ኣመሪካ፡ ንደገፍቲ ትራምፕ ዘሰሓሕብ ዘሎ ቪዛ ኤች-1ቢ እንታይ'ዩ?

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፕሮግራም ቪዛ ኣመሪካ ዝምልከት ክትዕ ሕጊ ኢሚግሬሽን ኣልዒሎም ኣለው።

እቲ ብርቱዕ ዘይምቅዳው ብዛዕባ ኤች-1ቢ (H-1B) ቪዛታት ዝምልከት ኰይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ኩባንያታት ካብ ሃገራት ወጻኢ ናብ ዝተወሰኑ ኢንዳስትሪታት ክኢላታት ሰራሕተኛታት ከምጽኣ ዘኽእል ቪዛ እዩ።

ገለ ተሪር መርገጺ ኢሚግሬሽን ዘለዎም ሰባት፡ እዚ መደብ ንኣመሪካውያን ሰራሕተኛታት ከም ዝጸልዎም ይገልጹ - ደገፍቲ ግን እቶም ቪዛታት ኣመሪካ ካብ መላእ ዓለም ዝበለጹ ክኢላታት ክትስሕብ ከም ዘኽእላ ይዛረቡ።

እቲ ምሩጽ ፕረዚደንት፡ ነቲ መደብ ከም ዝድግፎ ብምግላጽ - ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቒፉዎ እኳ እንተነበረ - ቢልዮነር ቴክኖሎጂ ኢሎን ማስክ'ውን "ላዕለዎት 0.1 ሚእታዊት ክኢላታት ምህንድስና" ከም ዝስሕብ ብምግላጽ ደጊፉዎ።

ንምዃኑ በዞም ቪዛታት ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ዝኽእል ሰብ መን'ዩ?

ኣብ ዓመት ክንደይ ሰባት ነዚ ቪዛ ይረኽቡ?

እዚ ክእለት ንዘለዎም ሰራሕተኛታት ዝወሃብ ቪዛ ኤች-1ቢ ኣብ 1990 እዩ ተኣታትዩ።

ብልሙድ ንሰለስተ ዓመት ዝወሃብ ኰይኑ፡ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ክናዋሕ ይኽእል።

ከም ካብ 2004 [ኣ.ኣ] ጀሚሩ፡ ቍጽሪ ሓደስቲ ዝጸድቁ ቪዛታት ኤች-1ቢ ኣብ ዓመት 85 ሽሕ ክኸውን ተገዲቡ ኣሎ።

ካብዚኦም እቶም 20 ሽሕ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ማስተርስ ዲግሪ ወይ ልዕሊኡ ንዝምሃሩ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ዝተሓዝኡ እዮም።

ይዅን'ምበር እቲ መደብ ንገለ ትካላት ከም ዩኒቨርሲቲታት፣ ኣማኸርቲ ትካላትን ካልኦት ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ጕጅለታት መጽናዕትን ስለ ዘይምልከት መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ቪዛታት ይወሃቡ'ዮም።

ሰባት ንኤች-1ቢ ቪዛ ከመልክቱ ዝኽእሉ ምስ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ወጻኢታቶም ክሽፍን ዝኽእል ትካል ዝኣሰሩዎ ውዕል ስራሕ ምስ ዝህልዎም ጥራይ እዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ነቶም ድሮ ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ሰባት ዝጸንሕሉ ግዜ ኣናዊሑሎም ኣሎ።

ኣብዚ መወዳእታ ዓመት ዓመት 2023 (ጥቅምቲ 2022-መስከረም 2023) ልዕሊ 386,000 ናይ ኤች-1ቢ መመልከቲታት ከም ዝጸደቑ ኣሃዛት ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣመሪካ (USCIS) ይሕብሩ።

እዚ ድማ ዳርጋ 119 ሽሕ ሓደስቲ ቪዛታት ኤች-1ቢን ኣስታት 267 ሽሕ ምንዋሕ ናይቲ ዝጸንሐ ቪዛታትን የጠቓልል።

ብሓፈሻ ግን ኣብ 2023 ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ልዕሊ 474 ሽሕ ዝተሓተ እዩ።

ኣብ ሕሉፍ፡ ዝያዳ መደብ ኤች-1ቢ ንምድራት ዝግበሩ ጻዕሪታት ነይሮም'ዮም።

ኣብ 2017፡ (ትራምፕ ፕረዚደንት ነይሩ) ኣብ መመልከቲ ቪዛ ኤች-1ቢ ዝግበር ምጽራይ ክጸንዕ ዝገብር ትእዛዝ ፈሪሙ።

መጠን ምንጻግ ድማ ኣብ ቀዳማይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ካልእ ግዜ ብዝተፈለየ ኣዝዩ ዝለዓለ ነይሩ።

