እንስሳታት ዘገዳም ብሰንኪ ንጥፈታት ደቂሰብ ይጠፍኡ ኣለዉ ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንጥፈታት ደቂ ሰባት: "ኣዕናዊ" ክሳራ ዓሌታት ተፈጥሮ የስዕቡ ከምዘለዉ 'ዓለማዊ ፈንድ ንተፈጥሮ' ዝተበሃለ ግብረ ሰናይ ትካል ዕቃበ ሓቢሩ።
ካብ ኣብ ትሮፒካዊ ጫካታት ዝርከቡ ሓራምዝ ክሳብ ኣብ ኣባ ጎብየ ብዝሒ እንስሳታት ኣዝዩ እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ እቲ ትካል የጠንቅቕ።
ንዅነታት ተፈጥሮኣዊ ዓለም ዝምልከት ሰፊሕ ሓፈሻዊ ትንታነ ዘመልክት ጸብጻብ 'ዘ ሊቪንግ ፕላኔት' ከምዝገልጾ፡ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ዓለማዊ ብዝሒ እንስሳ ዘገዳም ብማእከላይ ገምጋም ብ73 ሚእታዊት ነክዩ ኣሎ።
ናይዚ ጠንቂ ድማ ምንካይ ብዙሓት መነባብሮታት ከምዝዀነ ሓላፊት ዓለማዊ ፈንድ ንተፈጥሮ ዓባይ ብሪጣንያ ታንያ ስቲል ትዛረብ።
ብሰንኪ እዚ "ብዙሓት ስነ-ህይወት ኣብ ኣፍደገ ምጥፋእ ይርከቡ" ክትብል ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock / COULANGES / WWF-Sweden
እቲ ጸብጻብ ኣብ ልዕሊ 5000 ቁጽሪ ኣዕዋፍ፡ መጥበውቲ፣ ኣብ ማይን ምድርን ዝነብሩ እንስሳታት ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝተኣከበ ሓበሬታ ዘ ሊቪንግ ፕላኔት ዝተመርኰሰ እዩ።
ብሰንኪ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ካብ ዝመጽእ ክሳራ እንስሳ ዘገዳም፡ 60 ሚእታዊት ብብከላን ካልእ ሓደጋታትን፡ እንተላይ ብዕደናን ሲቪላዊ ናዕብን ዝጠፍኡ መነባብሮታት ዘስዓብዎ’ዩ።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ተስፋ ዝህቡ ምልክታት ዓወት ዕቃበ’ውን ዘጠቃልል’ዩ።
ንኣብነት ኣብ ኣኽራናት ቪሩንጋ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከብ ንኡስ ብዝሒ ጎሪላታት ከረን ኣብ መንጎ 2010ን 2016ን ኣብ ዓመት ኣስታት 3 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።
ዓለማዊ ፈንድ ንተፈጥሮ ግን፡ እዞም "ተነጺሎም ዝረኣዩ ዓወታት እኹላት ኣይኰኑን፡ ኣብ ድሕረ ባይታ ናይቲ ሰፊሕ ዕንወት መነባብሮታት ኣሎ" ክብል የስምር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ጸብጻብ፡ ምብራስን ምጥፋእን መነባብሮ ኣብ ድሕነት እንስሳ ዘገዳም ዝዓበየ ሓደጋ ከምዝዀነን፡ ልዕሊ ዓቐን ምዝመዛ፡ ወረርቲ ዓሌታት፣ ሕማም፣ ለውጢ ክሊማን ብከላን ድማ ተወሰኽቲ ጠንቅታት ከምዝዀኑን የረጋግጽ።
ደቂ ሰባት "ብፍላይ እቲ መግቢና እነፍርየሉን እነብስለሉን ኣገባብ፡ ተፈጥሮኣዊ መነባብሮ እናጥፍአ ይኸይድ" ከምዘሎ’ውን ይሕብር።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ክሳራ ተፈጥሮን ለውጢ ክሊማን ንዓለምና ብቕልጡፍ ናብ ዘይምለስ ኵነታት ይደፍኣ ከምዘሎ የጠንቅቕ።
እዚ ድማ ብ"ምብራስ" ጫካታት ዝርከቦም ኵነታት ሙቐት ዓለምን ምውሳኽ ካርቦን ጽልዋታት ለውጢ ክሊማን ይጋደድ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, WWF-Aus / Chris Johnson
ካብ ማሕበር ስነ እንስሳታት ለንደን’ስ ኢንስቲትዩት ስነ እንስሳታት ቫለንቲና ማርኮኒ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ተፈጥሮኣዊ ዓለም ኣብ "ዘይተረጋገጸ ኵነታት" ከምዘሎ ሐቢራ።
እንተዀነ ግን ብህጹጽን ሓባራዊን ስጉምቲ መራሕቲ ዓለም "ሕጂ'ውን ናብ ንበር ክንመልሶ ዕድል ኣለና" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ዳርጋ 200 ሃገራት ዓለም፡ ክሳራ ተፈጥሮ ንምምካት ኣብ 2022 ስምምዕ ሕቡራት ሃገራት ፈሪመን እየን። እዚ ስምምዕ ኣብ 2030 ኣስታት 30 ሚእታዊት ተፈጥሮ ዓለም ምምላስ ዘጠቓልል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







