ሰለስተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ብድሮን ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, PLANET LABS/AP
ኣብ ጥቓ ዶብ ዮርዳኖስን ሶርያን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ኣመሪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ሰለስተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ከምዝተቐተሉን ሓያለ ከምዝቘሰሉን ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን እቲ መጥቓዕቲ ‘ብኢራን ዝድገፉ ሕሉፋት ጕጅለታት’ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ኣሜሪካ’ውን ግድን ግብረ መልሲ ከምእትህበሉ ኣተንቢሁ።
ዕጡቓት ሓማስ፡ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቓዕቲ ካብ ዝፍጽሙ፡ ኣብቲ ዞባ ሞት ወተሃደራት ኣሜሪካ ከጋጥም እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።
ዮርዳኖስ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ሶርያ’ምበር ኣብ ዮርዳኖስ ከምዘይተፈጸመ ገሊጻ ኣላ።
ኣብቲ ዞባ ቅድሚ ሕጂ ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ መጥቃዕትታት እንተተፈጸመ፡ ኣሜሪካ ሞት ወተሃደራታ ከምዘጋጠመ ክትገልጽ ግን እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።
ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ክሳብ ሕጂ ዝተገለጸ ነገር የለን።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መግለጺኡ “ንዅሎም ነቶም ነዚ ዝፈጸሙ ብዝመረጽናዮ መንገዲ ተሓተትቲ ክንገብሮም ኢና” ኢሉ።
ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ብመንገዲ ጸሓፊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሊሎይድ ኦስቲንን ካልኦት ሰብ መዚን መብርሂ ከምዝተወሃቦ ሓቢሩ።
ኣስማት ናይቶም ዝተቐተሉን ዝተሃረሙን ወተሃደራት ኣሜሪካ ብመሰረት ሕጊ ኣሜሪካ ስድራኦም ቅድም ክንገሩ ስለዘለዎም ኣይተሓበረን ዘሎ።
ኣብ ደቡብ ካሮሊና ምብጻሕ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ጆ ባይደን ኣብ መገሻኡ እንከሎ’ዩ ነቲ ፍጻመ ተኸታቲልዎ።
ሰብ መዚ ኣሜሪካ ካብቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝነበሩ ወተሃደራት ብውሕዱ 34 ኣባላት ስንባደ ከምዘጋጠሞምን እቶም ኣካላዊ ማህረምቲ ዘጋጠሞም ንዝሓሸ ሕክምናዊ ክንክን ካብቲ ቦታ ከምዝተወሰዱ ገሊጾም።
እቶም ሰብ መዚ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ሓያል ምንባሩ ብምግላጾም ቍጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ዝእንፍት’ዩ።
ማእከላይ እዚ ኣሜሪካን ጆ ባይደንን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዮርዳኖስ ጥቓ ዶብ ሶርያ ታወር 22 ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጦም።

እንተዀነ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዮርዳኖስ ሙሃናድ ማውባይዲን ንቴለቪዥን ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣል ጣይፍ ከምዝተፈጸመ ኣብሪሁ።
ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ካብ 17 ጥቀምቲ ክሳብ እቲ መግለጺ ዝተወሃበሉ ኣብ ኢራቕን ኣብ ሶርያን ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ኣሜሪካ ብውሕዱ 97 ግዜ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።
ኣብ መጀመርታ ጥሪ ኣሜሪካ ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ብምውሳድ ኣብ ባቕዳድ መጥቃዕቲ ኣየር ብምፍጻም ሓደ ወተሃደራዊ ሓላፊ ምቕታላ ዝዝከር’ዩ።
ኣሜሪካዊ ጀነራል ሲኪው ብራውን ትማሊ ሰንበት ምስ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሃገሩ ኣብቲ ዞባ ዘላትሉ ቀንዲ ምክንያት እቲ ዘሎ ግጭት ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ንኸየስፋሕፍሕ ንምክልኻል ምዃኑ ገሊጹ።
ኣሜሪካን መላፍንታ ዝዀና ሃገራት በቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዝፍጽምዎ ዘለዎ ተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ንምምካን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓስኪረን ከምለዋ ይፍለጥ።
ሑቲ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ’ዮም ኣብ ልዕሊ ብወሽመጥ ባብኤል መንደብ ዝሓልፋ መራኽብ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ዘለዉ።
ኣብ ጥሪ’ውን ክልተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ገማግም ሶማልያ ንምንቅስቓስ ጀላቡ ሓማስ ዳህሳስ እናኣከየዱ እንከለዉ ኣብዚኣ ኣትዮም ከይተባሃሉ ከምዝጠፍኡ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







