ርእሰ ከተማ ዩክረይን ንካልኣይ ለይቲ ብመጥቃዕቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ትናወጽ

 ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ሚሳይልን ኣብ ልዕሊ ኪየቭ ኣብ ሰማይ ዝተፈጸመ ፍንጀራ

ምንጪ ስእሊ, RUTTERS

ዩክረይን፡ ንካልኣይ ለይቲ በቲ ንርእሰ ከተማኣ ኪቭ ዒላማ ዝገበረ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ክትናውጽ ሓዲራ።

ሰበስልጣን እታ ከተማ ሓይልታት ዩክረይን ንላሊ 40 መጥቃዐቲ ኣየር ከምዘበርዓኑ ይገልጹ።

ኣብ ኪቭ፡ ዛጊት ዝዀነ ይዅን ናይ ሞት ግዳያት እኳ እንተዘየለዉ፡ በቲ መቃዕቲ ግን ኣብ ሓያለ ህንጻታት ዓንዩ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ዞባታት ልቪቭ፡ ኦዴሳ፡ ቪኒትስያን ክመልኒትስኪን እውን ፍንጀራ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።

ሩስያ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ንመበል 15 ግዜ መጥቃዕቲ ኣየር ዘካየደቶ ኰይኑ፡ ንኻልኣይ ለይቲ ኣከታቲላ ዝገበረቶ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ እዩ።

በቲ ኣብ ክመልኒትስኪ ኣብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንሓሙሽተ ነፈርቲን መዓርፎ ነፈርቲን ከምዝሃሰየ እውን ሰብ መዚ እቲ ዞባ ገሊጾም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኦለክሳንደር ሸርባ ነዚ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እተን ዝሓለፋ መዓልታት ንነበርቲ ኪቭ ኣዝየን ከብድቲ ምንባረን ሓቢሩ።

“ምሸት ምሸት ሰማያት ኪቨ ብዝውላዕ መስታ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድምጹን ዳርጋ ተኸታታሊ ፊልም 'ስታር ዋርስ' (Star Wars episode) ዘለኻ እዩ ዝመስል። ግናኸ፡ ሳላ እቶም ነዚ መከላኸሊ ኣየር ዝሃባና ጭዋታት ሃገራትን ህዝቢ ዓለምን፡ ሮኬታት ሩስያ ኣብ ዒላማታተን ከይበጽሓ ኣፍሺልናየን፡” ኢሉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ናብራ እታ ርእሰ ከተማ ካብ ንቡር ወጻኢ ምዃኑ ዝገለጸ ሸርባ፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ድቃስ ዘይብሉ ለይትን "ኣካል ልምድና" ኰይኑ ክብል ገሊጹ።

ትማሊ ሰንበት ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኣየር ዩክረይን ካብ 59 ፍርያት ኢራን ዝዀና ድሮናት ሩስያ እተን 58 ወቒዖም ከም ዘውደቝ ብምግላጽ፡ “ወትሩ ድሮናትን ሚሳይላትን ጸላኢ ወቒዕኩም ከተውድቝ እንከለኹም፡ ህይወት እዩ ዝድሕን ዘሎ . . . ጀጋኑ ኢኹም” ብምባል ሞጊሱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብቐዳም ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ጸጥታ ዩክረይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ሃገር ስርሒት ጸረ-መጥቃዕቲ ክትጅምር ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ ነይሩ።

ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረይን ኦሌክሲ ዳኒሎቭ፡ እቲ ጸረ-መጥቃዕቲ "ጽባሕ፡ ድሕሪ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ሓደ ሰሙን" ክጅምር ከም ዝኽእል’ዩ ገሊጹ።

ዩክረይን ንኣዋርሕ ጸረ-መጥቃዕቲ ንምክያድ መደብ ክተውጽእ እኳ እንተጸንሐት ብዝተኻእለ መጠን ሰራዊት ንምስልጣንን ካብ ምዕራባውያን መሓዙት ወተሃደራዊ ናውቲ ንምቕባልን ግዜ ከም ዘድለያ ይፍለጥ።

ሓይልታት ሩስያ ብወገኖም ኣብተን ዝቈጻጸርወን ዞባታት ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን ምክልኻል ከዳልዉ ጸኒሖም እዮም።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣንድሬ ኬሊን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ "ኣዝዩ ዓቢ ጸጋታት" ከም ዘለዋን፡ ገና "ኣዝያ ብዕቱብ" ስጕምቲ” ከም ዘይወሰደትን ገሊጹ።

ወሲኹ፡ ንዩክረይን ዝወሃብ ቀረብ ኣጽዋር፡ ውዒሉ ሓዲሩ ነቲ ኲናት ክሳዕ ሕጂ ብዘይተራእየ መንገዲ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቝ።