ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ ንኣሜሪካን መሻርኽታን ናብ ዘይውጻእ ዓዘቕቲ የጥሕሉወን ዶ ይህልው?

ጉጅለ ሑቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ የመን ዒላማታት ሑቲ ንምዕናው ዓሊሙ ዝነቐለ ኣህጉራዊ ሓይሊ ዕማም ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ባሕሬን፡ ካናዳን ሆላንድን ኣብ ቅድመኡ ዘሎ ብድሆ ቀሊል ኣይመስልን።

ብዅሉ መዳያት ኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ካብ መፋርቕ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራውን ንግዳውን መራኽብ ልዕሊ ሰላሳ መጥቃዕትታት ከምዝፈጸመን፡ ደው ዘብሎ ከምዘይመስል ድማ ይርአ ኣሎ።

ሰበስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ'ውን ግብረመልሲ ንምሃብ ዝበገስዎ መጥቃዕቲ ኣሐይሎም ከም ዝቕጽልዎ ኣብ ዘመልከተ፡ ብ23 ጥሪ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ስግኣታት ንምውጋድ፡ ምርግጋእን ጸጥታን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ኣህጉራዊ መስመራት ንግድን ንምርግጋጽ ተወሳኺ ስጕምቲ ክንወስድ ድሉዋት ኢና" ኢሎም።

እቲ መጥቃዕቲ ንዓለምለኻዊ ጕዕዞ መራኽብ ዝዘርግ ኰይኑ፡ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ንማእከላይ ምብራቕ ናብ ሕንፍሽፍሽ ክመርሖ እዩ ንዝብል ስክፍታታት ዝያዳ ኣዕሚቝዎ ኣሎ።

ኣሜሪካ ግን፡ ነቶም ስዑዲ ዓረብ ትመርሖ ኪዳን ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ተቓሊሱ ዘይሰዓሮም ሓይልታት ሑቲ፡ ክትዕወተሎም ትኽእል ድያ?

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ብዛዕባ ዘጋጠመ ሽግር ስቕ ኢላ ትዕዘብ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘተ ሰላም ስዑድያን ሑቲን ይቕጽል ኣሎ።

መጥቃዕቲ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን ንምንታይ?

እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ምስ ሑቲ ዝግበር ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈጥረ ኩነታት ንምህዳእ ኣይተዓወተን - ተነጺጉ። “ከምዚ ምዃኑ ዘሕዝን'ዩ" ይብል ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ የመን ቲም ሌንደርኪንግ።

እቲ፡ ብብዝሒ ህዝቢ ንዝነብሩሉ ከባቢታት የመን ዝቈጻጸር ሑቲ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ንዘላ ወፍሪ፡ ኣንጻሩ ምስ ፍልስጤማውያን ንዘለዎም ሕብረት ንምርግጋጽ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ብግብሪ ድማ ንዝኾነት መርከብ ዒላማ ብምግባር ንኣባላት ሰራሕተኛታትን ጽዕነትን ኣብ ሓደጋ የእትዉ ኣለዉ።

ዊልያም ወክስለር ካብ ትካል ሓሳባት ኣትላንቲክ ካውንስል፡ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብሓይሊ ሕነ ካብ ምፍዳይ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይነበረን ይኣምን።

"ኣብ ኣህጉራዊ ንግዲ፡ ሸሞንተ ቀንዲ ናይ ባሕሪ መፈተሺ ነቝጣታት ኣለዋ፤ ፍርቀን ከኣ ኣብቲ ወሳኒ ምንጪ ነዳዲ ዓለምና ዝዀነ ማእከላይ ምብራቕ ዝመደበረን'የን፡" ይብል።

"ሑቲ ንሓደ ካብዚኦም [መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ] ብኣዝዩ ዘይተለምደ መንገዲ ብቐጥታ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቘምዎ ኣለዉ" ይብል ሚስተር ወክስለር።

"ጸዓት ኣብ መነባብሮ ደቂ ሰብ ዘለዎ ተራ ርዱእ እዩ፤ ቁጠባዊ ዕብየት ዝግደስ ሰብ፡ ነዞም ኣገደስቲ ነቝጣት ምሕላው ዘለዎ ዋጋ ኣይስሕቶን እዩ።"

ሓይልታት ሑቲ ክሳብ ክንደይ ጽኑዓት እዮም?

