ኲናት ዩክረይን፡ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነር ሓይልታቱ ካብ ባክሙት የውጽእ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓላፊ ዕሱብ ሩስያዊ ጉጅለ ዋግነር ዕጡቓቱ ካብ ዩክሬናዊት ከተማ ባክሙት ከውጽእ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
የቭገኒ ፕሪጎዚን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታቱ ነታ ከተማ ክሳብ ባሕቲ ሰነ ንሓይልታት ሩስያ ከረክብዋ ምዃኖም ቃል ኣትዩ'ሎ።
እንተዀነ ግን፡ ገለ ክፋላት እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከምዘሎ ዩክረይን ትገልጽ።
ስሩዕ ሰራዊት ሩስያ ነታ ከተማ ምክልኻል እንተስኢኑ ሓይልታቱ ንምምላስ ድሉው ምህላዉ'ውን እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ውግእ እቲ ዝነውሐን ደማውን ምንባሩ ይግለጽ።
እቲ ብወገን ሩስያ ዝካየድ ዝነበረ መጥቃዕቲ ብመሪሕነት ናይቶም ዕሱባት ዕጡቓት'ዩ ክካየድ ጸኒሑ።
ኣስታት 20,000 ካብ ተዋጋእቱ ኣብ ግንባር ባክሙት ከምዝሞቱ ፕሪጎዚን ኣብዚ ሰሙን ሓቢሩ ነይሩ።
"ኣሃዱታትና ሎሚ ካብ ባክሙት ንስሕብ ኣለና" ክብል ካብታ ዝዓነወት ከተማ ብቪድዮ ኣብ ቴለግራም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣረጋጊጹ።
እቲ ቪድዮ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይታ ከተማ ዝተሳእለ ምዃኑ ሓቅነት ሓበሬታ ዝምርምር መደብ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ፕሪጎዚን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም'ዩ ነታ ከተማ ከምዝተቖጻጸሩዋ ገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ ቪድዮ፡ ንሓይልታት ሩስያ ተተኮስቲ ክገድፍሎም ንዕጡቓቱ ትእዛዝ ክህብ ይስማዕ። ገለ ካብቶም ዕሱባት ወተሃደራቱ ንሓይልታት ሩስያ ንምሕጋዝ ኣብኡ ክጸንሑ ምኳኖም'ውን ጠቒሱ።
"እቲ ሰራዊት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ዝወድቀሉ ዝደጋገፉ'ዮም" ክብል ዝስማዕ ፕሪጎዚን፡ "ነቲ ሰራዊት [ሩስያ] ኣይትድሃልዎ" ብምባል ነቶም ኣባላቱ ተማሕጺንዎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ሓላፊ ዋግነር፡ እኹል ተተኳሲ እንተዘይረኺቦም ነቶም ኣብ ጎኒ ሓይልታት ሩስያ ክዋግኡ ዝጸንሑ ተዋጋእቱ ካብ ግንባር ባክሙት ክስሕቦም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣብ ቅድሚ ሬሳታት ኣባላቱ ኰይኑ ክዛረብ ዝስማዕ ፕሪጎዝሂን፡ ቀጠዐኡ ብቐጥታ ናብ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሾይጉን፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ሩስያ ጀነራል ቫለሪ ገራሲሞቭን ዘነጻጸረ'ዩ ነይሩ።
ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ሃና ማሊያር ግን፡ ገለ ክፋል ናይታ ከተማ ኣብ ኢድ ሓይልታት ዩክረይን ከምዘሎ ተዛሪባ።
"ጸላኢ ነቶም ኣብ ጫፋት እታ ከተማ ዝነበሩ ኣሃዱታት ዋግነር ብኣባላት ስሩዕ ሰራዊት ተኪእዎም ኣሎ። ሓይልታት ዋግነር ግን ሕጂ'ውን ኣብ ውሽጢ'ታ ከተማ ኣለዉ"።
ባክሙት ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ'ኳ እንተዘይኰነት፡ ምቁጽጻራ ግን ንሩስያ ከም ትእምርቲ ወተሃደራዊ ዓወት ከገልግል ከምዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።
