‘ባክሙት ክሳዕ ሰነ ንሰራዊት ሩስያ ክነረክባ ኢና’ - ሓላፊ ቫግነር

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES
ሓላፊ ሩስያዊ ዕሱብ ጕጅለ ቫግነር፡ ንዩክረይናዊት ከተማ ባክሙት ክሳዕ 1 ሰነ ናብ ቍጽጽር ሰራዊት ሩስያ ከም ዘሰጋግራ ቃል ኣትዩ።
መስራቲ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ብሰንበት ንባክሙት ከም ዝተቘጻጸሩ ገሊጹ’ኳ እንተነበረ፡ ኪቭ ግን ክሳዕ ሕጂ ንገለ ክፋል እታ ከተማ ከም እትቆጻጸር ትገልጽ።
ዩክረይን፡ ሰራዊታ ሕጂ’ውን ኣብ ወሰን ከተማ ባክሙት ይግስግሱ ከም ዘለዉ’ያ ትሕብር።
ፕሪጎዚን ግን፡ ሰራዊቱ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ነታ ከተማ ንሰራዊት ሩስያ ከረክቡ ምዃኖም ሓቢሩ።
"ቫግነር ካብ 25 ግንቦት ክሳዕ 1 ሰነ ካብ ኣርተሞቭስክ ክወጽእ'ዩ" ክብል ብቴሌግራም ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ድምጺ ገሊጹ።
ባክሙት፡ ቅድሚ ሕጂ ንኽብሪ ሰውራዊ ሶቭየት ተባሂሉ ኣርተሞቭስክ ብዝብል ስም እያ ትጽዋዕ ነይራ፤ ዩክረይን ግን ስም እታ ከተማ ናብ ባክሙት ክቕየር ገይራ።
ፕሪጎዚን፡ ቫግነር ንባክሙት ቅድሚ ምርካቡ፡ ኣብ ምዕራብ እታ ከተማ "መስመራት ምክልኻል" ከም ዘቘመ ገሊጹ።
ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ሃና ማሊያር ግን፡ ሓይልት ሃገራ ገና ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ንእሽቶ ቦታ ከም ዝቈጻጸሩን ኣብ ወሰን እታ ከተማ ይግስግሱ ከም ዘለዉን ደጊማ ብምግላጽ፡ "ጽዓት" ምንቅስቓሶም ከም ዝነከየ ሓቢራ።
ድሒራ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ክሳዕ ሕጂ "ኣብ ከባቢ 'ሊታክ' ዝርከቡ ዝተወሰኑ ናይ ብሕቲ መሳለጥያታትን ውልቃዊ ጽላትን" እታ ከተማ ይቈጻጸርዎ ከም ዘለዉ ገሊጻ።
ባክሙት ንሩስያ ትሑት ስትራተጂካዊ ዋጋ ከም ዘለዋ ተንተንቲ ይገልጹ፡ እንተዀነ ድሕሪ እቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ነዊሕ ኲናት ስዒቡ ነታ ከተማ ምቍጽጻራ ንሩስያ ምሳሌ ዓወት ክኸውን ይኽእል።
ዕሱባት ቫግነር ንኣዋርሕ ጻዕርታቶም ኣብታ ከተማ ኣተኲሮም ጸኒሖም እዮም፤ እቲ ዘይሕለልን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓተተን ማዕበል ደቂ ተባዕትዮ ናይ ምልኣኽ ሜላኦም ድማ በብቕሩብ ንምክልኻል ዩክረይን ዘዳኸመ ይመስል።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ካብ ክልቲኡ ወገናት ብዛዕባ ኵነታት ባክሙት ዝጋጮ ክስታት ቀሪቡ እዩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ 7 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ባክሙት ብሩስያ "ኣይተጎበጠን" ኢሉ ኣጽኒዑ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ቫግነር ነታ ከተማ ከም ዝተቘጻጸረ ድሕሪ ምግላጹ ነቲ ጕጅለ እንቋዕ ሓጐሰኩም ኢሉ።
ሓላፊ ቫግነር ፕሪጎዚን ምስ ገለ ተጋደላቱ ኰይኑ ኣብ ዘርኢን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖን ቪድዮ’ዩ ነታ ከተማ ከም ዝተቖጻጸረ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕሪጎዚን ነታ ከተማ ኣብ ምምንዛዕ፡ ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ብሕቲ ሰራዊቱን ዝና ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ።
ንሱ፡ "ሚኒስትሪ ምክልኻል እኹል ኣባላት እንተዘይሃለዎ፡ ንሕና ኣሽሓት ጀነራላት ኣለዉና" ኢሉ።
ንላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ሩስያ ብተደጋጋሚ ዒላማ ብምግባር፡ ንወተሃደራቱ ከም ዘይድግፉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይነቕፎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሰራዊቱ ኣዝዩ ዘድሊ ተተኮስቲ እንተዘይተቐሪቡሎም ካብታ ከተማ ክስሕቦም ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።
ንባክሙት ምቁጽጻራ፡ ሩስያ ናብቲ ንመላእ ዞባ ዶነስክ ንምቍጽጻር ዘለዋ ዕላማ ቅሩብ ክትቀርብ ዘኽእላ እዩ።
ይዅን’ምበር፡ ሩስያ ዝሓለፈ ሓጋይ ንከተማታት ሰቨሮዶኔትስክን ሊሲቻንስክን ክትሕዝ ብትሪ ኣብ ዝተቓለሰትሉ እዋን፡ ዩክረይን ኣብ ካልእ ቦታታት ዝነበረ ስፍሓት መሬት ንክትመልስ ግዜ ኣይወሰደላን።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣመሪካ ንባክሙት ንምቍጽጻር ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝተቐትሉን ካልኦት 80 ሽሕ ድማ ቆሲሎም ምህላዎም ከም እትኣምን ገሊጻ ነይራ።
ቢቢሲ ነቲ ኣሃዛት ብነጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ቅድሚ እቲ ወራር ኣብ ባክሙት ኣስታት 70,000 ነበርቲ’ኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ውሑዳት ኣሽሓት ጥራይ ከም ዝተረፉ ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







