ዘለንስኪ፡ ከተማ ባክሙት ምሉእ ብምሉእ ዓንያ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ባክሙት ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ተዓዊተ ምባላ ብምንጻግ ባክሙት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወት ገሊጹ።
ዘለንስኪ ሎሚ ሓይልታቱ ነታ ምብራቓዊት ከተማ ዩክረይን ተቘጻጺሮምዋ ድዮም ዝብል ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ዘሕዝን'ዩ፤ ትራጀዲ'ዩ፤ ንሎሚ ግን ባክሙት ኣብ ልብና ጥራይ'ያ ዘላ” ኢሉ።
ድሒሩ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ሩስያ ወዲቓ ማለቱ ኣይኰነን ክብል ገሊጹ።
ትማሊ ቀዳም፡ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ዝዀነ ጕጅለ ቫግነር፡ ነታ ከተማ ከም ዝሓዛ ኣፍሊጡ ነይሩ።
መስራቲ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ምስ ገለ ካብ ተዋጋእቱ ስእሊ እናወሰደ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ሓይልታቱ ንመላእ እታ ከተማ ከም ዝተቘጻጸርዋ ይገልጽ።
መንግስቲ ዩክረይን ግን እቲ ኵነታት "ኣስጋኢ" ምዃኑ'ኳ እንተኣመነ፡ ነዚ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳባት ነጺጉ።
ሎሚ ሰንበት ድማ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሩስያ ንባክሙት ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ከም ዝተዓወተትን፡ ኵሎም ወተሃደራት ድማ ሃገራዊ ሽልማት ክረኽቡ ምዃኖምን ገሊጹ።
ባክሙት ንሞስኮ ብዙሕ ስትራተጂያዊ ዋጋ ከም ዘይብላ ተንተንቲ ይገልጹ።
እንተዀነ፡ እታ ከተማ ብሩስያ ምትሓዛ ንሩስያ ድሕሪ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዩክረይን ዘካየደቶ ዝነውሐ ውግእ፡ ምሳሌያዊ ዓወት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ጀሚሮም ነታ ከተማ ንምሓዝ ክዋግኡ ጸኒሖም’ዮም።
ሰበስልጣን ምዕራባውያን ኣብ ባክሙት ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ክሞቱ ወይ ክቖስሉ እንከለዉ ሰራዊት ዩክረይን እውን ከቢድ ዋጋ ከፊሉ እዩ ይብሉ።
ኣብቲ ኣብ ሂሮሽማ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ 7 ዝሳተፍ ዘሎ ዘለንስኪ፡ ብዛዕባ ባክሙት ተሓቲቱ እዩ።
"ዋላ ሓደ ነገር ከም ዘየለ ክትግንዘቡ ይግባእ፤ ኵሉ ኣዕኒዮምዎ’ዮም” ብምባል፡ “ብዙሓት ዝሞቱ ሩስያውያን" ከም ዘለዉ ገሊጹ።
“ተኸላኸልትና... ሓያል ስራሕ ሰሪሖም’ዮም፤ ብርግጽ ድማ በቲ ዓቢ ስራሖም ነመስግኖም።"
ኣብታ ከተማ ደው ዝበለ ህንጻ ዳርጋ የለን፣ ዳርጋ ምሉእ ህዝባ ድማ ሃዲሙ’ዩ።
ተስፋ ዩክረይን እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ውግእ ንሰራዊትን ቀረብን ሩስያ ኣድኪሙዎ እዩ ዝብል እዩ።
ዘለንስኪ ቅድሚ ሕጂ ነታ ከተማ "ዕርዲ" ሞራል ዩክረይን ክብል ገሊጽዋ ነይሩ።
ሓይልታት ቫግነር ነቲ ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መሪሖሞ ዘለዉ ኰይኖም፡ ፕሪጎዚን ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ንሓይልታቱ እኹል ቀረብ ብዘይምቕራቡ ብተደጋጋሚ ይነቕፎም ነይሩ።
ንሱ፡ ወተሃደራት ቫግነር ኣብ መወዳእታ'ዚ ወርሒ ካብታ ከተማ ወጺኦም ከዕርፉን እቲ ከባቢ ንስሩዕ ወተሃደራት ሩስያ ከረክቡን ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







