ብሪጣንያ፡ ሰራሕተኛታት ንመጥቃዕቲ ሓማስ ሓጊዞም ብዝብል ንሕቡራት ሃገራት እትህቦ ደገፍ ፍልስጤም ኣቋሪጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተኛታት ፍልስጤም (UNRWA) እትገብሮ ምወላ ዘቋረጸት ዳሕረወይቲ ሃገር ምዃና እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ትካል ንሓያሎ ሰራሕተኛታቱ ኣብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ኢድ ነይርዎም ብዝብል ክሲ ካብ ስርሖም ከምዝሰጎገ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እስራኤል ብዘቕረበቶም ክስታት "ከምዝሰንበደ" ገሊጹ።
ኣመሪካ፣ ኣውስትራልያ፣ ኢጣልያ፣ ካናዳን ፊንላንድን ድሮ ነቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዝውዕል ተወሳኺ ምወላ ኣቋሪጸን እየን።
እቲ ኣብ 1949 ዝተመስረተ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቃዛ ዝንቀሳቐስ ዝዓበየ ትካል ሕቡራት ሃገራት እዩ። ኣብ ቃዛ፣ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፣ ዮርዳኖስ፣ ሊባኖስን ሶርያን ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ድማ ክንክን ጥዕና፣ ትምህርትን ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛትን የቕርብ። ኣብ ውሽጢ ቃዛ ኣስታት 13 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣለዎ።
እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ መጥቃዕታ ካብ እትጅምር ኣትሒዛ፡ እቲ ትካል ኣብ መላእ ቃዛ ኣብ ዝርከቡ መሳለጥያታቱ ኣማኢት ኣሽሓት ተመዛበልቲ ሲቪላት ኣዕቊቡ እዩ።
እስራኤል ዝሃበቶ ሓበሬታ ስዒቡ መርመራ ክካየድ ከምዝኣዘዘ ድማ ይገልጽ።
እስራኤል ንነዊሕ እዋን ነቲ ትካል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ሕቡራት ሃገራት ብወገናውነትን ዋላ እውን ብጸረ-ሴማውነትን ክትከሶም ጸኒሓ እያ።
ዋና ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ነበር ክሪስቶፈር ጋነስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ትካል ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ምድስካል ዘይተመጣጠነ ምዃኑን ኣብ ቃዛ ዝያዳ ስቓይ ጥራይ ከስዕብ ከምዝኽእልን ገሊጹ።
ጋነስ፡ እቲ ትካል ውሽጣዊ መርመራኡ ቅድሚ ምዝዛሙ ነቶም ኣባላት ሰራሕተኛታት ካብ ስርሖም ብምስጓግ ባዶ ናይ ምዕጋስ ፖሊሲኡ ከምዘርኣየ ይኣምን።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣብ ህንጻታት እቲ ትካልን ከባቢኡን ተዓቊቦም ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ ውሳነ ዝሳቐዩ ንሳቶም እዮም" ይብል። "ምጉዳል ኣገልግሎታት እቲ ትካል'ውን ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ከስዕብ'ዩ" ኢሉ።
ብዓርቢ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ማርክ ረገቭ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ "ብቲ ትካል ደሞዝ” ዝኽፈሎም ሰባት ከምዝተሳተፉ ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ትካል ዝሰርሑ መምህራን ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ብግልጺ ከምዘብዕልዎ" ዘርኢ ሓበሬታ ከምዘሎ ጠቒሱ።
ሓንቲ ጅሆ ተታሒዛ ዝነበረት እስራኤላዊት፡ ምስ ተፈትሐት "ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ኣብቲ ትካል ዝሰርሕ ሰብ ተታሒዛ" ከምዝነበረት ገሊጻ።
"ሓማስ ዝቆጻጸሮ ሕብረት ኣለዎም፡ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣብ መንጎ እቲ ትካልን ሓማስን ዘሎ ምትእስሳር ክምርምሮ እዋኑ'ዩ ዝመስለኒ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ክስታት ካብ ዓበይቲ ለገስቲ ግብረ መልሲ ኣስዒቡ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ተሳቲፎም ብዝብሉ ክስታት ኣዝያ ሰንቢዳ’ላ" ይብል።
"ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ዝምልከቶ ክስታት እናገምገምና ኣብ መጻኢ ዝዀነ ይኹን ምወላ ንግዚኡ ደው ትብሎ ኣላ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣቐዲሙ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዝህቦ ዝነበረ ተወሳኺ ምወላ ደው ከምዘብለ ብምግላጽ፡ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሳቲፎም ዝብል ክሲ "ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ" ገሊጹ ነይሩ።
ሕብረት ኤውሮጳ እውን፡ "ኣብ ውጽኢት ናይቲ ምሉእን ኩለመዳያውን መርመራ ተመርኲሱ" ተወሳኺ ስጉምትታት ክግምግም ምዃኑ ገሊጹ።
ሓላፊ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተኛታት ፍልስጤም ዝኸዎነ ፊሊፕ ላዛሪኒ፡ "ብዘይ ወዓል ሕደር ሓቂ ንምርግጋጽ" ኣብቲ ክስታት ምሉእ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ኣመልኪቱ እዩ።
ወሲኹ፡ "እቲ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ዓቕሙ ንምሕላው፡ ውዕል ናይዞም ኣባላት ሰራሕተኛታት ብቕልጡፍ ከቋርጽ ውሳነ ወሲዱ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ "ተግባራት ራዕዲ" ከምዝተሳተፈ ዝተረጋገጸ ዝዀነ ሰራሕተኛ እውን ተሓታቲ ከምዝዀን ገሊጹ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ድሕሪ እቲ ኲናት፡ እቲ ትካል ኣብ ቃዛ ዝገብሮ ንጥፈት ደው ንኸብል ዕላማ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ሚኒስተር ሲቪላዊ ጉዳያት በዓል መዚ ፍልስጤም ሑሴን ኣል ሸኽ ግን፡ ገለ ሃገራት ነቲ ኣገዳሲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዝህብኦ ደገፍ ደው ከብላ ዝወሰድኦ ውሳነ "ዓቢ ፖለቲካውን ሰብኣውን ሓደጋታት ዘስዕብ'ዩ" ኢሉ።
"እዚ ዓለምለኻዊ ትካል ዝለዓለ ደገፍ የድልዮ'ዩ" ብምባል ድማ ምዕራባውያን ለገስቲ ውሳነኦም ብቕልጡፍ ክስሕቡ ኣተሓሳሲቡ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሚከል ማርቲን፡ ሃገሩ ነቲ ትካል እትህቦ ምወላ ከተቋርጽ መደብ ከምዘይብላ ብምግላጽ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት’ኳ እንተተቐተሉ፡ ን2.3 ሚልዮን ሰባት ህይወት ዘድሕን ሓገዝ ከምዝገበረት” ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ፕረስ ሓማስ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ጉጅለ ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን "በቲ ካብ እስራኤል ዝመጽእ ምፍርራሕን ጸለመን ከይጋገዩ" ከምዝተማሕጸነ ገሊጹ።
ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ደቡባዊ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ካልኦት 250 ሰባት ድማ ጅሆ ተታሒዞም። እዚ ፍጻመታት፡ እስራኤል ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ሓማስ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ዘበገሰ ኰይኑ፡ ልዕሊ 26 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከምዝቐተሉ፡ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ ይሕብር።
ነቲ ትካል ምወላ ካብ ዝገብሩ ዓበይቲ ለገስቲ ኣመሪካ፡ ጀርመንን ሕብረት ኤውሮጳን ይርከብዎም።
እቲ ትካል፡ ንብዙሓት ካብቶም ብገምጋም 1.7 ሚልዮን ዝተመዛበሉ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይቃለስ ከምዘሎ ይገልጽ።
ቃዛውያን ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ መሳለጥያታት ሕቡራት ሃገራት ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተሃሪሞም እዮም።
ብረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ቃዛ ኣብ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።
ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩ ኣሎ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