ጉጅለ ሑቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ጕጅለ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ማለት ስዑዲ ዓረብ ክብድህ ከም ዝኽእል ኣርእዩ እዩ። - ሳላ ደገፍ ኢራን - ካብ ተራ ምንቅስቓስ ናብ ሄሊኮፕተራትን ካልኦት ዘመናዊ መሳርሒታት ዘለዎ ዝሰልጠነ ሓይሊ ክኸውን በቒዑ እዩ።

"ጽንዓት ክልተ ክፋላት ኣለዎ። ድሌት ኣሎ ዓቕሚ'ውን ኣሎ። ድሌቶም (ናይ ሑቲ) ክስበር እዩ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ የለን። ዓቕሞም ክንሰብሮ ንኽእል ኢና ዝብል ሓሳብ ግን ኣሎ" ይብል ዊል ወክስለር።

ይኹን እምበር፡ ሑቲ ንዝዓበየ ሓይሊ፤ ኣሜሪካን ኣህጉራውያን መሓዙት ሃገራትን ክቃለሱ እንከለዉ ግን ፍጹም ዝተፈልየ እዩ። ድምር ሓይሊን ስትራተጅን ናይዚ ጥምረት ካብ ናይ ስዑዳውያን ኣዝዩ ዝዓቢ እዩ።

እቲ ሕጂ ዘሎ ሕቶ ግን ኣሜሪካ ክሳብ ክንደይ ክትከይድ እያ ዝብል እዩ።

ስቲቨን ኤ ኩክ - ኤኒ ኤንሪኮ ማተይ ላዕለዋይ ተመራማሪ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን - ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ገዚፍ ሃይሊ ኣለና፡ እንተዀነ ብጥንቃቐ ክንጥቀመሉ ኣለና" ኢሉ።

"ብዛዕባ... ንየመን ምውራር፡ ከምኡ'ውን ስርዓታት ምቕያር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርናዮ ዓይነት ነገራት ኣይኮናን ንዛረብ ዘለና።"

"ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን ዓረብ ይዛረብ ነይረ፤ ንሑቲ ሃሪምካ ነገራት ኣብኡ ደው ኣይብልን እዩ። ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንሑቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከባ መራኽብ ንምጥቃዕን ከምዘይክእሉ ንምግባር እዩ።"

ኣሜሪካን መሻርኽታን ናብ ዝተናውሐ ዞባዊ ኲናት ክስሓባ ይኽእላ ድየን?

ነፈርቲ ውግእ ኣመረካ

"ምናልባት ናብ ዝዓበየ ስርሒት ኣንጻር እቲ ሕማቕ ጽልዋ ኢራን ክዓቢ ይኽእል'ዩ። እዚ ድማ ብግልጺ ዘይእወጅ ክከውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ'ዚ ይዛረቡ ከምዘለዉ ርግጸኛ'የ" ይብል ኣድሚራል ጀምስ ጂ ፎጎ ካብ ማእከል ስትራተጂ ባሕሪ።

ንሱ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ 1980 ክሳብ 1988 ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝተኻየደ ኲናት ኣምልኪቱ፡ ታሪኽ ኣብ ዝጠቐሰሉ፡ ኢራናውያን ንመርከብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምጥቃዖም፡ ኣሜሪካ ንሓይሊ ባሕሪ ኢራን መጥቃዕቲ ዝፈጸመትሉ ኣጋጣሚ ዘኪሩ። ኣድሚራል ፎጎ ኣብ ልዕሊ መርከብ ዩኤስኤስ ኮል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምጥቃስ እውን፡ እታ መርከብ ኣብ ጥቅምቲ 2000 ኣብ የመን ድሕሪ ምህራማ፡ 17 ኣሜሪካውያን ባሕረኛታት ሞይቶም እዮም።

እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣልቓዒዳ ዝተኣሳሰረ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ ግን ዝኾነ ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ኣይተዋህበን። "ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ 11 መስከረም ግን እንታይ ኣጋጢሙ? [መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ]" ብምጥቃስ፡ ድማ እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ኣድላይነት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣስሚሩሉ።

ስቲቨን ኤ ኩክ ብወገኑ፡ "ናጽነት ጕዕዞ መራኽብ ምርግጋጽ ቀንዲ ረብሓ ኣሜሪካ'ዩ፤ ከምዚ ዓይነት ጉጅለ ኣብ ልዕሊ'ዚ ከባቢ እዚ ስልጣን ክህልዎ ምፍቃድ ድማ ኣዝዩ ሓደጋ'ዩ፡" ምስ ዝብል ሓሳብ ይሰማማዕ።

ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝግበር መጥቃዕቲ ሑቲ ብኸመይ ትሳተፍ ኣላ?

ነፈርቲ ውግእ ኣሜርካ

ምንጪ ስእሊ, US Navy handout / EPA

ጕጅለ ሑቲ፡ ብቐጥታ ቢራን ዝመሓደር ኣይዅን እምበር፡ ኢራን ብኣጽዋር ብገንዘብ ትድግፎ እያ።

"[ሑቲ] ናብቲ ጸረ ኣሜሪካውነትን ጸረ እስራኤልን ፖሊሲታቶም ባዕሎም እዮም መጺኦም፤ ናብዚ ኣንፈት ብኢራና ኣይኰኑን ተደፋፊኦም፡" ይብል ሬይ ታከህ ዝተባህለ ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕ።

“በዚ መንጽር ፍጥረተ-ኢራን እዮም ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ፡ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ምትእኽኻብ እዩ ክንብል ንኽእል፣ ብሓቂ ኣብ ልዕሊ ስዑዳውያን መጥቃዕቲ ንምውራድ ኣብ ዝግበር ፈተነ ሓባራዊ ረብሓ እዩ።"

ሑቲ ንኢራን ኣገዳሲ ተራ ይጻወቱላ ኣለዉ። ምኽንያቱ ኢራን፡ ብመገዲ ኣሜሪካ ኣቢላ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ከተዛይድ ስለዘኽእላ።

ኢራን፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣሜሪካንዓብ ልዕሊ’ቲ እስራኤላውያን ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ገለ ዓይነት ፍታሕ ንምምጻእ ዘኽእል ስጕምቲ ክውሰድ ተስፋ ከም እትገብር እቲ ተንታኒ ይግምት።

"ኣብዚ እቲ ቀንዲ ግምት፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል እዩ። እስራኤል ምስ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኵነታት እትገጥም፡ ሓንሳእ ዝሰንበደት ልኡላዊት ሃገር እያ።"

እዚ 'ዘይዕወት ኲናት' ድዩ?

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ባይደን ኣብ ልዕሊ የመን ዘበገሶ ስትራተጂ ንዕጡቓት ሑቲ ንምድኻም ዝዓለመ ኰይኑ፡ ነቲ ጕጅለ ንምስዓር ወይ ድማ ምስታ ቀንዲ ደጋፊት እቲ ጕጅለ ዝዀነት ኢራን ኣብ ቀጥታዊ ኲናት ንምእታው ከምዘይኰነ ክኢላታት ይገልጹ።

እቲ ውሱን ወተሃደራዊ መጥቃዕትን እገዳን ዘወሃሃደ ስትራተጂ፡ ንሑቲ ንምቕጻዕ ዝዓለመ ኰይኑ፣ ኣብ ርእሲኡ ሓደጋ ሰፊሕ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ንምድራት ዝነጻጸረ እዩ።

"እዚ ተልእኾ ንሑቲ ንምጥፋእ ዝተዳለወ፡ ወይ ድማ ነቲ ዝተገለፈ መንግስቲ የመን ናብ ስልጣን ንምምላስ ዝተዳለወ ኣይመስለንን" ይብል ብራያን ካርተር ካብ ኣሜሪካን ኢንተርፕራይዝ ኢንስቲትዩት።

