ኣመሪካ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ንዝተቐተሉ ወተሃደራታ ሕነ ንምፍዳይ እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ወተሃደር ኣመሪካ ኣብ ኢራቕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደር ኣመሪካ ኣብ ኢራቕ

ኣመሪካ ብሰንበት ሰለስተ ወተሃደራታ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መዓስከራ ብድሮን ድሕሪ ምቕታሎም፡ ነቲ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ክትህበሉ ከምእትኽእል ንምውሳን ኣብ መንቀራቕሮ’ያ ዘላ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ተሪር ግብረመልሲ ከምዝህብ ንህዝቡ ተመባጺዑ ነይሩ፡ እንተዀነ ኣመሪካ እቲ ትወስዶ ግብረመልሲ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት ዘጋድድ ከይከውን’ዩ ብድሆ ኰይኑዋ'ሎ።

በቲ ሓደ ወገን ግብረ መልሲ እንተዘይሂባትሉ ከኣ ብድሕሪ ሕጂ ተመሳሳሊ ዓይነት መጥቃዕትታት ንኽፍጸማ ዘተባብዕ ከይከውን ትሰግእ።

ሚዛኑ ዝሓለፈ ግብረመልሲ ከኣ ብኢራንን መሻርኽታን ኣጐሃሂሩ ካልእ ዝኸፍአ መዓት ከይወርዳ ኣመሪካ ስግኣት ከምዘለዋ’ዩ ዝግመት።

ስለዚ ኣመሪካ እንታይ’ያ ክትገብር ትኽእል? ብኸመይከ ከተካይዶ’ያ?

ኣመሪካ ክትወስዶ ካብ እትኽእል ወተሃደራዊ ስጉምትታት ገለ ክትመርጾም እትኽእል ሕርያታት ኣለዉዋ።

እቶም ዘለዉ ምርጫታት ብቤት ጽሕፈት ምክልኻል፡ ስልያን ሲኣይኤን ክንደፉ እዮም።

እዚ ምስ ተጻፈፈ ናብ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካን ናብ ኣርቀቕቲ ሕግን ክቐርብ’ዩ ፕረዚደንት ከኣ ብኽታሙ ነቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከጽድቘ’ዩ።

ተኽእሎ 1፡ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድግፉ ሓለፍትን መዓስከራቶምን ደብዳብ ምክያድ

እዚ ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ’ውን ክትግብሮ ዝጸንሐትን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ሕርያን’ዩ።

ኣብ ዒራቕን ሶርያን ናይቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ማእለያ ዘይብሎም መዓስከራት፡ መኽዘን ኣጽዋራትን መሰልጠኒ ማእከላትን ኣለዉ።

እዞም ዕጡቓት ብኢራን ዝስልጥኑ፡ ዝምወሉን ዝዓጥቍን ከምዝዀኑ’ዩ ዝእመን፤ እንተዀነ እቲ ዝፍጽምዎ መጥቃዕትታት ብቐጥታ ብኢራን ዝተኣዘዘ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣመሪካ፡ መን ምዃኖምን ኣበይ ከም ዘለዉን ትፈልጥ’ያ።

ብቐሊሉ ኣብ ዘለውሉ መዓስከራት ሚሳይላት ብምስዳድ ሓደጋ ከትወድቘም ትኽእል እያ። እንተዀነ ቅድሚ ሕጂ ክትገብሮ ዝጸንሓት ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ነዞም ዕጡቓት ተወሳኺ መጥቃዕትታት ካብ ምውሳድ ክዓግቶም ኣይክኣለን።

ካብ 7 ጥቅምቲ ክሳብ ሕጂ ጥራይ እንተወሲድና ልዕሊ 170 ግዜ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ መዓስከራት ኣመሪካ ደብዳባት ኣካይዶም ኣለዉ።

ሓደ ጀነራል ኢራን ዕጡቓት እናኣመረቐ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ጀነራል ኢራን ዕጡቓት እናኣመረቐ

ነቲ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዝተፈጸመን ብውሕዱ ሰለስት ኣመሪካውያን ወተሃዳራት ዝተቐተልሉን መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣብ ዒራቕ ዝመደበሩ ‘ኢስላሚክ ረዚስታንስ’ ዝተበሃለ ጕጅለ ሓላፍነት ወሲድሉ ኣሎ።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣንጻር ኣመሪካ መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ዘለዉ ዕጡቓት፡ ምስ ኢራን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ኰይኖም፡ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ዒራቕን ካብ ሶርያን ከተውጽእን ከምኡ ከኣ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ደብዳባት ትድግፍ ስለዘላ ንምቕጻዕን’ዮም ነቲ መጥቃዕትታት ዝፍጽምዎ።

ትኽእሎ 2፡ ንኢራን ምድብዳብ

እዚ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ነውጺ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዘዕርግ ኰይኑ ኣመሪካ ክትመርጾ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ።

