ትራምፕ ንግሪንላንድ 'ክቈጻጸራ'የ' ምባሉ ጀርመንን ፈረንሳን ኣጠንቂቐን

ዶናልድ ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ንሃገራዊን ቍጠባውን ድሕነት ኣመሪካ "ኣገዳሲት'ያ" ይብል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶናልድ ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ንሃገራዊን ቍጠባውን ድሕነት ኣመሪካ "ኣገዳሲት'ያ" ይብል

ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንርእሰ-ምምሕዳር መሬት ዴንማርክ ዝዀነት ግሪንላንድ ንምጥቕላል ዘለዎ ሓሳብ ደጊሙ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን ንግሪንላንድ ምፍርራሕ ደው ከብል ኣጠንቂቐን።

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ "ኣዝያ ንእሽቶ ትዅን ኣዝያ ሓያል ብዘየገድስ . . . መትከል ዘይምጥሓስ ዶባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ይምልከት" ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዣን ኖዌል ባሮት ብወገኑ፡ "ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ኣብ ልኡላዊ ዶባት ከጥቅዓ ፍቝድ'ዩ ዝብል ሕቶ ከም ዘየለ ርዱእ'ዩ" ኢሉ።

ትራምፕ ብሰሉስ፡ ደጊሙ ንግሪንላንድ ንምግዛእ ዘለዎ ድሌት ብምግላጽ፡ እታ ደሴት ኣርክቲክ ንሃገራውን ቍጠባውን ድሕነት [ኣመሪካ] "ኣገዳሲት" እያ ከም ዝበለ ይዝከር።

ንሱ፡ ብ2019 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ'ውን፡ ነዚ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ንግሪንላንድ ንምዕዳግ ድሌት ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ይገልጽ ነይሩ።

ንነዊሕ እዋን መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ዴንማርክ፡ ግሪንላንድ ንመሸጣ ከም ዘይትቐርብን ዋናታታ ነበርታ ከም ዝዀኑን ገሊጻ።

ቀዳማይ ምኒስተር ግሪንላንድ ሙተ ኤገደ ካብ ዴንማርክ ናጽነት ንምርካብ ጸቕጢ ይገብር ከም ዘሎ ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ንሱ'ውን እቲ መሬት ንመሸጣ ከም ዘይቀርብ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ።

ብረቡዕ ድማ፡ ኣብ ኮፐንሃገን ዑደት ይገብር ነይሩ።

ቻንስለር ጀርመን ሾልዝ፡ ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ዝመጽእ መግለጺታት ብዝምልከት "ርጉጽ ዘይምግንዛብ" ከም ዘሎ ገሊጹ።

"እቲ መትከል ዘይምጥሓስ ዶባት ኣብ ምብራቕ ይዅን ምዕራብ ብዘየገድስ ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ይምልከት" ኢሉ።

ዴንማርክ ከም ጀርመንን ፈረንሳን ኣባል ናይቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ እያ።

ሾልዝ፡ "ኔቶ ኣገዳሲ መሳርሒ መከላኸሊና ከምኡ'ውን ማእከል ናይቲ ስግር-ኣትላንቲክ ዝምድናና'ዩ" ክብል ኣስሚሩሉ።

ዣን ኖዌል ባሮት ብረቡዕ ንራድዮ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣመሪካ ንግሪንላንድ ክትወርር ድያ ትብሉኒ እንተሃሊኹም፡ መልሰይ ኣይፋል። ናብቲ ሓያል ዝግብተሉ ዘመነ ጐባልል ዲና ንምለስ ዘለና? ከምኡ እንተዀይኑ፡ እወ" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡ ወሲኹ "ስለዚ፡ ንነብስና ክንፈርሕን ክንጭነቕን ከነፍቅድ የብልናን። ክንበራበር . . . ሓይልና ክንሃንጽ ኣለና" ገሊጹ።

ጀርመንን ፈረንሳን ክልተ መሪሕ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ኰይነን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ቀንዲ መራሕቲ ሓይሊ እቲ ዞባ ይስመያ።

ይኹን'ምበር፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንዝዀነ ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ብኸመይ ክከላኸል ከም ዝኽእል ንምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ።

ናይ ባዕሉ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የብሉን፤ መብዛሕትአን ካብተን 27 ኣባላት እቲ ሕብረት ዝዀና ሃገራት ድማ፡ ኣካል ኔቶ እየን።

ትራምፕ 20 ጥሪ 2025 ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ኰይኑ ቃለ መሓላ ክፍጽም'ዩ።

ትራምፕ ግሪንላንድ ወይ ካናል ፓናማ ንምሓዝ ወተሃደራዊ ወይ ቍጠባዊ ሓይሊ ምጥቃም ክእግድ ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ኣይፋልን፡ ካብ ክልቲኡ ንሓዲኡ ከረጋግጸልኩም ኣይክእልን" ኢሉ።

"ነዚ ግን ክብል እኽእል- ንቍጠባዊ ድሕነትና የድልዩና'ዮም።"

