ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊተን

ምንጪ ስእሊ, UK MOD © Crown copyright 2024
ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ሓድሽ ተኸታታሊ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይደን።
ብሰኑይ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ሸሞንተ ዒላማታት ከምዝወቕዐ ብምግላጽ እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መኽዘንን ሚሳይላት ሑቲን ምክትታልን ዓቕምን ዝሓወሰ ከምዝዀነ ገሊጹ።
እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ፡ ምስ እስራኤልን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝተኣሳሰራ እየን ዝበልወን መራኽብ፡ በቲ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ዝጓዓዛ መራኽብ ዒላማ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን "ናጻ ዋሕዚ ንግዲ" ንምሕላው ይጽዕራ ከምዘለዋ ገሊጸን።
ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሑቲ "ተወሳኺ ዙርያ ተመጣጣንን ኣድላይን መጥቃዕትታት" ከምዝካየድ ኣረጋጊጹ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ወጥሪ ንምንካይን ርግዓት ናይ ምፍጣርን ዕላማ ይቕጽል ኣሎ። እንተዀነ ንመሪሕነት ሑቲ ዝሃብናዮ መጠንቀቕታ ደጊምና ንነግረሉ፤ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝዓበዩ ወሳኒ መስመራት ማይ ህይወትን ናጻ ዋሕዚ ንግድን ንምክልኻል ድሕር ኣይንብልን ኢና" ኢሉ።
እዚ ኣሜሪካ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ሑቲ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ንሻሙናይ ግዜ እዩ። ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ዘካየደቶ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ድማ ንካልኣይ ግዜ ምዃኑ እዩ።
እቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብደገፍ ኣውስትራልያ፡ ባሕሬን፡ ካናዳን ሆላንድን ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።
ኣብቲ ናይ ሰኑይ መጥቃዕቲ ካብ መርከብ ዩኤስኤስ ኣይዘንሃወር ዝመጻ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ተሳቲፈን ነይረን።
ኣርባዕተ ነፈርቲ ራፍ ታይፎን ምስ ሓይልታት ኣሜሪካ ከምዝተጸንበራ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።
"ነፈርትና ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣጥቂዐን። እዞም ቦታታት እዚኦም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንጻር ኣህጉራዊ መራኽብ ዝካየድ ቀጻሊ ዘይጽወር መጥቃዕቲ ንምፍጻም ይጥቀሙሉ ነይሮም" ድማ ኢሉ።
“እቲ መጥቃዕቲ ሲቪላዊ ክሳራ ንምንካይን ሓደጋታት ዝያዳ ንምቅላልን ነፈርትና ብለይቲ ቦምባታት ይድርብያ ነይረን" ክብል ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ በዓል ስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ግራንት ሻፕስ፡ እቲ ምስ ኣሜሪካ ኰይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ ሓበራዊ መጥቃዕቲ፡ ተዋጋእቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ይፍጽምዎ ንዘለዉ መጥቃዕቲ "ነብሰ ምክልኻል" ክብል ገሊጽዎ።
"ዓቕሚ ሑቲ ንምጕዳል ዝዓለመ እዚ ስጉምቲ ነቲ ውሱን ዕቑር ሃብቶምን ንዓለማዊ ንግዲ ኣብ ሓደጋ ናይ ምእታው ዓቕሞምን ኣመና ዘዳኽም’ዩ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ሊንድሰይ ሆይል ይኹን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሰር ኬር ስታርመር ብዛዕባ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣቐዲሞም ከምዘይተሓበሩ ርዱእ’ዩ።
ብሑቲ ዝመሓደር ተሌቪዥን ኣልማሲራ ኣብ የመን ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝርከብ መደበር ኣየር ኣል-ዳይላሚ ሓዊሱ ኣብ ኣውራጃታት ሰንዓ፡ ታይዝን ባይዳን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ጸብጺቡ።
ካብቲ ናይ ፈለማ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዓሰርተ መዓልቲ ድሒሩ ዝተፈጸመ ካልአዋይ መጥቃዕቲ’ውን እንተኾነ ሑቲ ሕጂ’ውን ምስ ሓንገዱ’ዮም ዘለዉ።
ብገማግም ባሕሪ የመን ኣብ ዝሓልፋ መራኽብ ምውቃዕ ዝቐጸሉ ኮይኖም፡ ሓንሳብ ድማ ብጌጋ ነዳዲ ሩስያ ዝጸዓነት መርከብ ዒላማ ገይሮም ኣለዉ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ፖሰይዶን ኣርቸር ዝተሰመየ ስርሒት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መወንጨፊ ቦታታት ሑቲ ብርክት ዝበሉ ቅድመ-መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ሕጂ ብኣመሪካ ዝምራሕ መጥቃዕቲ ሓድሽ ዕላማታት ወቒዑ ኣሎ።
ንመጥቃዕቲ ተዳልዮም ዝነበሩ ሚሳይላት ሑቲ ከምዝዓነዉ ፔንታጎን ይዛረብ። ስለያ ምዕራባውያን ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ መኽዘን ሚሳይላት ሑቲ ብውሑዱ 30 ምኢታዊት ከምዝዓነወ ወይ ከምዝተበላሸወ ገሚቱ።
እቶም ብኢራን ዝድገፉ፡ ዝስልጥኑን ዝምከሩን ሑቲ፡ ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካ ወይ ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ ኣለወን ኢሎም ዝጠርጠርወን መራኽብ መጥቃዕቶም ከምዝቕጽልዎ ብንጹር ይርአ።
እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዙሕ ተፈታውነት ከም ዘምጽኡሎም’ዩ ዝግለጽ።
ሑቲ ከም ኣካል ናይቲ ብኢራን ዝድገፍን ኣንጻር እስራኤል ዘቕንዐን ኪዳን ‘ኣክሲስ ኦፍ ረዚስታንስ’ ከምዝድግፉ ካብ ዘፍልጡ ንደሓር ኣብ መላእ ሃገራት ዓረብ ብብዙሓት ተፈተውቲ እዮም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክን ኣቐዲሞም ትማሊ ሶኑይ ድሕሪ ምዝርራቦም እዩ።
ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ባይደንን ሚስተር ሱናክን ኣብ ጉዳይ ብኢራን ዝድገፍ መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዳውን ሓይሊ ባሕርን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣድሂቦም ብቴሌፎን ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ።
ንሳቶም "ንናጽነት ምንቅስቓስ፡ ኣህጉራዊ ንግዲ፡ ከምኡ'ውን ንባሕረኛታት ካብ ዘይሕጋውን ዘይምኽኑይን መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዘለዎም ተወፋይነት" ደጊሞም ከምዘርኣዩ ዋይት ሃውስ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ “ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምእታውን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣገዳስነት ምፍታሕ ብሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆታትን ተዘራሪቦም" ኢሉ።
ሑቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ልዕሊ በቲ ከባቢ ዝሓልፋ ንግዳዊ መራኽብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝጀመሩ ኮይኖም፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ተካይዶ ንዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ግብረ መልሲ ምዃኑ ገሊጾም።
እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ዓለም ካብ ዝበዝሑ ጽዑቓት መስመራት መራኽብ ሓደ ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ ንግዳዊ ናይ ጽዕነት መራኽብ ከጥቅዕ ጀሚሩ።
ከም ግብረመልሲ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብ11 ጥሪ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ዒላማታት ሑቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይደን እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







