ናብ ሜርኩሪ ዝተለኣኸት መንኰርኮር ሓደስቲ ኣሳእል ሰዲዳ

ምንጪ ስእሊ, European Space Agency
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሰርሐት መንኰርኮር ኣሳእል ሜርኩሪ ልኢኻ።
እታ መንኰርኮር ኣብ 2026 ንሻድሻይ ግዜ ኣብ ዙርያ ዑደት ሜርኩሪ ቅድሚ ምብራራ እያ ኣሳእል እታ ፕላነት ሰዲዳ ዘላ።
እታ ቤፒኮሎምቦ ብዝብል እትጽዋዕ መንኰርኮር ብትካል ኣስትሪየም ዝፈረየት ኰይና ኣብ 2018 ከምዝተወንጨፈት ይፍለጥ።
እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ መረዳእታታት ንምእካብ ዝሕግዙ ክልተ ሳተላይት ዘለዋ ኰይና ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ሙቐትን ጽንኩር ጨረርን ጸሓይ እትጻወረሉ መከላኸሊ ኣለዋ።
ኣብታ መንኰርኮር ዝተገጠሙ መከታተሊ ካሜራታት፡ 295 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ ልዕሊ ሜርኩሬ ኣብ ትነፍረሉ ዝነበረት እዋን ዝተፈላለዩ ኣካላት ክስእሉ ክኢሎም ኣለዉ።
ገለ ካብዚኦም ግዳማዊ መሬት ሜርኩሪን ከምኡ'ውን ብርሃን ጸሓይ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ እታ ፕላነት ከንጸባርቕ እንከሎ ዘርእዩ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, European Space Agency
ቤፒኮሎምቦ፡ ሜርኩሪ ብሓቂ ካብ ምንታይ ከምዝተሰርሐትን ኣብ ገለ ኣካላት እታ ፕላነት ማይ እንተሃልዩን ኣብ ምርግጋጽ ኣበርክቶ ክትገብር እያ።
ብስሕበት ሜርኩሪ ከይትሰሓብ ኣብ ልክዕ ፍጥነት ቅድሚ ምብጽሓ ትሽዓተ ግዜ ኣብ መንጐ መሬት፡ ቬኑስን ሜርኩሪን ክትነፍር እያ።
እዚ ሕጂ ዝሰደደቶ ኣሳእል፡ በቶም ካሜራታት ዝተሰኣሉ ናይ መወዳእታ ኣሳእል እዩ፤ ምኽንያቱ እታ መንኰርኮር ናብ ዑደት ሜርኩሪ ቅድሚ ምእታዋ እቲ ካሜራታት ዝተገጠማሉ ሞጁል ካብተን ክልተ ሳተላይታት ክፍለ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, European Space Agency
ኣካያዲ ስነ-ምንቅስቓስ በረራታት ቤፒኮሎምቦ ዝዀነ ፍራንክ ቡድኒክ፡ "ቀንዲ ምዕራፍ ተልእኾ ቤፒኮሎምቦ ድሕሪ ክልተ ዓመት እዩ ክጅምር፤ እንተዀነ እቶም ኣብ ሜርኩሪ ዝገበረቶም ሽዱሽተ በረራታት ብዛዕባ እታ ብዙሕ ዘይተዳህሰሰት ፕላነት ብዋጋ ዘይትመን ሓድሽ ሓበሬታ ክንረክብ ኣኽኢሎምና'ዮም" ኢሉ።
ኣብ ኤጀንሲ ህዋ ኣውሮጳ ፕሮጀክት ቤፒኮሎምቦ ሳይንቲስት ዝዀነ ጀረይንት ጆንስ ድማ፡ "ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት፡ ጕጅለ ቤፒኮሎምቦ ብዝተኻእለና መጠን ካብዚ በረራ ብዝተረኽበ መረዳእታ ብዙሓት ምስጢራት ሜርኩሪ ንምፍታሕ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና" ክብል ወሲኹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







