ኢትዮጵያ- 'ስጋ ኣድጊ፡ ዓጽሙ ከይተረፈ ናብ ቻይና እዩ ዝለኣኽ'

ኣእዱግ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ኣሰላ ዝርከብ መሕረዲ ኣእዱግ፡ ኩሎም ምህርቲታት እቶም እንስሳታት ናብ ዕዳጋ ቻይና ዝቐርቡ እምበር ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተርፍ ከምዘየለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ እቲ መሕረዲ ኣእዱግ ቺቺ ኣማን፡ እቲ ማእከል መዓልታዊ ካብ 50 ክሳብ 100 ኣእዱግ ሓሪዱ ቆርበቶም፣ ስገኦምን ኣዕጽምቶምን ናብ ቻይና ከምዝልእኽ ተዛሪቡ።

እቲ ትካል ከምዝብሎ ካብ ኣእዱግ ዝርከቡ ምህርቲታት “ኣዕጽምቶም ከይተረፈ ተጣሒኑ ናብ ወጻኢ ይለኣኽ። ኣብዚ ዝተርፍ ነገር የለን” ብምባል ንዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ዝተርፍ ነገር ከምዘየለ ጠቒሱ።

ኣብ ቀረባ እዋን ስጋ ኣድጊ ምስ ስጋ ከብቲ ተመሳሲሉ ኣብ እንዳ ስጋታት ይሽየጥ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኢትዮጵያ ክንዛሕ ቀንዩ።

ኣቶ ቺቺ ግና እቲ ሓበሬታ “ናይ ሕሶት ፕሮፖጋንዳ እዩ” ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ንሱ ዘመሓድሮ መሕረዲ እንስሳታት ብሚኒስትሪ ሕርሻ ምክትታል ከምዝግበረሉ ገሊጹ።

ስጋ፣ ቆርበትን ኣዕጽምትን ኣእዱግ ኣብ ዕዳጋ ቻይና ተደላዪ እዩ። ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ ቻይና ባህላዊ መድሓኒት ንምስራሕ ዝድለ ኢጂአኦ ዝተባህለ ንጥረ ነገር ኣብ ኣእዱግ ስለዝርከብ እዩ።

እቲ መሕረዲ እንስሳት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ስጋ፣ ቆርበትን ኣዕጽምትን ኣእዱግ ናብ ቻይና እናለኣኸ ከምዝጸንሐ ዝገልጽ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ኣብ ዓመት ካብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ንላዕሊ ኣታዊ ከምዘርክብ ይገልጽ።

እዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ኣሰላ ዝርከብ መሕረዲ ቅድሚ ሕጂ ብዝተልዓለ ተቓውሞ ሰራሕ ከቋርጽ ተገይሩ ነይሩ።

ብዙሓት ባህላውን ሃይማኖታውን ምኽንያታት ኣልዒሎም ሕርዲ ኣእዱግ ብምቅዋም ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣእዱግ ኣብ ገጠር ንዝነብር ማሕበረሰብ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ዝህብዎ ኣገልግሎት ከምኡ ድማ ሰብኣውነት ኣብ ግምት ብምእታው ዝቃወሙ ኣለዉ።

ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣእዱግ ኢትዮጵያ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሩክ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ተሟጋቲ መሰል እንስሳታት፡ እዚ መሕረዲ ኣእዱግ ክዕጾ ድምጾም ካብ ዘስምዑ ሓደ እዩ።

ዳይረክተር እቲ ትካል ኣቶ ዮሃንስ ቃሲም ኣእዱግ ንቆርበቶም ተባሂሉ ክሕረዱ የብሎምን ይብል።

ንሱ ሕርዲ ኣእዱግ ኣብታ ሃገር ዘለዉ በዝሒ ኣእዱግ ኣዐርዩ ክውሕድ ብምግባር ኣብቲ ሕብረተሰብ ጸቕጢ ክፍጠር ይገብር ይብል።

ኣቶ ዮሃንስ ከምዝብሎ ንባህላዊ መድሓኒት ቻይና 4.8 ሚልዮን ኣእዱግ የድልዩ። ኣብታ ሃገር ንባህላዊ መድሓኒት ክበሃል ብዙሓት ኣእዱግ ስለዝተሓረዱ ቻይና ኣስታት 70 ምኢታዊት ኣእዱጋ ስኢና ኣላ ይብል።

