ኣሜሪካ ኣብ ዶብ ሩስያ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 'የለኹሉን' ክትብል ነብሳ ኣርሒቓ

ሩስያ፡ ብስእሊ ኣሰንያ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ ዝዓነዋ መካይን ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ዝተሰርሓ ‘ጀምቨስ’ ዝብሃላ ወተሃደራውያን መካይን ብሓዊ ተሃሚኾን እንከለዋ የርኢ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣሜሪካ ኣብ ዶብ ሩስያ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዘይተሳተፈት ክትገልጽ እንከላ፡ ሩስያ ብወገና እቲ ካብ ዩክረይን ተበጊሱ ናብ ዶባ ዝኣተወ ዕጡቕ ከምዝተሰዓረ ኣፍሊጣ።

እቲ ብሰኑይ ኣብ ዞባ ቤልጎሮድ ዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ምስ ኣሜሪካ ወይ ኣሜሪካ ዘዕጠቐቶም ሰራዊት ዝተኻየደ ከምዝነበረ ዝሓበረት ሩስያ፡ ብስእሊ ኣሰንያ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ ዝዓነዋ መካይን ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ዝተሰርሓ ‘ጀምቨስ’ ዝበሃላ ወተሃደራውያን መካይን ብሓዊ ተሃሚኾን እንከለዋ የርኢ።

ኣሜሪካ ብወገና “ኣብ ውሽጢ ሩስያ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣይፈጸምናን ክፍጸምን’ውን ኣየተባባዕናን” ኢላ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ካልእን” ኣሜሪካ ዝለገሰቶ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ውሽጢ ሩስያ ነታ ሃገር ንምጥቃዕ ከምዝውዓል ይሕበር ከምዘሎ ብምሕባር “ብሓቅነት እዚ ጸብጻብ እዚ ንጠራጠር ኢና” ክብል ኣፍሊጡ።

እቲ ሓላፊ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግልጺ “እቲ ኲናት ከመይ ከምእተካይዶ ንዩክረይን’ዩ ዝምልከት” ኢሉ።

እቲ ኣብ ሓንቲ ኣብ ዞባ ቤልጎሮድ እትርከብ ኣብ ዶብ ዘላ ቁሸት ብዝተኻየደረ ኲናት፡ ሩስያ 70 ካብቶም ዕጡቓት ከምዝቐተለት ክትገልጽ እንከላ እቶም ዝተቐተሉ ድማ ዩክረናውያን ምዃኖም ሓቢራ።

ዩክረይን’ውን ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዘይተሳተፈት ዝሕብር መግለጺ ብምውጻእ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ዝቓወሙ ክልተ ጕጅለታት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ሩስያ ኣብቲ ዞባ ጸረ-ግብረሽበራ ስርሒት ንምክያድ ንሰብ መዚ እቲ ከባቢ ርክባትን ምንቅስቓሳትን ሰባት ምሉእ ንምሉእ ክቈጻጸሩ ፍሉይ ሓላፍነት ሂባቶም ኣላ።

እቲ ርክባትን ምንቅስቓሳትን ሰባት ምሉእ ንምሉእ ንምቍጽጻር ዝተወሃበ ፍሉይ ሓላፍነት ትማሊ’ኳ እንተተላዕለ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝገለጹ ጕጅለታት “ገለ ክፋል ናይቲ መቦቈልና ዝዀነ መሬት ተቘጻጺርና ኣለና” ኢሉ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ቤልጎሮድ ቫያቸስላቭ ግላድኮቭ በቲ ኲናት ሓደ ሰለማዊ ሰብ ከምዝሞተን ብዙሓት ከምዝቘሰሉን ክገልጽ እንከሎ፡ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ዞባ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ብድሮን ትድብደብ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ሓንቲ ናይ ሲቪል መኪና ከምዝተቓጸለት'ውን ሓቢሩ።

ሩስያ ኣዕንየይን ዝበለተን ወተሃደራውያን መካይን

ምንጪ ስእሊ, EPA

እቲ ኣመሓዳሪ እታ ካበይ ከምዝመጽአት ዘይገለጻ ድሮን ተሃሪማ ከምዝወደቐት’ውን ሓቢሩ።

ቢቢሲ ኵሉ ብዛዕባ’ቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕትታት ካብ ነጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን። እቲ ብሩስያ ዝተፈነወ ቪድዮ’ውን ኣብቲ እዋን ዝተቐድሐ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ኣሃዱታት ዩክረይን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዶብ ሩስያ ሰጊሮም ኣትዮም“ ኢሉ።

ዩክረይን ብወገና ዶብ ሩስያ ሰጊራ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመት ብምግላጽ እቲ መጥቃዕቲ በቶም ‘ብሊበሪቲ ኦፍ ራሻን ለጂን’ ከምኡ ከኣ ‘ራሻን ቮሎንታሪ ኮርፕስ’ ዝብሃሉ ሩስያውያን ተቓወምቲ ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጣ።

ክልቲኦም ጕጅለታት’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ነቲ መጥቃዕቲ ንሶም ከምዝፈጸምዎ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቶም ክልተ ጕጅለታት ኣቐድም ኣቢሎም ምስ ‘ሳስፕሊን’ ዝተብሃለ ማዕከን ዜና ዩክረይን ኣብ ዝገበርዎ ቃለመሕተት ነቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዘሎ ‘ቦታና’ ዝበልዎ ከባቢ ካብ ወተሃደራት ሩስያ ነጻ ክገብርዎ ምዃኖም ሓቢሮም ነይሮም።