ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ናብ ኬንያ ሰላሕታዊ ምብጻሕ ይፍጽም ከም ዘሎ ተፈሊጡ

ምንጪ ስእሊ, MFA Russia/Twitter
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ኣብ ኬንያ ብወግዒ ዘየተገልጸ ዑደት ይፍጸም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ላቭሮቭ፡ ነቲ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ናብ ኬንያ ካብ ሎሚ ሰኑይ ንግሆ እዩ ጀሚርዎ ዘሎ። ይዅን እምበር ንዕላማ እቲ ምብጻሕ ይዅን ዝሓዞም ኣጀንዳትታት ብዝምልከት ግን ዝዀነ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣይሃበን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጻቱ ኣብ ዝዘርግሖ ጹሑፉ እቲ ምብጻሕ፡ "ንክልተኣዊ ዝምድና ሩስያን ኬንያን ኣዝዩ ፍረ ዘለዎ ሰሙን ክኸውን'ዩ" ኢሉ።
በዚ ምክንያት ፕረዚደንት ሃገረ ኬንያ ዊልያም ሩቶ ናብቲ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍርቃ ሲርል ራማፎሳ ዝርከቦም ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎ ንሎሚ ሰኑይ ዝካየድ ጽንብል ፕረዚደንትነት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ኣይክሳተፍን እዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ዲሚትሪ ኩሌባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ከም ዘካየደ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማትን ዘካየዶ ዝርርብ፡ ኣፍሪቃ ንሃገሩ ዩክረይን ክትሕግዝ ተማሕጺኑ እዩ።
እዚ ዑደት ሰገይ ላቭሮቭ ሰላሕታዊ ምብጻሕ ናብ ኬንያ እውን ካብዚ ብዘይፍለ፡ ሃገሩ ምስ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝጸንሓ ዲፕሎማሲ ንምድልዳልን ጽልዋኣ ንምዕማቝ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ላቭሮቭ፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ከም ዝተዘራረበ ኣይርሳዕን።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ሓምለ 2022 እውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ብምክያድ፡ ኣብቲ ሃገሩ ምስ ዩክረይን ኣትያቶ ዘላ ኲናት ደገፍ ሃገራt ኣፍሪቃ ንምርካብ ዝሕመረቱ ዲፕሎማስያዊ ዝርርባት ኣካይዱ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣፍሪቃ፡ ብሓፈሻ ዝተፈላለዩ ምዕራባውያን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ከተስተናግድ ምጽንሓ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እታ ኣህጉር ዓበይቲ ሓይልታት ዓለምና ንናይ ገዛእ ርእሰን ረብሓታት ኣብ ዝወዳደራሉ ዘለዋ ጂኦስትራተጂያዊት ሜዳ ውግእ ናይ ምዃን ሓደጋ የንጸላለዋ ከምዘሎ፡ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣጠንቂቝ።
ኣቦ መንበር ሙሳ ፋኪ መሃማት፡ ነቲ ሓድሽ ዝሑል ኲናት ንምፍጣር ዝቕስቕስ እዩ ዝበሎ እናጻዕጽዐ ዝኸይድ ዘሎ ሳዐቤን ዓለማዊ ምትፍናን፡ ኣፍሪቃ ክትቃለሶ ኣለዋ ብምባል ዝተሓሳሰበ ኣብቲ ጽንብል መበል ስሳ ዓመት ምምስራት ናይቲ ቅድሚ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







