ሓንቲ መርከብ-ነዳዲ ካብ ሑቲ ብዝተተኮሳ ሚሳይል ተቓጺላ

ምንጪ ስእሊ, FRANK FINDLER
ሓንቲ ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ብመጥቃዕቲ ሑቲ ከምዝተቓጸለት ኣካያዲ እታ መርከብ ገሊጹ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ምንቅስቓስ ሑቲ እውን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ዓርቢ ምሸት ንመርከብ ማርሊን ሉዋንዳ ዕላማ ከምዝገበረ ሓቢሩ።
ኣካያዲ እታ መርከብ ትራፊጉራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ገንኢ እታ መርከብ ሓዊ ከምዘስዓበን ንምቁጽጻሩ ጻዕርታት ይግበር ምንባሩን ኣረዲኡ።
ሑቲ ነታ መርከብ ብጸረ መርከብ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዝሃረምዋን ናይ ርድኡኒ ምልክት ምስ ሰደደት ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ምላሽ ከምዝሃባን ሰራዊት ኣሜሪካ ገሊጹ።
ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ'ውን ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ንእትፍጽሞ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ከምዝሕግዝ ዝገልጽ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ መጥቃዕቲ ክፍጽም ጸኒሑ ኣሎ።
ብካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝሕገዛ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ሑቲ መጥቃዕቲ ኣየር ጀሚረን ኣለዋ።
ኣፈኛ ሑቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መርከብ ሉዋንዳ ብብሪጣንያ እትውነን ምዃናንን ዕላማ ዝኾነት ከኣ ግብረመልሲ ናይቲ "ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝጀመርኦ ወራር'ዩ" ኢሉ።
እታ መርከብ-ባንዴራ ናይ ደሴታት ማርሻል እተንበልብል ኮይና ንለንደን ሓዊስካ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ 50 ቦታታት ቤትጽሕፈት ብዘለዎ ንግዳዊ ኩባንያ ትራፊጉራ ትካየድ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ "ፍጹም ተቐባልነት የብሉን" ብምባል ብሪጣንያን መሻርኽታን "ግብረ መልሲ ናይ ምሃብ መሰል ኣለወን" ኢሉ።
ስርሒታት ንግዲ ማሪታይም ብሪጣንያ (UKMTO) እቲ ፍጻመ ካብ ከተማ ዓደን ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ 60 ኖቲካል ማይል ርሒቑ ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።
ካልኦት በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ ክጥንቀቓን ዝኾነ ዝጠርጠርኦ ኩነታት ክሕብራን ኣጠንቂቑ።
ድሒሩ ማእካላይ እዚ ኣሜሪካ ሓይልታቱ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ቀዳም ወጋሕታ ሰዓት 03፡45 ኣብ ልዕሊ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣቕኒዑ ክትኮስ ዝተዳለወ ጸረ-መርከብ ሚሳይል ሑቲ ከምዝሃረሙን "ከም ዘዕነውዎን" ገሊጹ።
ዕጡቓት ሑቲ ካብ ሕዳር ጀሚሮም በቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ ንግዳውያን መራኽብ ዕላማ ክገብሩ ጸኒሖም ኣለው።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