ኣብ በጀት ዓመት 2018፡ 24 ሚእታዊት በጺሑ ነይሩ።

እዚ ምስቲ ኣብ እዋን ምምሕዳር ኦባማ ካብ 5-8 ሚእታዊት፡ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ባይደን ድማ ካብ 2-4 ሚእታዊት ዝነበረ መጠን ምንጻግ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።

ይዅን'ምበር ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባይደን ጠቕላላ ቍጽሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ኣመልከትቲ ምስቲ ኣብ እዋን ቀዳማይ እብረ ትራምፕ ዝነበረ ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ።

ካብ 2018 ክሳብ 2020 ኣብ ዘለው ሰለስተ ዓመታት ኣስታት 1.1 ሚልዮን ሕቶታት ክጸድቁ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም ኣስታት 343 ሽሕ ንመጀመርታ ግዜ ዘመልከቱ እዮም።

ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ዓመታት ምምሕዳር ባይደን [2021-2023] ኣስታት 1.2 ሚልዮን መመልከቲታት ክጸድቁ እንከለዉ፡ ዳርጋ 375 ሽሕ ሓደስቲ ሓተትቲ ቪዛ ኤች-1ቢ ኰይኖም ተመዝጊቦም።

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብቲ ዝወሃብ መጠን ቪዛ እቲ ጠለብ ይዛይድ።

ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣመሪካ፡ ንመደብ ኤች-1ቢ ከም ሎተሪ ብኣድማዒ መንገዲ የካይዶ - እዚ ድማ ነቐፍቲ ኣብቲ ስርዓት መሰረታዊ ጕድለት ዘጉልሕ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

"ኣብ መወዳእታ፡ ን'ክኢላታት' ሰራሕተኛታት ዝኸውን ናይ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ፕሮግራም ክህልወካ እንተዀይኑ፡ ነዞም ቪዛታት ብዕጫ ኣይትህቦምን" ይብል ዳይረክተር መጽናዕቲ ናይቲ ንዝያዳ ጽኑዕ ኢሚግሬሽን ዝጣበቕ 'Numbers USA' ዝተባህለ ትካል ዝዀነ ኤሪክ ሩኣርክ።

"ብግልጺ፡ ነቲ ዝበለጸን ዝደመቐን ከምኡ ጌርካ ከም ዘይትረኽቦ ርዱእ'ዩ።"

ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ነዚ ቪዛ ከም ዝረኸቡ ዘመላኽት ወግዓዊ መረዳእታ የለን።

እንተዀነ፡ ብዝሒ ነዚ ቪዛ ዘመልከቱ ሰባት ከም ዝወሰኸ መባእታዊ ኣሃዛት የመልክቱ።

ዩኤስሲኣይኤስ ብዝሒ ብቝዓት ተመዝገብቲ ኢሉ ኣብ ዝሓተሞ ጸብጻብ፡ ኣብ ባጀት ዓመት 2024፡ 758 ሽሕን 994 መመልከቲ ከም ዝተራእየ ሓቢሩ።

እዚ፡ ኣብ 2023፡ 474 ሽሕን 421 ከም ዝነበረ'ውን ጠቒሱ።

ትራምፕ ኣብ ጥሪ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መወዳእታ ንኽትዕ ቪዛ ኤች-1ቢ ዘቕርቦ ፍታሕ ካብቶም ንፕረዚደንትነቱ ዝገልጹ ረቛሒታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምን ይብል ሩኣርክ።

"ካልኣይ እብረ [ትራምፕ] ደጋፊ ኣመሪካዊ ሰራሕተኛ ድዩ ክኸውን፡ ወይስ ናብቲ ንኣመሪካውያን ሰራሕተኛታት ብምውጻዕ ንኣስራሕቲ ንምሕጋዝ ዝተዳለወ ኰይኑ ናብ ናይ ቀደም መርገጺ ሪፐብሊካን'ዩ ክምለስ?" ዝብል ክንርኢ ኢና ኢሉ።

"ኣብ ካልኣይ ምልሶት ትራምፕ ዓብይ ቃልሲ'ዩ ክህሉ።"

ኣበየኖት ኢንዳስትሪታትን ኩባንያታትን ይሰርሑ?

መብዛሕትኦም ፍቓድ ዝረኸቡ ኣመልከትቲ ኣብ ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂ፡ ምህንድስናን ሕሳብን እዮም ዝሰርሑ።

መብዛሕትኦም ምስ ኮምፒተር ዝተኣሳሰሩ ሞያታት እዮም - እዚ ኣብ ባጀት ዓመት 2023፡ 65 ሚእታዊት ነይሩ።

ቀጺሉ፡ ኣብ ኪነ-ህንጻ፡ ምህንድስናን ዳህሳስን ኰይኖም፣ ኣስታት 10 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ 2023 ዝጸደቑ ቪዛታት ነይሮም።

ብመንጽር ኩባንያታት፡ ኣማዞን ኣብ 2024 ንኤች-1ቢ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ዝለዓለ ኣስራሒ ኰይኑ፡ በዚ መገዲ ልዕሊ 13 ሽሕ ሰራሕተኛታት ቈጺሩ።

ካልኦት ከም ጉግል፡ ሜታን ኣፕልን'ውን ኣብ ዝርዝር ኣስራሕቲ ልዑል ደረጃ ኣለዎም - ብቕደም ሰዓብ 4ይ፡ 6ይን 8ይን ደረጃ ይሕዙ።

ተስላ፡ ሓደ ካብቶም ብኢሎን ማስክ ዝውነኑ ኩባንያታት - ነቲ መደብ ዝደገፈ - ኣብ መበል 22 ደረጃ ክስራዕ እንከሎ፡ ልዕሊ 1700 ሰባት ብኤች-1ቢ ቪዛ ቈጺሩ።

ካሊፎርንያን ቴክሳስን ኣብ 2024 ብብዝሒ ኤች-1ቢ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ዝሰርሑለን ግዝኣታት እየን።

ኣታዊኦም ክንደይ'ዩ?

ማእከላይ ዓመታዊ ኣታዊ ናይቶም ኣብ ኣመሪካ ብኤች-1ቢ ቪዛ ዝሰርሑ ሰባት ኣብ 2023፡ 118 ሽሕ ዶላር ነይሩ።

ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ ሞያ ኮምፒተርን ሕሳብን ዝሰርሑ ሰባት፡ ብማእከላይ ዓመታዊ ኣታዊኦም ኣስታት 113 ሽሕ ዶላር እዩ - እዚ ድማ ካብቶም ብመገዲ ፕሮግራም ኤች-1ቢ ኣብ ተመሳሳሊ ጽላታት ዝርከቡ ቅሩብ ዝወሓደ እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ማእከላይ እቶት ስድራቤታት ኣብ ዓመት ኣስታት 60 ሽሕ ዶላር እዩ።

ተቓወምቲ መደብ ኤች-1ቢ መብዛሕትኡ ግዜ ወነንቲ ኤች-1ቢ ደሞዝ ኣመሪካውያን ሰራሕተኛታት ክጐድል'ዮም ዝገብሩ ዝብል ምጕት ከቕርቡ እንከለዉ፡ ገለ ጠበቓታትን ክኢላታትን ኢሚግሬሽን ግን ነቲ ኣተሓሳስባ ይነጽግዎ።

ኣብ ማሕበር ጠበቓታት ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ላዕለወይቲ ዳይረክተር ርክብ መንግስቲ ሸቭ ዳላል-ደይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ዘሎ ክፍሊት ወነንቲ ቪዛ ኤች-1ቢ ንኻልኦት ሰራሕተኛታት ብኣሉታ ዝጸልው ከም ዘይኰኑ እዩ ዘርኢ ትብል።

"ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ መሃንድስ ሶፍትዌር ኢኻ ንበል። ኣብ ዲሲ ንዝርከቡ መሃንድሳት ሶፍትዌር ዝኽፈሎም ደረጃ ርኢኻ፡ ብውሑድ ድማ ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ትኸፍል ከም ዘለኻ ከተረጋግጽ ኣለካ።"

ብተወሳኺ፡ ትካላት ኣመሪካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብቪዛ ኤች-1ቢ ንዘምጽኡዎም ሰራሕተኛታት ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ወጻኢታት ከም ዝገብሩ ብምግላጽ፡ "ብቕዓት ዘለዎ ኣመሪካዊ ሰራሕተኛ እንተዝረኽቡ፡ መብዛሕትአን ኩባንያታት ምናልባት ነዚ ኣመሪካዊ ሰራሕተኛ ክቘጽራኦ ምመረጻ፡ ምኽንያቱ ወጻኢታት ስለ ዝቝጥበለን" ኢላ።

ሰባት ካበይ'ዮም ዝመጽኡ ዘለዉ?

መብዛሕትኦም ካብ ህንዲ ዝመጽኡ እዮም።

ኣስታት 72 ሚእታዊት ቪዛ ንዜጋታት ህንዲ ክወሃብ እንከሎ፡ 12 ሚእታዊት ድማ ንዜጋታት ቻይና ከም ዝተዋህበ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣስታት 1 ሚእታዊት ከኣ ካብ ፊሊፒንስ፡ ካናዳን ደቡብ ኮርያን ዝመጽኡ እዮም።

ካብቶም ብኤች-1ቢ ቪዛ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ኣስታት 70 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም፡ ማእከላይ ዕድመ ከባቢ 33 ዓመት እዩ።