ብተመሳሳሊ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ኬንያ እውን ካብ ዝነበርዋ ኣእዱግ እቶም 15 ምኢታዊት ከምዝሰኣነት ወሲኹ ሓቢሩ።

ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ኣእዱግ ከምዘለዉዋ ዝግመት ኢትዮጵያ መሕረዲ ኣእዱግ ብሰፊሑ እንተቐጺሉ፡ ቁጽሪ እቶም እንስሳታት ከቢድ ሓደጋ ከጋጥም እዩ ብምባል የተሓሳስብ።

ኣብ ሃገራት ኬንያ፣ ኡጋንዳን ኣይቮሪኮስትን መሕረዲ ኣእዱግ ክዕጸዉ ከምዝተገበሩ ዝገልጽ ኣቶ ዮሃንስ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ይብል።

“ካብ ቆርበት ኣድጊ ካብ ዝርከብ ጥቕሚ: ኣድጊ ነቲ ማሕበረሰብ ዝህቦ ኣገልግሎት ዝበለጸ እዩ።”

ኣቶ ቺቺ ኣማን ግን እቲ መሕረዲ ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣእዱግ ከጉድሎ እዩ ዝብል እምነት የብሉን።

ንሕርዲ ናባና ዝመጹ ኣእዱግ “ካብ ሞት ዝተልዓሉ እዮም” ብምባል እቶም ኣእዱግ ኣካላዊ ጉድለት ዘለዎምን ናይ ኣገልግሎት ግዚኦም ዘብቀዐን ከምዝኾኑ ዝጠቅስ እቲ ሓላፊ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣእዱግ ናብቲ መሕረዲ ከምዘይቀርቡ ይዛረብ።

“ኣዐርዩ ዝተዳኸመ ኣግልግሎት ዘይህብ ተባዕታይ ኣድጊ እዩ ናባና ዝመጽእ። ኣንስትዮ ኣእዱግ ናባና ንሕርዲ ኣይቀርባን።”

ብተወሳኺ “ሰባት ኣብ ገጠር ኣዋፊርና ሑቒኦም ዝቖሰሉ፣ እግሮም ዝተሰበሩ፣ ወይ አዒንቶም ጠፊኦም ኣራዊት ክበልዖም ዝተገደፉ ኣእዱግ ደሊና ብመኪና ጽዒንና ኢና እነምጸኦም” ይብል።

ቀጻሊ ትልሚ

ኣብ ኢትዮጵያ መሕረዲ ኣእዱግ ክዕጾ ዝጽውዑ ድምጽታት እኳ ይስምዑ እንተሃለዉ እቲ ብሕታዊ መሕረዲ ኣእዱግ ግን ኣብ ቀጻሊ ብዝሕ ዝበለ ቁጽሪ ኣእዱግ ብምሕራድ “ንሃገር ዘርክቦ ረብሓ ሓፍ ንምባል እሰርሕ ኣለኹ” ይብል።

እቲ ኣብዚ እዋን ክሳብ ሓደ ምኢቲ ኣእዱግ ዝሓርድ ዘሎ ማእከል፡ ኣብ ቀጻሊ ኣማኢት ኣእዱግ ንምሕራድ ትልሚ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ መሕረዲ ኣእዱግ ን 250 ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረን ኣብቲ ከባቢ ዝተወደቡ መንእሰያት ንሕርዲ ዝኾኑ ኣእዱግ ደልዮም ገዚኦም ናብቲ መሕረዲ ከምዘቕርቡን ኣቶ ቺቺ ገሊጹ።

ንሱ ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ መሕረዲ “ናትና እዩ ኢሎም ኣሚኖም ተቐቢሎምዎ እዮም” ይብል።

ምስቲ ኣብዚ ሰሙን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ድማ ኣብቲ ማእከል ዝሕረዱ ኣእዱግ ስገኦም ኮነ ካልኦት ተረፈ ምህርቲታት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተዳልዩ ናብ ቻይና ዝለኣኽ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንመሸጣ ዝቐርበሉ ኩነታት ከምዘየለ ኣፍሊጡ።