ዝበዝሑ ኣብቲ ግንባር ዝተሰለፉ ሓይልታት ዋግነር ነታ ከተማ ንምቁጽጻር ከካይድዎ ዝጸንሑ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ኣብ መወዳእታ ንምክልኻል ዩክረይን ዘዳኸሞ'ዩ ዝመስል።
እቲ ኣተኲሮ ናይ ምስሓብ ኣመል ዘለዎ ፕሪጎዝሂን፡ ዝነበሮ ጽልዋ ኣብዚ ቀረባ እዋናት እናማህመነ ምምጽኡ ይንገር። ቅድሚ ሕጂ ዝሃቦም መጠንቀቕታታት፡ ድሕሪ ዋዛን ወተሃደራዊ ጭርቃንን'ዮም ክብል ብምንእኣስ ስለዘይተግበሮም፡ ዕቱብነቱ ክሳብ ክንድ'ዚ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቶም ዕሱባት ተዋጋእቱ ናይ ተተኳሲ ጠለባቶም እንተዘይተማሊኡ ዕጫኦም ወይ ከዝልቑ ወይ ድማ ኣብ ዘለውዎ ክሞቱ ጥራይ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ። "ብድሕሪኡ፡ መራሕትና ዝደልይዎ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ሮማዕ ክብል'ዩ"።
"ብሰንኪ ስእነት ተተኮስቲ፡ ክሳራታት መዓልታዊ ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ ኣሎ . . . ኣጉባዘይ ብዘይ ጥይት ኣብ ባክሙት ረብሓ ዘይብሉን ዘይቅቡልን ክሳራት ኣይክበጽሖምን'ዩ"።
እቲ ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ውግእ ባክሙት ህይወት ኣሽሓት ተዋጋእቲ ከምዝቐዘፈ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት'ውን ምውታት ወተሃደራቱ ብምርኣይ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ነቒፉ ነይሩ።
ዋላ'ኳ ሰራዊት ሩስያ ክሳራታት ዋግነር ብሰንኩ ከምዘይሰዓበ እንተገለጸ፡ ኣብቲ እዋን ንወተሃደራዊ ጠለባቱ ኣማሊእሉ ነይሩ።
ኣመሪካ ከምእትብሎ፡ ኣብቲ ንባክሙት ንምሓዝ ዝተኻየደ ምርብራብ ልዕሊ 20,000 ወተሃደራት ሩስያ ሞይቶም ካልኦት 80,000 ድማ ቆሲሎም። ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን።
ዩክረይን ዝተኸፍለ ዋጋ ይከፈል ነታ ከተማ ክትከላኸለላ ምውሳና፡ ሓይሊ ሩስያ ኣብ ሓደ ኣገዳስነት ዘይብሉ ቦታ ተጸሚዱ ክዳኸም ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ዩክረይን ካብ ክፍላ ግንቦት ጀሚራ ጸረ-መጥቃዕቲ ክትፍኑ ከምእትኽእል ፕሪጎዝሂን ገሊጹ ነይሩ። መጠን ሙቐት ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን ታንክታትን ከቢድ ብረትን ብቐሊሉ ክንቀሳቐስ ይኽእል'ዩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ፕሪጎዝሂን ሓደ ካብ ሰራዊት ዝተሰናበተ ጀነራል ብምኽታብ ሓላፊ ሎጀስቲክስ ዋግነር ክኸውን ኣብዚ ቀረባ እዋን መዚዙዎ ነይሩ።
ኮሎነል-ጀነራል ሚካኤል ሚዚንስተፍ፡ ሓራዲ ከተማ ማሪዮፖል ተባሂሉ ዝግለጽ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ'ታ ኣብ ደቡብ ዩክረይን እትርከብ ወደባዊት ከተማ ከቢድ ደብዳብ ብምዝናብ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ብምራዱ'ዩ እቲ ቅጽል ተዋሂብዎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ እቲ ጀነራል ኣብ መሰልጠኒ መዓስከር ዋግነርን ድፋዓት ዋግነር ኣብ ባክሙትን ምብጽሑ የመልክት።
ምክትል ኣዛዚ ዋግነር ክኸውን ሓቲትዎ ምንባሩ'ውን ፕሪጎዝሂን ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ጀነራል፡ ንዕሱባት ዋግነር ዘድልዮም ተተኳሲ ኣብ ምሃብን ካብ ኣብያተማእሰርቲ ተዋጋእቲ ኣብ ምምልማል ከምዝተሓጋገዞምን ዝክኣሎ ከምዝገበረን መስኪሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