“ዕላማኡ፡ ሓይሊ ባሕርን ወተሃደራዊ ዓቕምን ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝግበር ዓለማዊ ባሕራዊ መራኽብ ክፈታተኑ ካብ ምኽኣል ክእደቡ ንምግባር ጥራይ ዘተኰረ እዩ ዝመስለኒ።"

"ወተሃደራዊ ዓቕሚ ምህራም ዘይዕወት ዕማም ኣይኮነን፤ ክብጻሕ ዝኽእል ወተሃደራዊ ዕላማ'ዩ።"

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ የመን ቲም ሌንደርኪንግ ብወገኑ፡ "እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ሰፊሕ ግጥም" ከምዘይኰነ የቐምጥ።

"ሑቲ መራኽብ ንምጥቃዕ ዘለዎም ዓቕሚ ንምድራት ጥራይ'ዩ" ይብል።

ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ - ፔንታጐን፡ ብ11 ጥሪ ኣብ የመን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ቦታታት ሑቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ልዕሊ 25 መወንጨፊ ሚሳይላት መዋፈሪ ትካላትን ልዕሊ 20 ሚሳይላትን ከምዘዕነወ ወይ ከምዘሰናኸለ ይገልጽ።

ብተወሳኺ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ራዳር ገማግም ባሕርን ዓቕሚ ምክትታል ኣየር ሑቲን መኽዘን ኣጽዋር ከምዝሃረመ ይገልጽ።

እቲ ግጭት ንሑቲ መሊሱ የሐይሎም ዶ?

ጉጅለ ሑቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቲም ሌንደርኪንግ፡ ሑቲ ናብዚ ኲናት ክኣትዉ ይደልዩ እዮም ይብል። እዚ ንህዝቢ [የመን] ኣብ ጐድኒ ፍልስጤማውያን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ምዕራባውያን ደው ኢሎም ከምዘለዉ ዘርኢ መንገዲ ገይሮም ከምዝርእይዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሑቲ ሕጂ ኣብ መላእ ዓረባዊ ዓለም ብብዙሓት ተፈታውነት ረኺቦም ኣለዉ ዝብል ልኡኽ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር፡ “ምኽንያቱ ንሓማስ ከም ኣካል ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ኪዳን ተቓውሞ ኣንጻር እስራኤል ንድግፍ ኣለና ስለዝብሉ፡” ይብል።

ኣብ ትሕቲ እቲ ‘ፖሰይዶን ኣርቸር’ ዝተሰምየ ሓድሽ ስርሒት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መወንጨፊ ቦታታት ሑቲ ብርክት ዝበሉ ቅድመ-መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ መጥቃዕቲ ሓድስቲ ዒላማታት ሃሪሙ ኣሎ።

ኣጽዋር ሑቲ ንመጥቃዕቲ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን፡ ከምዘዕነዉ ፔንታጎን ይገልጽ፤ ስለያ ምዕራባውያን እውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብውሑዱ 30 ሚእታዊት ካብ መኽዘን ሚሳይላት ሑቲ ከምዝዓነወ ወይ ከምዝተበላሸወ ይግምት።

እዚ ይዅን ግን ሑቲ ምስ እስራኤል፡ ኣሜሪካ ወይ ብሪጣንያ ምትእስሳር ኣለወን ኢሎም ኣብ ዝጠርጠርዎ መራኽብ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ክቕጽሉ ተኽእሎ ኣሎ።

ሑቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዙሕ ተፈታውነት ተጐናጺፉ ከም ዘሎን ጋርድነር ይገልጽ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ የመን ን ኤውሮጳዊ ትካል ሰላም ሂሻም ኣል ኦመይሲ፡ ብዙሓት ሰባት ሑቲ ክንዮ ንሓምስ ደገፎም ምርኣይ፡ ካልእ ናይ ገዛእ ርእሶም ዕላማ ኣለዎም ኢሎም ከምዘይሓስቡ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ኵነታት እምበኣር፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ንጸንሑሉ፡ ኣንጻር ኣሜሪካ ንቃለስ ኣለና ዝብል ተረኻኦም ምኽኑይ ንምግባር ዕድል ዝፈጥረሎም እዩ።