምግልን ከቃልልን ይጽዕር ኣሎ፤ ክሳብ ሕጂ ግን ኣይተዓወተን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ፡ ኣሜሪካ ኣብታ ዋሽንግተን ካብ ወራር 2003 ጀሚራ ሰራዊታ ዘዋፈረትላ ዒራቕ ዘለዋ ወተሃደራዊ ህላወ ከብቅዕ ኣለዎ ድዩ ኣይግባእን ዝብል ዝተሓዋወሰ መልእኽትታት ይሰድድ ኣሎ።