ኣይትገብሮን’ያ ግን ክብሃል ኣይክእልን’ዩ።

እንተገይራቶ ግን ኣብ ውሽጢ መሬታዊ ግዝኣት ኢራን’ዩ ክካየድ።

ኢራንን ኣመሪካን ናብ ኣነ’የ ዘበለ ናይ ፊት ንፊት ኲናት ክኣትዋ ዝደልያ ኣይመስላን’የን።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ እንተፈጺማ፡ ኢራን ክትወስዶ እትኽእል ቀዳማይ ስጕምቲ ንወሽመጥ ሓርሙዝ ምዕጻው’ዩ።

እዚ መስመር እዚ 20 ሚእታዊት ነዳድን ጋዝን ካብን ናብን ዝመሓላለፈሉ መስመር ኰይኑ ምዕጻው እዚ መስመር ንመላእ ዓለም ከናውጽ ይኽእል’ዩ።

እቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዳግማይ ንኽምረጽ ዝወዳደር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ሕጂ ኰይኑ ዝወስዶ ስጕምቲ ንኽምረጽን ዘይክምረጽን ወሳኒ ተራ’ዩ ክህልዎ።

ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ መሬታዊ ግዝኣት ኢራን ኣቲኻ ዝፍጸም መጥቃዕቲ እንተኣስጊእዋ፡ ነቶም ኣብ ዒራቕን ሶርያን ብምዃን ዕጡቓት ኣብ ምስልጣን ዝተዋፈሩ ላዕለዎት መኮንናትን ኣዘዝትን ኢራናውያን ምቅንጻል’ዩ።

እዚ’ውን ኣብ ካብ ቅድም ኣትሒዛ ኣመሪካ ተካይዶ ዝነበረት ኣገባብ’ዩ።

ኣብ 2020 ብትእዛዝ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሓደ ካብ ላዕለዎትን ልሉያትን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢራን ዝነበረ ቃስም ሱሌማኒ ብደብዳብ ድሮን ኣብ ባቕዳድ ዝተቐተለሉ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል'ዩ።

ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ እንተወሲዳ’ውን ካብ ኢራን ተሪር ግብረ መልሲ ክመጽኣ ይኽእል’ዩ።

ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ ዝተወሰደ መጥቃዕትታት

ተኽእሎ 3፡ ዝዀነ ግብረ መልሲ ዘይምሃብ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕጂ ማእከላይ ምብራቕ ብነውጺ ኣብ ዝልብለበሉ ዘሎን፡ ኣመሪካ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ምቅርራብ እንከላን ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ግብረ መልሲ ስጉምቲ ምውሳድ ኣይእዋኑን’ዩ ኢሎም ዝማጐቱ ብዙሓት’ዮም።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ንዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ንምብርዓን ተጸሚዱ’ዩ ዘሎ።

ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ካልእ ተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ናይ ምውሳድ ዓቕሙ ዘይከፍቅደሉ ይኽእል’ዩ።

ኣመሪካ’ውን ካብ መሻርኽታ ዝዀና ሃገራት ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ነውጺ ካብ ምግዳድ ክትእደብ ሕውነታዊ ምኽሪ ፈይ የብላላ ከምዘለዋ ይግለጽ’ዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ንዝፈጸመቶ ተመሳሳሊ ግብረ መልስታት ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከጋድዶ’ምበር ከፍኵሶ ኣይተረኣየን ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

ኣብ ኵሉ ግን ግዜ ቀንዲ ረቋሒ’ዩ፡ ገለ ሕጂ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ግድን ኣይኮነን ሕጂ ግብረ መልሲ ክትህበሉ ዝብሉ ኣለዉ።

እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ቅድሚ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ መጥቃዕትታት ይፍጽሙ ነይሮም’ዮም።

ኣመሪካ ነቲ ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ሕጂ እንተዘይፈጺማቶ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ወዲአ ምስ በለት ክትፍጽሞ ትኽእል’ያ።

እዚ ከኣ እቲ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ነውጺ ከየጋድድ ዝብል ስክፍታ ዘለወን መሓዙት ኣመሪካ ስክፍትአን ዝቕንጥጥ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ካልእ ብዙሓት ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዘሎ ዓቕሚ ሰባ ክትንኪ ከምዘለዋ ክጽውዑ ይስምዑ ኣለዉ።

ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ፡ ነቶም ኣብ ሶርያ ኣንጻር ኣይሲስ ዝዋግኡ ንኩርዳውያንዝድግፉ ዝነበሩ ሰራዊት ኣመሪካ ካብታ ሃገር ከየውጽኦም ብሓለፍቲ ስለያን ሰራዊትን’ዩ ዝልመን ነይሩ።

ነዚ ከም ሃጓፍ ተጠቒሙ ትራምፕ ‘ኣነ ድኣ ኢለ ነይረ እንድየ’ እናበለ ናብ ስልጣን ክመጽእ ይኽእል’ዩ፤ ትራምፕ ናብ ስልጣን እንተመጺኡ ንሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኢራንን ሶርያን ከውጽኦም ዓቢ ተኽእሎ ክህሉ’ዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወስዶ ስጕምቲ ሓቢርና ንርእዮ።