ወሽመጥ ዓደን፡ ክድለዩ ዝጸንሑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ኣጽዋር ናብ ሑቲ ከተማላልስ ተታሒዛ ዝተባህለት ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, US Central Command

መግለጺ ስእሊ, ኣጽዋር ናብ ሑቲ ከተብጽ ፈቲና ዝበላ ጃልባ ከምዝሓዘ ማእከላይ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ማያት ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ንዝጠፍኡ ባላቱ ንምርካብ ከካይዶ ዝጸንሐ ኣለሻ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።

እቶም ብ11 ጥሪ ሃለዋቶም ዝጠፍአ ክልተ ኣባላት ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ (ኔቪ ሲልስ) ንሓንቲ ኣጽዋር ጽዒና ዝነበረት ልምዳዊት ጃልባ ንምጥላፍ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን'ዮም ጠፊኦም።

ኣብ ወሽመጥ ዓደን ንምርካቦም ብነፈርቲን መራኽብ ኲናትን ዝተሰነየ ሰፊሕ ዳህሳስ ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።

እንተኾነ ግን እቲ ጻዕርታት ብዘይፍረ ብምዝዛሙ፡ ከምዝሞቱ ክቑጸሩ ምዃኖም ሰራዊት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ተዋፊሩ ዝርከብ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ን10 መዓልታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኣድካሚ ዳህሳስ፡ እቶም ክልተ ኣባላት ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪና (ሲልስ) ክንረኽቦም ዘይምኽኣልና ብሓዘን ንገልጽ" ኢሉ።

"ብሞት ክልተ ኣባላት ፍሉይ ኲናት ሓይሊ ባሕርና ንሓዝን። መስዋእቶምን ዝሓደግዎ ኣብነትን ንሓዋሩ ከነኽብሮ ኢና። ንስድራቤቶም፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ንኹሎም ማሕበረሰብ ፍሉይ ኣሃዱታትን ኣብ ጸሎትና ንዝክሮም" ክብል ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ጀነራል ማይክል ኤሪክ ኩሪላ ብወገኑ ሓዘኑ ገሊጹ።

ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣብ ስለያዊ ዳህሳስን ምስጢራዊ ስርሒታት ዝዋፈር ሓይሊ ምዃኑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወገኑ፡ "እቶም ሲልስ፡ ንብሉጻት ሃገርና ዝውክሉ ኮይኖም፡ ንኣመሪካውያን ደቂሃገሮም ንምሕላው ህይወቶም ዝወፈዩ እዮም" ክብል ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ።

"ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ስድራቤቶም፡ ፈተውቶም፡ መሓዙቶምን ብጾቶምን ምጽንናዕ ንምነ" ክብል'ውን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓዘኑ ገሊጹ።

ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ሎይድ ኣውስቲን'ውን ብሞት እቶም "ጀጋኑ ሲልስ ሓይሊ ባሕሪ" ዝተሰምዖ ጓሂ ገሊጹ'ሎ።

ኣብቲ ብለይቲ ዝተኻየደ ስርሒት፡ ሓዲኦም ናብታ ጃልባ ክድይብ ኣብ ዝፈተነሉ ናብቲ ሓያል ማዕበል ዝነበሮ ባሕሪ ድሕሪ ምውዳቑ፡ እቲ ካላኣዩ ድማ ንዕኡ ንምድሓን ዘሊሉ ናብ ማይ ኣትዩ።

እቶም ‘ሲልስ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣባላት፡ ኣካል ናይቲ ኣጽዋራትን ካልእ ዘይሕጋዊ ንብረትን ንምሓዝ ኣብቲ ቦታ ተዋፊሩ ዝርከብ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስቲ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክትኩስዎ ዝጸንሑ ሚሳይላት ዝቃዶ ተተኳሲን ጸረ-መርከብ ክሩዝ ሚሳይላትን ዝርከብዎ ኣጽዋር ተታሒዙ ምንባሩ ማእከላይ እዚ ገሊጹ ነይሩ።

ንሑቲ ብመሸጣ ይኹን ደገፍ ኣጽዋር ምቕራብ ነቲ ኣብ 2015 ዝተወሰነ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ሕግን ዝጥሕስ'ዩ።

ሑቲ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናት ብምቅዋም ነተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ ዓላማታት ዝገበረ መጥቃዕትታት ብምክያድ ኣብቲ መስመር ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሮም ይርከቡ።

እቶም ንርእሰከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ግን፡ ነተን ምስ እስራኤል ዝኾነ ርክብ ዘለወንን ናብ ወደባት እስራኤል ዘቕንዓን ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ'ዮም ዝምጉቱ።

እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ካልኦት መራኽብ ንግዲን መራኽብ ኲናት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን መሻርኽተንን'ውን ክትኩሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።