ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ብኢራን ንዝድገፉ ዕጡቓት ደብዲባ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ኣሜሪካ ሓይልታታ ኣብ ሰለስተ መሳለጥያታት ናይቶም ኣብ ዒራቕ ዝንቀሳቐሱ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ከምዘጥቅዑ ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ እቲ “ተመጣጣኒ” ዝበሎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ “ኪታብ ሕዝቦላህ ሚልሻ ግሩፕን ካልኦት ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታትን” ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።
እቶም ዒላማኦም ዝሓለዉ መጥቃዕቲታት “ቀጥታዊ ግብረመልሲ” ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ወተሃደራት ኣሜሪካን መሻርኽታን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራባዊ ዒራቕ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ብዙሓት ወተሃደራት ኣሜሪካ ጉድኣት ወሪድዎም እዩ።
እቶም ወተሃደራት፡ “ምርመራ ስነ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት” ይግበረሎም ከምዘሎ ሰብመዚ ገሊጾም ነይሮም።
ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለታት፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ንዝሰፈሩሉ ወተሃደራዊ ማእከል ኣልኣሳድ ብባላስቲክ ሚሳይላትን ሮኬታትን ከምዝደብደቡ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ንባዕሉ ‘ኢስላሚክ ረዚስታንስ ኢን ዒራቕ’ ኢሉ ዝጽውዕ ጕጅለ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓላፍነት ወሲዱ።
ዋሺንግተን ኢንሰቲትዩት ከምዝሕብሮ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ 2023 ዝተፈጠረ ኰይኑ ናይ ብዙሓት ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታት ውሁድ እዩ። እቲ ጕጅለ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካልኦት መጥቃዕቲታት ከምዝፈጸመ ገሊጹ።
ሚኒስተር ኦስቲን፡ ንሱን ፕረዚደንት ባይደንን “ድልየታት ኣሜሪካ ንምሕላው ኣድላዪ ስጕምቲ ንምውሳድ ከምዘየማትኡ” ተዛሪቡ።
“ኣብቲ ዞባ ጐንጺ ክነጋድድ ኣይንደልን። ህዝብናን መሳልጥያታትናን ንምክልኻል ተወሳኺ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉዋት ኢና። እዞም ጕጅለታትን ኢራናውያን መወልቶምን ብቕልጡፍ መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ንጽውዕ።”
እቶም መጥቃዕቲታት ኣብ ቤት ጽሕፈታት፡ መኽዘናትን ማእከላት ስልጠናን ከምዝተፈጸሙ ዝገለጸ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ብትኽክል ኣበይ ከባቢ ከምዝርከቡ ግን ዝርዝር ኣይሃበን።
ኣሜሪካ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ባቕዳድ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ መራሒ ደጋፊ ኢራን ዕጡቕ ጕጅለ ድሕሪ ምቕታላ እዩ ብቀዳም ኣብ ወተሃደራዊ ማእከላ፡ ኣልኣሳድ፡ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።
ኲናት እስራኤል ቓዛን ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ብኢራን ብዝድገፉ ሚልሻታት ብዙሕ መጥቃዕቲታት ተፈጺምዎም።
ብሪጣንያ እንትከበን ደገፍቲ ኣሜሪካ እውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሑቲ ንምክልኻል ጣልቃ ኣትየን።
ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ትሕዝቶታት ናይቲ ብኢራን ዝድገፍን ዝበዝሕ ምዕራባዊ የመን ዝተቘጻጸረን ዕጡቕ ሑቲ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ኣካይደን።
ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ብሰሉስ ኣብ ልዕሊ ክልተ ጸረ-መራኽብ ሚሳይላት ሑቲ ካልእ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሰራዊት ኢራን ብግደኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሶርያ፡ ዒራቕን ፓኪስታንን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ደብዳባት ሚሳይል ምክያዱ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