ግሪንላንድ ካብ ዝሑል ኲናት ኣትሒዙ መደበር ራዳር ኣመሪካ ዝነበራ ኰይና፡ ካብ ነዊሕ እዋን ንዋሽንግተን ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ነይሩዋ።

ትራምፕ እታ ደሴት፡ "ኣብ ኵሉ ቦታታት" ዘለዋ መራኽብ ቻይናን ሩስያን ንምክትታል ኣብ ዝግበር ወተሃደራዊ ጻዕሪታት ወሳኒት ምዃና ሓሳብ ኣቕሪቡ።

"ብዛዕባ ናጻ ዓለም ምሕላው እየ ዝዛረብ ዘለኹ" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ወዲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰሉስ ኣብ ግሪንላንድ ዑደት ገይሩ ነይሪኡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወዲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰሉስ ኣብ ግሪንላንድ ዑደት ገይሩ ነይሪኡ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳመይቲ ምኒስተር ዴንማርክ ሜተ ፍረደሪክሰን ብሰሉስ ንተሌቪዥን ዴንማርክ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ግሪንላንድ ናይ ግሪንላንዳውያን እያ" ብምባል፡ መጻኢኣ ክውስን ዝኽእል ህዝቢ እቲ ከባቢ ጥራይ ምዃኑን ገሊጻ።

ይዅን'ምበር ዴንማርክ ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ምትሕብባር ከም ዘድልያ ኣስሚራትሉ።

ኣባል ባይቶ ግሪንላንድ ኩኖ ፈንከር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ትራምፕ "ገለ ተባዕ መግለጺታት" ክወሃቦ ክዳሎ ጸኒሑ'ኳ እንተነበረ፡ "ብልኡላውነትን ርእሰ-ውሳነን እታ ደሴት ግን ዘይደራደር'ዩ" ኢሉ።

ሰልፉ ሲዩሙት ኣካል ኣመሓዳሪ ልፍንቲ ግሪንላንድ ዝዀነ ፈንከር፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ "ምስ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝግበር ሃናጺ ዘተን ንኽልቲኡ ወገን ዝጠቅም ምሕዝነትን" ብሓጐስ ክቕበልዎ ምዃኖም ገሊጹ።

"እዚ ህዝቢ ግሪንላንድ ክወስዶ ዘለዎ ውሳነ እዩ፡ ናይ ሓደ ፖለቲከኛ ውሳነ ኣይኰነን" ኢሉ።

ግሪንላንድ 57 ሽሕ ህዝቢ ጥራይ ዝነብረላ ሰፊሕ ርእሰ-ምሕደራ ዘለዋ ኰይና፡ ቁጠባኣ ብዓቢኡ ኣብ ድጐማ ኮፐንሃገን ዝተመርኰሰ እዩ፤ ኣካል ንግስነት ዴንማርክ ኰይና ድማ ትቕጽል ኣላ።

ብተወሳኺ ገለ ካብቶም ዝዓበዩ ዕቑር ማዕድናት ኣለዋ፤ እዚኦም ድማ ኣብ ምፍራይ ባትሪን ልዑል ቴክኖሎጂ ዘለዎም መሳርሒታትን ኣገደስቲ ምዃኖም ይፍለጥ።

ካብ ርእሰ ከተማ ግሪንላንድ ኑክ ጸብጻባት ክህብ ዝጸንሐ ላዕለዋይ ኣህጉራዊ ልኡኽ ኮርፖሬሽን ብሮድካስቲን ዴንማርክ ስቲፈን ክሬትዝ፡ ትራምፕ ነቲ መሬት ንምቍጽጻር ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ከም ዘየድሊ ግልጺ ዘይምግባሩ ንመብዛሕትኦም ዘዘራረቦም ሰባት "ከም ዘሰንበዶም" ተዛሪቡ።

ኣብ ግሪንላንድ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ መጻኢ ናጽነት ክረክብ ተስፋ ክገብር እንከሎ፡ ልክዕ ከም ዴንማርክ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ምክልኻልን ቍጠባዊ መሰረትን ክህብ ዝኽእል መሻርኽቲ ከም ዘድልያ ብሰፊሑ ከም ዝእመን ገሊጹ።

"ክሳብ ሕጂ ኣብ ግሪንላንድ እታ ደሴት ግዝኣት ንኸም ኣመሪካ ዝኣመሰለ ናይ ደገ ሓይሊ ክትከውን ዝሓልም ሰብ ኣይረኸብኩን።"

ወዲ ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር ብሰሉስ ኣብ ግሪንላንድ ሓጺር ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።

እዚ ድማ ምስ ሰባት ንምዝርራብ ዝገበሮ "ውልቃዊ ናይ ሓደ መዓልቲ ጕዕዞ" ክብል ገሊጽዎ።

ብድሕሪኡ ምስ ሓደ ጕጅለ ግሪንላንዳውያን ኣብ ሓደ ባር ንትራምፕ ዝድግፍ ቆቢዕ ተኸዲኖም ዝተስኣሉዎ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠቂዑ።