ናብ ቓዛ ዝወስድ መተሓላለፊ ባሕሪ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ረድኤት ንምእታው ክሕግዝ’ዩ ዝተብሃለ ናብ ቓዛ ዝወስድ ናይ ባሕሪ መሳገሪ ስራሑ ክጅምር ከምዝኽእል ሓላፊት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ገሊጻ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣሜሪካ ናብ ገማግም ባሕሪ ጋዛ ዝወስድ ተንሳፋፊ ጽርግያ ክትሃንጽ መደብ ከምዘለዋ ምስገለጸ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ።
ይኹን እምበር፡ እዚ ንኽህነጽ ክሳብ 60 መዓልታት ክወስድ ከምዝኽእል ፔንታጎን ብዓርቢ ገሊጹ።
ርብዒ ህዝቢ ጋዛ ኣብ ድርኩዅት ጥሜት ከምዝርከብን ህጻናት ብጥሜት ይሞቱ ከምዘለዉን ሕቡራት ሃገራት ጸብጺቡ።
ናብ ወሽመጥ ቓዛ ሓገዝ ምእታው ከቢድን ሓደገኛን ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ብዓርቢ ዝወጸ ጸብጻባት፡ ሓሙሽተ ሰባት ብሰንኪ ካብ ነፋሪት ዝተደርበየ ረድኤት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።
ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ኩነታት እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ብነፈርቲ ዝተሓገዘ ረድኤት ንምውራድ ከምዝተጠቐማ እኳ እንተገለጻ፡ ትካላት ረድኤት ግን እቲ ሜላ ናይ መወዳእታ መማረጺ ስለዝኾነ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድሌት ከማልእ ከምዘይክእል ይገልጻ።
ሚስ ፎን ደር ሌየን ኣብ ቆጵሮስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ቓዛ "ሰብኣዊ ዕንወት የጋጥማ ኣሎ" ኢላ። እቲ መተሓላለፊ ባሕሪ ድማ ብብዝሒ ተወሳኺ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል እዩ።
ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ቆጵሮስ፡ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኢማራትን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡መተሓላለፊ ባሕሪ ምክያድ "ዝተሓላለኸ" ከምዝኸውንን እስራኤል ብጽርግያ ኣወሃህባ ሓገዝ ንምስፋሕ፣ ዝያዳ መስመራት ንምምችቻውን ተወሳኺ መሳገሪታት ክተከፍትን ዝጀምርዎ ጸቕጢ ኣሐይሎም ክቕጽሉ ምዃኖም ሓቢሮም።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮን፡ "እስራኤል ተወሳኺ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ቓዛ ክትፈቅድ፡ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምብጻሕ ዝቐልጠፈ መንገዲ ምዃኑ ምሕጽንታና ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ።
እስራኤል ነቲ ተበግሶ ብሓጎስ ብምቕባል ካልኦት ሃገራት እውን ክጽንበራ ጸዊዓ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ "ብመሰረት መለክዒታት እስራኤል" ጸጥታዊ ምጽራይ ምስተገብረ፡ ሓገዝ ከምዝበጽሕ ገሊጹ።
ይኹን'ምበር መራሒ ዓለም ለኻዊ ትካል ረድኤት ስደተኛታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ባሕሪ መስመር እኹል መግቢ ከብጽሕ ዝኽእል ተኽእሎ ግን ጸቢብ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እስራኤል ናብ ቓዛ ሓገዝ ንኸይኣቱ ‘ትዕንቅፍ ኣላ’ ንዝብል ክሲ ብምንጻግ ትካላት ረድኤት ነቲ ሓገዝ ብግቡእ ይዕድልዎ ከምዘይለዉ ትኸስስ።
ሚስተር ባይደን ትማሊ ሓሙስ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ኣብ ባሕሪ ዝርከባ መራኽብ ናብ ገማግም ባሕሪ ረድኤት ንምጉዕዓዝ ጽርግያ ክሃንጽ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ግን ንምትካል እቲ መሳገሪ ጽርግያ "ብዙሕ ሰሙናት" ከምዝወስድ ገሊጾም።
እቲ ስርሒት ኣብ ቓዛ ኣብ መሬት ንዝርከቡ ሰራዊት ኣሜሪካ ዘየጠቓልል እዩ ዝበሎ ኮይኑ ዓበይቲ መራኽብ መግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒትን ግዝያዊ መዕቆቢን ከብጽሓ ዘኽእል እዩ።
ሰራዊት ኣሜሪካ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ወደብ ንምዝዛም ክሳብ 60 መዓልታት ክወስድ ከምዝኽእልን፡ ንምህናጹ ድማ ልዕሊ 1000 ኣባላት ክወስድ ከምዝኽእልን ገሊጹ። እንተኾነ ናብ ገምገም ባሕሪ ዝኸይድ ሰብ ኣይክህሉን’ዩ።
ፔንታጎን፡ ኣሜሪካ ኣብ መወዳእታ ንደቂ ቓዛ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሚልዮን መግቢ ናይ ምቕራብ ዕላማ ከምዘለዋ ይገልጽ።
ሚስተር ባይደን፡ እቲ ጽርግያ ኣብ መጠን እቲ ናብ ቓዛ ዝበጽሕ ሓገዝ "ዓቢ ፍልልይ" ከምዝፈጥር እኳ እንተገለጸ፡ እስራኤል ግን ዝያዳ ሓገዝ ናብቲ መሬት ክኣቱ ብምፍቃድን "ሰብኣዊ ሰራሕተኛታት ከምዘይተሓዙ ብምርግጋጽን "እጃማ ክትገብር" ከምዘለዋ ወሲኹ ገሊጹ።
ብዓርቢ ግን ሓደ ናጻ ክኢላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ እስራኤል ናብ ከምዚ ዓይነት ስጉምትታት ምጥቃም "ዕሽነት" እዩ ኢሉ።
ፍሉይ ጸብጻቢ መሰል መግቢ ማይክል ፋክሪ፡ እቲ ውጥን ወደብ፡ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ኣመሪካ ኣብ ዝጅመረሉ ዘሎ እዋን፡ ዝያዳ ንውሽጣዊ ተዓዘብቲ ኣመሪካ ዝዓለመ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ረድኤት ዝጽዓና መካይን ግብጺ ብእትቆጻጸሮ መሳገሪ ራፋሕን እስራኤል ብእትቆጻጸሮ መሳገሪ ከረም ሻሎምን ኣቢለን ናብ ደቡብ ጋዛ ክኣትዋ ጸኒሐን እየን።
ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ግን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዓቢይኡ ካብ ሓገዝ ተቖሪጹ ይርከብ።
ብገምጋም 300 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብውሑድ መግቢን ማይን ኣብኡ ይነብሩ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







